ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp23 ቍ. 1 ገጽ 6-7
  • 1 | ጸሎት—“ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 1 | ጸሎት—“ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2023
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እንታይ ማለት እዩ፧
  • ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
  • ንዅሉ ጭንቀትካ ናብ የሆዋ ደርብዮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ንጭንቀተይ ክዋጽኣሉ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ኵሉ ጭንቀትኩም ኣብ የሆዋ ደርብይዎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2023
wp23 ቍ. 1 ገጽ 6-7
ሓደ እተጨነቐ መንእሰይ፡ ኢዱ ኣብ ኣፍ ልቡ ገይሩ ይጽሊ።

1 | ጸሎት—“ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ”

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ [ናብ ኣምላኽ] ደርብይዎ።”—1 ጴጥሮስ 5:7።

እንታይ ማለት እዩ፧

የሆዋ ኣምላኽ ንልብናን ንኣእምሮናን ዝኸበዶ ጾር ክንነግሮ ይዕድመና እዩ። (መዝሙር 55:22) ብዛዕባ ዓብዪ ዀነ ንእሽቶ ጸገም ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ንዓና ዜገድሰና እንተ ዀይኑ ንየሆዋ እውን የገድሶ እዩ። ናይ ኣእምሮ ሰላም ንምርካብ ናብኡ ምጽላይ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ።—ፊልጲ 4:6, 7።

ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

ምስ ኣእምሮኣዊ ጸገም ኣብ እንቃለሰሉ እዋን በይንና ዝዀንና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ካልኦት ሰባት እንታይ ኵነታት ነሕልፍ ከም ዘለና ዚርዱኡልና ዅሉ ግዜ ኣይኰነን። (ምሳሌ 14:10) እንታይ ከም ዚስምዓናን ናይ ልብናን ብጸሎት ንኣምላኽ እንተ ነጊርናዮ፡ ንሱ ይድንግጸልናን ይርድኣልናን እዩ። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ይርእየና፡ ስቓይናን ቃልስናን ይፈልጥ፡ ዜጨንቐና ዘበለ ዝዀነ ይኹን ነገር ንዕኡ ኽንነግሮ ድማ ይደልየና እዩ።—2 ዜና መዋእል 6:29, 30።

ናብ የሆዋ ምጽላይ ንሱ ኸም ዚሓልየልና ንዘሎና እምነት የደልድሎ እዩ። ከምቲ እቲ ዘማሪ፡ “ጸበባይ ርኢኻ፡ ብርቱዕ ጭንቀይ ትፈልጥ ኢኻ” ብምባል ዝጸለዮ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። (መዝሙር 31:7) የሆዋ ንእነሕልፎ ጸበባ ኸም ዜስተብህለሉ ምፍላጥና ጥራይ ንዜጋጥመና ጸገማት ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ ንጭንቀትና የስተብህለሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ማንም ንላዕሊ ነቲ እነሕልፎ ነገር ይርድኣልናን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መጸናንዕን መተባብዕን ክንረክብ ይሕግዘናን እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይሕግዝ፧—ጁልያን

ጭንቀት ዘስዓበለይ ስቓይ

ጁልያን።

“ምስ ጭንቀትን ምስ ኦብሰሲቭ ኮምፐልሲቭ ዲስኦርደርን (OCD) እቃለስ እየ። ብዙሕ ግዜ፡ ሃንደበት ብጭንቀት እወሓጥ እየ። ሓደ ግዜ፡ ደሓን እኸውን ካልእ ግዜ ድማ ብዘይ ገለ ምኽንያት ኣዝየ እጭነቕ። ብፍላይ ከኣ ምስ ሰባት ክኸውን ከለኹ፡ ኣመና እጭነቕ እየ። ብዛዕባይ እንታይ ከም ዚሓስቡ ድማ ኣዝዩ የተሓሳስበኒ እዩ።

“እቶም ብዛዕባ ጸገመይ ዚፈልጡ ብዙሕ ይሕግዙኒ እዮም። ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ዚዛረብዎ ብዙሕ ዘይጠቕመኒ እኳ እንተዀነ፡ ነቲ ንዓይ ንምሕጋዝ ዚገብርዎ ጻዕሪ ግና ኣዝየ አማስወሉ እየ።

“ሓድሓደ ግዜ፡ ብሰንኪ ጭንቀትን ብሰንኪ እቲ ዘሎኒ ሕማምን ምጽላይ የጸግመኒ እዩ። ከየስገልኩ ናብ የሆዋ ምእንቲ ኽጽሊ ብዙሕ ክጽዕር ኣሎኒ። ሓሳባተይ ስለ ዚብተን ሕንፍሽፍሽ እዩ ዚብለኒ። ሓሳባተይ ክእርንብ ስለ ዘይክእል ንየሆዋ ስምዒተይ ብቓላት ምግላጽ ይኸብደኒ እዩ።”

መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝሓገዘኒ

“ካብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱሰይ፡ ጸሎት ብኣምላኽ ተቐባልነት ምእንቲ ኺረክብ ኪነውሕን ብዉሕሉል መገዲ ኪቐርብን ከም ዘየድልዮ ተማሂረ እየ። ሓድሓደ ግዜ፡ ስምዒተይ ብቓላት ምግላጽ ኪኸብደኒ ኸሎ፡ ‘የሆዋ በጃኻ ሓግዘኒ’ ጥራይ ኢለ እየ ዝጽሊ። ሽዑ እውን እንተዀነ፡ የሆዋ ኸም ዚርዳኣንን ንዝጸለኽዎ ጸሎት ከም ዚምልሰለይን ይስምዓኒ እዩ። ካብ ጸሎት ብተወሳኺ፡ ሕክምናዊ ኽትትል እውን እገብር እየ። ሳላ ኻብ ክልቲኡ ምንጪ ዝረኸብክዎ ሓገዝ፡ ኵነታተይ ኣዝዩ ተመሓይሹ ኽብል እኽእል እየ። ንሰማያዊ ኣቦይ ሓገዝ ምሕታት ጻዕሪ ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ፡ ፍቕራዊ ሓገዙ ስለ ዝረክብ ግና ውጽኢቱ ዚኽሕስ እዩ።”

ንመንእሰያት ዚኸውን ሓገዝ

“ዓርኪ የሆዋ ኹን—ፕረይ ኤኒ ታይም” ዘርእስታ ቪድዮ።

የሆዋ ንጸሎትካ ኸም ዚሰምዖን ከም ዚምልሶን ስለምንታይ ክትተኣማመን ከም እትኽእል ንምፍላጥ ኣብ ወብሳይት jw.org ርአ።

ዓርኪ የሆዋ ኹን—ፕረይ ኤኒ ታይም ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ