ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp23 ቍ. 1 ገጽ 3-4
  • ዓለምለኻዊ ጸገም ኣእምሮኣዊ ጥዕና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዓለምለኻዊ ጸገም ኣእምሮኣዊ ጥዕና
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2023
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣእምሮኣዊ ጥዕና እንታይ ማለት እዩ፧
  • ኣእምሮኣዊ ምዝንባል፦
  • ንኣእምሮኣዊ ጸገም ዚኸውን ሓገዝ
  • ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ክትፈልጦ ዘሎካ ነገራት
    ንቕሑ!—2014
  • ኣምላኽ ፍጹም ኣእምሮኣዊ ጥዕና ኣተስፍዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2023
  • 4 | መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ምኽሪ ይህብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2023
  • ጥዕና—መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2023
wp23 ቍ. 1 ገጽ 3-4
እተጨነቐት ጓል ኣብ ጥቓ መስኮት ኮፍ ኢላ።

ዓለምለኻዊ ጸገም ኣእምሮኣዊ ጥዕና

“በይነይ ኣብ ሓደ ኽፍሊ ኾፍ ኢለ ኸለኹ እውን ከይተረፈ፡ እተወሰነ ጭንቀት ይስምዓኒ እዩ።”

‘ካብ ካልእ ግዜ እተፈልየ ጥዕና ኽስመዓኒ ኸሎ የሻቅለኒ እዩ፣ ከመይሲ፡ ካብ ተመክሮይ ከም ዝረኣኽዎ ሓጐሰይ ቀልጢፉ እዩ ናብ ዝንታ ዚቕየር።’

“ብዛዕባ እታ መዓልቲ ጥራይ ክሓስብ እፍትን፡ ሃንደበት ግና ብዛዕባ ኻልእ ብዙሕ ነገራት ክጭነቕ እጅምር።”

እዚ ርእይቶታት እዚ፡ ብኣእምሮኣዊ ሕማም ዚሳቐዩ ሰባት እተዛረብዎ እዩ፣ ንስኻ ወይ እትፈትዎ ሰብካ ኸምዚ ይስምዓኩም ድዩ፧

ከምዚ ዚስምዓካ ንስኻ በይንኻ ኸም ዘይኰንካ ርግጸኛ ኹን። ሎሚ ብዙሓት ሰባት ገዛእ ርእሶም ወይ ዚፈትውዎ ሰብ ብሰንኪ ኣእምሮኣዊ ጸገም ይሳቐዩ እዮም።

ኣብ “ጽንኩር ግዜ” ንነብር ከም ዘለና ዜጠራጥር ኣይኰነን፣ ስለዚ፡ እተፈላለየ ዓይነት ጭንቀት የጋጠመና እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዝቐመሮ፡ ብዓለምለኸ ደረጃ ኻብ ሸሞንተ ሰብ ሓደ ምስ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ይቃለስ እዩ። ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ 19፡ ኣብ 2019 ኣስታት 28 ሚእታዊት ሰባት ብሕዱር ጭንቀት ይሳቐዩ ነይሮም እዮም። ኣብ 2020 ድማ ቍጽሪ እቶም ብጭንቀት ዚሳቐዩ ሰባት 26 ሚእታዊት ወሲኹ እዩ።

ይኹን እምበር፡ ኣእምሮኣዊ ጥዕናና ብኣሃዛዊ ጸብጻብ ጥራይ ዚግለጽ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ኺብሃል ከሎ ምስ ስምዒትናን ምስ ስምዒት እነፍቅሮ ሰብን ህይወትና ምስ እንመርሓሉ መገድን ዚተሓሓዝ እዩ።

ኣእምሮኣዊ ጥዕና እንታይ ማለት እዩ፧

ጽቡቕ ኣእምሮኣዊ ጥዕና እንተ ኣልዩካ፡ ጽቡቕ ይስምዕካ፡ ጽቡቕ ትዓዪ። ብዘይካዚ፡ ንውጥረት ትቈጻጸሮ፡ ኣብ ስራሕካ ውጽኢታዊ ትኸውን፡ ዜዕግብ ህይወት ድማ ትነብር።

ኣእምሮኣዊ ምዝንባል፦

  • ብብሕታዊ ድኽመት ዚመጽእ ኣይኰነን።

  • ሕክምናዊ ኽንክን ዜድልዮ ኸቢድ ጭንቀት ኰይኑ፡ ኣተሓሳስባኻ የዛብዕ፡ ስምዒትካ ይቈጻጸር፡ ባህርያትካ ይቕይር።

  • መብዛሕትኡ ግዜ፡ ምስ ካልኦት ንዘሎካ ርክብ የበላሹ፣ መዓልታዊ ዋኒንካ ኸይትገብር ጸገም ይፈጥረልካ።

  • እተፈላለየ ዕድመን ባህልን ሃይማኖትን ትምህርታዊ ድሕረ ባይታን ኣታውን ንዘለዎም ሰባት የጥቅዕ።

ስእልታት፦ 1. ሓደ መንእሰይ ሓዚኑን ተጨኒቝን ይርአ። 2. ሓደ ሰብኣይ ንእተጨነቐት ሰበይቱ የጸናንዓን። 3. ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ሓኪም ትዘራረብ።

ንኣእምሮኣዊ ጸገም ዚኸውን ሓገዝ

ኣብ ገዛእ ርእስኻ ወይ ኣብ ሰብካ ዓብዪ ናይ ባህርይ ለውጢ እንተ ርኢኻ፡ ድቃስ እንተ ኣብዩካ፡ ኣመጋግባኻ ስሩዕ እንተ ዘይኰይኑ፡ ወይ ንነዊሕ ግዜ ዚጸንሕ ጸቕጢ፡ ጭንቀት፡ ወይ ጓሂ እንተ ኣጋጢሙካ ነቲ ቐንዲ ጸገም ምእንቲ ኸተለልዮ ሕክምናዊ ሓገዝ ርኸብ። እሞ ደኣ ሓገዝ ኣበይ ትረክብ፧

እቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ኣዝዩ ጥበበኛ ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ፦ “ሓኪም ንሕሙማት ደኣ እምበር፡ ንጥዑያት ኣየድልዮምን እዩ።” (ማቴዎስ 9:12) ምስ ጥዕናዊ ጸገማት ዚቃለሱ ሰባት፡ ግቡእ ሕክምናን መድሃኒትን እንተ ረኺቦም፡ ካብ ሕማሞም ኪሕሾም፡ ውጽኢታውን ዜሐጕስን ህይወት ኪነብሩ ኸኣ ይኽእሉ እዮም። እቲ ምልክታት ከቢድ ወይ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ከይደንጐዩ ናብ ሕክምና ምኻዶም ጥበባዊ እዩ።a

መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሕክምና መጽሓፍ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ንኣእምሮኣዊ ጥዕናና ዚጠቅም ምኽሪ ዝሓዘ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኣእምሮኣዊ ጸገም ክትዋጽኣሉ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ንምፍላጥ፡ ነዘን ዚስዕባ ዓንቀጻት ክትምርምረን ንዕድመካ።

a ግምቢ ዘብዐኛ፡ ንዝዀነ ይኹን ሕክምና ፍሉይ ደገፍ ኣይትህብን እያ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ውሳነ ቕድሚ ምግባሩ ንኣማራጺታት ሕክምና ኺምርምር ኣለዎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ