ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp17 ቍ. 1 ገጽ 16
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጠንቂ መከራ ኣምላኽ ድዩ፧
  • መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧
  • መከራ
    ንቕሑ!—2015
  • ሕቶ 3፦ ኣምላኽ፡ መከራ ኺበጽሓኒ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ኣምላኽ ብዛዕባ መከራኻ እንታይ ይስምዖ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
wp17 ቍ. 1 ገጽ 16
ሓንቲ ሰበይቲ ብግዜ ውግእ ንውሉዳ ሓቚፋ

ዓለም ብመከራ ዝመልአት እያ፣ እንተዀነ ግና፡ ጠንቂ እዚ መከራ እዚ ኣምላኽ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ጠንቂ መከራ ኣምላኽ ድዩ፧

እንታይ ምበልካ፧

  • እወ

  • ኣይፋል

  • ምናልባት

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እከይ ኪገብር፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኪዕምጽሲ ዘይሕሰብ እዩ!” (እዮብ 34:10) እዚ ኣብዛ ዓለም እዚኣ እንርእዮ ዘሎና እከይን መከራን ኣምላኽ ኣየምጽኦን።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • ቀንዲ ጠንቂ መከራ፡ እቲ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ።—ዮሃንስ 14:30።

  • መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብሰንኪ እቲ ሰባት ዚገብርዎ ሕማቕ ምርጫታት እውን እከይን መከራን የጋጥም እዩ። —ያእቆብ 1:14, 15።

መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧

ገሊኦም ሰባት፡ ደቂ ሰብ ናይ ሓባር ጻዕሪ ብምግባር ንመከራ ኼወግድዎ ዚኽእሉ ዀይኑ ይስምዖም፣ ካልኦት ግና ኵነታት ዓለም ኪመሓየሽ እዩ ዚብል ብዙሕ ተስፋ የብሎምን። እንታይ ይመስለካ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ ንመከራ ኼወግዶ እዩ። “ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:3, 4።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • ኣምላኽ ነቲ ድያብሎስ ዘስዓቦ መከራ ብየሱስ ኣቢሉ ኼወግዶ እዩ።—1 ዮሃንስ 3:8።

  • ጻድቃን ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ብሰላም ኪነብሩ እዮም።—መዝሙር 37:9-11, 29።

ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዛ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ እዚኣ፡ ኣብ ምዕራፍ 11 ርአ

ኣብ www.pr418.com/ti  እውን ትርከብ እያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ