ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g20 ቍ. 2 ገጽ 4-5
  • ገሊኦም እንታይ ኢሎም ይኣምኑ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ገሊኦም እንታይ ኢሎም ይኣምኑ፧
  • ንቕሑ!—2020
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሂንዱ
  • እስላም
  • ኣይሁድነት
  • ቡድሃውያን
  • ኩንግፉትጽያውያን
  • ገሊኡ ቐቢላዊ ሃይማኖታት
  • ክርስትያናት
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ሕቶ 3፦ ኣምላኽ፡ መከራ ኺበጽሓኒ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • 4. መከራ ኽንረክብ ዲና ተፈጢርና፧
    ንቕሑ!—2020
  • መከራ
    ንቕሑ!—2015
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2020
g20 ቍ. 2 ገጽ 4-5
ምልክትታት ሃይማኖታት ቡድህና፡ ሂንዱነት፡ ኣይሁድነት፡ ቀቢላዊ ሃይማኖታት፡ ክርስትና፡ እስልምና፡ ኩንግፉትጽያውነት።

ገሊኦም እንታይ ኢሎም ይኣምኑ፧

ሂንዱ

ምልክት ሂንዱነት።

ንመከራ ኸም ሳዕቤን እቲ ኣብ መጀመርታ እዛ ህይወትካ ወይ ኣብ ሕሉፍ ህይወትካ ዝፈጸምካዮ ተግባራት ገይሮም ይርእይዎ። ሓደ ሰብ ካብ ዓለማዊ ነገራት ፈጺሙ ኣብ እተነጸለ ጽፍሒ ኣተሓሳስባ ምስ በጽሐ፡ ኣብ ሞክሻ፡ ማለት ካብ ዑደት ዳግመ ልደት ሓራ ኣብ ዚዀነሉ ዅነት ይበጽሕ።

እስላም

ምልክት እስልምና።

መከራ ስለቲ ሓጢኣቶም ዚቕጽዕዎ መቕጻዕትን ከም መፈተኒ እምነቶምን ገይሮም ይርእይዎ። ፕረዚደንት ማሕበር እስላም ሰሜን ኣመሪካ ዝዀነ ዶ/ር ሳይድ ስዒድ ከም ዝበሎ፡ ዜሕዝን ፍጻመታት “ንኣምላኽ ስለቲ ዅሉ በረኸቱ ኣመስገንቲ ምእንቲ ኽንከውንን ንእተሸገሩ ኽንሕግዝ ከም ዘሎና ምእንቲ ኽንግንዘብን” ዜዘኻኽር ኣጋጣሚ እዩ።

ኣይሁድነት

ምልክት ኣይሁድነት።

መከራ ብሰንኪ ተግባርካ ኸም ዝመጸ ጌርካ ይእመነሉ። ገሊኦም ኣይሁድ ትንሳኤ ኸም ዚኸውን፡ ድሕሪኡ ኸኣ ነቶም መከራ ዝጸገቡ ንጹሃት ፍትሒ ኸም ዚወጸሎም ይኣምኑ። ኣብ ካባላዊ (ምስጢራዊ) ኣይሁድነት ድማ ሪኢንካርነሽን ወይ ሰብ ዳግም ስጋ ለቢሱ ይመጽእ ተባሂሉ ይእመነሉ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ንጌጋታቱ ንምኽሓስ ተደጋጋሚ ኣጋጣሚታት ከም ዚረክብ ጌርካ ይእመን።

ቡድሃውያን

ምልክት ቡድህና።

ሰብ ኣሉታዊ ተግባራቱን ስምዒታቱን ህርፋናቱን ክሳዕ ዜቋርጽ፡ ዳግም እናተወልደ ኣብ ዚህልዎ ብዙሕ ህይወት መከራ ኸም ዚጸግብ ይኣምኑ። ብጥበብን ብሰናይ ግብርን ብኣእምሮኣዊ ተግሳጽን ኣቢሉ ኸኣ ናብ ኒርቫና፡ ማለት ኵሉ መከራ ናብ ዜብቅዓሉ ዅነት ኸም ዚበጽሕ ይኣምኑ።

ኩንግፉትጽያውያን

ምልክት ኩንግፉትጽያውነት።

ኤ ዲክሽነሪ ኦቭ ኮምፓራቲቭ ረሊጅን ዚብሃል መዝገበ ቓላት፡ ሰዓብቲ እዚ እምነት እዚ ንመከራ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ “ፍሽለትን ስሕተትን ሰብ” ከም ዜተሓሕዝዎ ገሊጹ ኣሎ። ኣብቲ ሰረተ እምነቶም ከኣ ብሰናይ ኣነባብራ ጌርካ ንመከራ ኽትንክዮ ኸም እትኽእል እኳ እንተ ተገልጸ፡ መብዛሕትኡ መከራ ግና ካብቶም “ካብ ቍጽጽር ሰብ ወጻኢ ዝዀነ መንፈሳውያን ፍጡራት” ከም ዚመጽእ እዩ ዚእመነሉ። “ስለዚ፡ ሰብ ነቲ እተደንገገ ዕድሉ ስቕ ኢሉ ኪቕበሎ ኣለዎ” ይብሉ።

ገሊኡ ቐቢላዊ ሃይማኖታት

ምልክት ቀቢላዊ ሃይማኖታት።

ንመከራ ምስ ጥንቈላ የተሓሕዞ። ኣብዚ እምነታት እዚ፡ ጠንቈልቲ ጽቡቕ ዕድል ወይ መዓት ኬምጽኡ ኸም ዚኽእሉ፡ ነቲ ዜምጽእዎ መከራ ኸኣ ብእተፈላለየ ጽምብላት ጌርካ ኽትንክዮ ኸም እትኽእል ይእመን። ስለዚ፡ ሰብ ምስ ዚሓምም፡ እቲ ገሊኦም ጠንቈልቲ ንምሕዋዩ ዚገብርዎ ጽምብላትን ዚህብዎ ኣፋውስን ንተግባራት ካልኦት ጠንቈልቲ ዜበርዕን ከም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚእመነሉ።

ክርስትያናት

ምልክት ክርስትና።

ኣብ መጽሓፍ ዘፍጥረት ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ መከራ ብሰሪ ሓጢኣት ቐዳሞት ክልተ ሰባት ከም ዝመጸ ይኣምኑ። ኰይኑ ግና፡ ብዙሓት ሃይማኖታት ክርስትና ንትምህርትታተን ተወሳኺ ነገራት ኣእትየናሉ ኣለዋ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ፡ ነቲ ኣብ ርእስኻ ዝወረደ መከራ ናብ ኣምላኽ ከም መስዋእቲ ኸተቕርቦ ኸም እትኽእል፡ ነዚ ድማ ኣምላኽ ንጥቕሚ ቤተ ክርስትያን ወይ ንድሕነት ካልእ ሰብ ኬውዕሎ ኸም ዚኽእል ይኣምኑ እዮም።

ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ

ኣብ jw.org ኣምላኽ ንዅሉ ዓይነት ኣምልኾ ይቕበሎ ድዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ