ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g20 ቍ. 2 ገጽ 6-7
  • 1. ኣምላኽ ብመከራና ተሓታቲ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 1. ኣምላኽ ብመከራና ተሓታቲ ድዩ፧
  • ንቕሑ!—2020
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2020
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ሕቶ 3፦ ኣምላኽ፡ መከራ ኺበጽሓኒ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2020
g20 ቍ. 2 ገጽ 6-7
ኣብ ቤተ ክርስትያን፡ ሓደ ቐሺ ብኢዱ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዙ ንሓዘንተኛታት ይሰብኽ።

1. ኣምላኽ ብመከራና ተሓታቲ ድዩ፧

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ብዙሓት ሰባት ንኣምላኽ ብመከራኦም ተሓታቲ ስለ ዚገብርዎ፡ ካብኡ ይርሕቁ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣምላኽ ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ጠንቂ መከራና ኸም ዝዀነ ምሂሮም እዮም። ንኣብነት ገሊኦም ከምዚ ዚስዕብ ይብሉ እዮም፦

  • ባህርያዊ ሓደጋታት ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ መቕጻዕቲ እዩ።

  • ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ተወሰኽቲ መላእኽቲ ኼድልይዎ ኸለዉ ሕጻናት ይሞቱ።

  • ኣምላኽ ኣብቲ ብዙሕ መከራ ዜስዕብ ውግኣት ወገን ይሕዝ እዩ።

ኰይኑ ግና፡ መራሕቲ ሃይማኖት ንኣምላኽ ዘይናቱ ሂቦምዎ ደዀን ይዀኑ፧ ኣምላኽ ንዓታቶም ዘይቅበሎም እንተ ዀነኸ፧

ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ

ኣብ jw.org መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ ጠንቂ መከራ ኣይኰነን።

ከምኡ ምግባር፡ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ባህርያቱ ይጋጮ እዩ። ገለ ኻብቲ ባህርያቱ እንሆ፦

“ኵሉ መገድታቱ [መገድታት ኣምላኽ] ፍትሒ እዩ፡ . . . ጻድቕን ቅኑዕን እዩ ንሱ።”—ዘዳግም 32:4።

“እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እከይ ኪገብር፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኪዕምጽሲ ዘይሕሰብ እዩ!”—እዮብ 34:10።

“እቲ ዅሉ ዚኽእል . . . ፍትሒ ኣየቕንንን እዩ።”—እዮብ 34:12።

ኣምላኽ ብዛዕባኡ ጌጋ ንዚምህራ ሃይማኖታት ኣይቅበለንን እዩ።

እዚ ኸኣ ነተን ኣምላኽ ጠንቂ መከራና ኸም ዝዀነ ዚምህራ፡ ከምኡ እውን ኣብ ውግእን ዓመጻን ዚሳተፋ ሃይማኖታት የጠቓልል።

“እቶም ነብያት ብስመይ [ብስም ኣምላኽ] ሓሶት ይንበዩ ኣለዉ። ኣነ ኣይለኣኽክዎምን፡ ኣይኣዘዝክዎምን፡ ኣይተዛረብክዎምን። ናይ ሓሶት ራእያትን . . . ተንኰል ልቦምን ደኣ ይንበዩልኩም ኣለዉ።”—ኤርምያስ 14:14።

የሱስ ንሃይማኖታዊ ግብዝና ዀኒኑ እዩ።

“ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ጥራይ ደኣ እምበር፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ’ ዚብለኒ ዅሉ ኣይኰነን ናብ መንግስተ ሰማያት ዚኣቱ። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ብዙሓት፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካዶ ኣይተነበናን፧ ብስምካዶ ኣጋንንቲ ኣየውጻእናን፧ ብስምካዶኸ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበርናን፧’ ኪብሉኒ እዮም። ኣነ ግና፡ ‘ኣቱም ጠሓስቲ ሕጊ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን! ካባይ ርሓቑ!’ ክብሎም እየ።”—ማቴዎስ 7:21-23።

ኣምላኽ ብመከራና ተሓታቲ ድዩ፧

ሓደ ኣቦ ንደቁ ዜድልዮም እናኣማልአ ኣዕብይዎም ንበል። ደሓር፡ ሓደ ወዱ ዓለወኛ ዀይኑ ኻብ ገዛ ይወጽእ፡ ንርእሱ ዚጐድእ ህይወት ድማ ይመርሕ። እሞኸ እቲ ኣቦ ብኣካይዳ ወዱ ተሓታቲ ምዀነዶ፧ እቲ ወዲኸ ንኣቦኡ በቲ ዝዓጸዶ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኪወቕሶ ይግባእዶ፧ ብተመሳሳሊ፡ ንኣምላኽ ብመከራና ተሓታቲ ኽንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና።

እዚ ግና ንሕና ተሓተትቲ ኢና ማለት ድዩ፧

ሕቶ 2 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ