ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp23 ቍ. 1 ገጽ 8-9
  • 2 | ‘ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ መጸናንዒ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 2 | ‘ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ መጸናንዒ’
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2023
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እንታይ ማለት እዩ፧
  • ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧
  • ሕዱር ጭንቀት መንእሰያት—ስለምንታይ፧ እንታይ ኪሕግዝ ይኽእል፧
    ንቕሑ!—2017
  • ንኣሉታዊ ስምዒታት ብኸመይ ከተሰንፎ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • 13 ስለምንታይ ኢየ ኣዝየ ዝጭነቕ፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • 3 | ካብ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቐም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2023
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2023
wp23 ቍ. 1 ገጽ 8-9
ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበቦ የስተንትን።

2 | ‘ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ መጸናንዒ’

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ብተጻዋርነትናን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ መጸናንዕን ተስፋ ምእንቲ ኺህልወናስ፡ እቲ ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ፡ ንትምህርትና እዩ እተጻሕፈ።”—ሮሜ 15:4።

እንታይ ማለት እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንኣሉታዊ ሓሳባት ምእንቲ ኽንጻወሮ ዚሕግዘና ዜበርትዕን ዜጸናንዕን ሓሳባት ዝሓዘ እዩ። ብዘይካዚ፡ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስምዒታዊ ስቓይ ኣብ ቀረባ እዋን ነበረያ ነበረ ኸም ዚኸውን ተስፋ ይህብ እዩ።

ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧

ኵላትና ሓድሓደ ግዜ ንጭነቕ ኢና፣ እቶም ምስ ሕዱር ጭንቀት ወይ ምስ ውጥረት ዚቓለሱ ሰባት ግና መዓልታዊ ስምዒታዊ ስቓይ የጋጥሞም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧

  • መጽሓፍ ቅዱስ ንኣሉታዊ ሓሳባት ዚትክእ ብዙሕ ኣወንታዊ ሓሳባት ሒዙ ኣሎ። (ፊልጲ 4:8) ከመይሲ፡ ንኣእምሮና ብዜጸናንዕን ብዜሐድስን ሓሳባት ይመልኦ፡ እዚ ድማ ስምዒትና ኽንቈጻጸር የኽእለና።—መዝሙር 94:18, 19።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይንረብሕ ኰይኑ ኺስምዓና ኸሎ ነዚ ስምዒት ከነወግዶ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።—ሉቃስ 12:6, 7።

  • ሓያሎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ በይንና ኸም ዘይኰንናን ኣምላኽ እቲ ፈጣሪና ንስምዒትና ኸም ዚርዳኣልናን የረጋግጸልና እዩ።—መዝሙር 34:18፣ 1 ዮሃንስ 3:19, 20።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ነቲ ዜሳቒ ተዘክሮታት ከም ዜወግዶ የተስፉ እዩ። (ኢሳይያስ 65:17፣ ራእይ 21:4) ብዜጨንቕ ሓሳባትን ስምዒትን ክንውሓጥ ከለና፡ እዚ ተስፋታት እዚ ኸም እንጸንዕ ኪገብረና ይኽእል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይሕግዝ፧—ጀሲካ

ጭንቀት ዘስዓበለይ ስቓይ

ጀሲካ ኣብ ኢዳ እተገንጸለ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዛ ደቂሳ።

“ጓል 25 ዓመት ከለኹ፡ ናይ ኣእምሮ ምዝንባል ኣጋጢሙኒ፡ ብርቱዕ ጭንቀት ከም ዘለኒ ድማ ተነጊሩኒ። ሃንደበት ሕማቕ ተዘክሮታት የሳቕየኒ ነይሩ። ሓካይም እቲ ኣጋጢሙኒ ዘሎ ጭንቀት እቲ ኣብ ህይወተይ ዘጓነፈኒ ሕማቕ ነገር ዘስዓቦ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኸም ዝዀነ ኣረዲኦምኒ እዮም። ብዘይካ እቲ ዝወስዶ ግቡእ መድሃኒት፡ ነቲ ዘይጥዑይ ኣተሓሳስባይ ምእንቲ ኸለልዮን ከዐርዮን ተኸታታሊ ሕክምና ኣድልዩኒ እዩ።”

መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝሓገዘኒ

“ጭንቀተይ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ኺበጽሕ ከሎ፡ ኣዝየ እፈርህ፡ ከቢድ ጭንቀት ይስምዓኒ፡ ድቃስ ድማ ይኣብየኒ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ለይቲ ኽቈጻጸሮ ዘይክእል ኣዝዩ ዚርብሽ ሓሳባት ይመጸኒ እዩ። መዝሙር 94:19 ከም እትገልጾ፡ ብጭንቀት ኣብ እንወሓጠሉ እዋን ኣምላኽ ኬጸናንዓናን ኬደዓዕሰናን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱሰይን ዜተባብዕ ጥቕስታት ዝሓዘ መዘኻኸርን ኣብ ጥቓ ዓራተይ አቐምጥ እየ። ድቃስ ኪኣብየኒ ኸሎ፡ ሓሳባት ኣምላኽ ምእንቲ ኼጸናንዓኒ፡ እተወሰነ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ አንብብ እየ።

“መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ምስ እንፈልጦ ሓቂ ዚጻረር ሓሳባት ከነርሕቖ የተባብዓና እዩ። ቀደም፡ ዘይረብሕ፡ ዘይፍቀር፡ ዘይጠቅም ኰይኑ ይስምዓኒ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ከምዚ ዓይነት ሓሳባት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጋጮ ኣስተውዒለ፣ ከመይሲ፡ ኣምላኽ ንዅላትና ዚግደሰልና ፈቃርን ሓላዪን ኣቦ እዩ። ስለዚ፡ ሓሳባተይ ኣብ ክንዲ ዚቈጻጸረኒ በብቝሩብ ክቈጻጸሮ ጀሚረ። ንርእሰይ ድማ ከምቲ ኣምላኽ ዚርእያ ገይረ ኽርእያ ተማሂረ። እዚ ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ንዝነበረኒ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኸወግድ ዝሓገዘኒ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ ነይሩ።

“ነቲ ዅሉ ዜሳቒ ተዘክሮታትን ጐዳኢ ኣተሓሳስባን ዚውገደሉ እዋን ብሃንቀውታ እየ ዝጽበዮ። ኣብ መጻኢ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ዘይህልወሉ እዋን ከም ዚመጽእ እፈልጥ እየ። እዚ፡ ሕጂ ጭንቀተይ ክጻወርን ነቲ ኣብ መጻኢ ጭንቀት ዘይህልወሉ እዋን ብሃንቀውታ ኽጽበን ሓጊዙኒ እዩ።”

ንዝያዳ ሓገዝ፦

ነታ “ምጽንናዕ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክረክብ እኽእል ድየ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣብ jw.org ኣንብብ።

መጽሓፍ መዝሙር ኣንብብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ