2. ንሕና ብመከራና ተሓተትቲ ዲና፧
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
እቲ መልሲ ‘እወ’ እንተ ዀይኑ፡ ንመከራና ንምንካይ ክንገብሮ እንኽእል ነገር ኪህሉ ይኽእል እዩ።
ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦
ደቂ ሰብ በዚ ዚስዕብ ጠንቅታት መከራ ኽሳዕ ክንደይ እዮም ተሓተትቲ፧
ህስያ።
ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም ዘስፈሮ ግምት፡ 1 ኻብ 4 ዓበይቲ ሰባት ኣብ እዋን ቍልዕነቶም ኣደዳ ኣካላዊ ህስያ ይዀኑ እዮም፣ 1 ኻብ 3 ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣብ ህይወተን ግዳያት ኣካላዊ ወይ ጾታዊ መጥቃዕቲ (ወይ እውን ግዳያት ክልቲኡ) ይዀና እየን።
ሞት ሰብና።
ውድብ ጥዕና ዓለም ዜሕትሞ ዎርልድ ሄልዝ ስታቲስቲክስ 2018፡ “ብ2016፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ብግምት 477,000 ቅትለት ተፈጺሙ” ይብል። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ፡ ኣብ ውግኣትን ግጭታትን በታ ዓመት እቲኣ ዝሞቱ ብግምት 180,000 ዝዀኑ ሰባት እዩ።
ጸገማት ጥዕና።
ፍራን ስሚዝ እትብሃል ጸሓፊት ኣብ መጽሔት ናሽናል ጂኦግራፊክ ኣብ እተሓትመት ዓንቀጽ ከምዚ ኢላ ጽሒፋ ኣላ፦ “ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰባት የትክኹ እዮም፣ ትምባኾ ድማ ምስዚ ስዒቡ እተዘርዘረ ቐዳሞት ሓሙሽተ ጠንቂ ሞት ይተሓሓዝ እዩ፦ ሕማም ልቢ፡ ወቕዒ፡ ረኽሲ መተንፈሲ፡ ሕዱር ሕማም ምዕባስ ሳናቡእ፡ መንሽሮ ሳንቡእ።”
ማሕበራዊ ዘይማዕርነት።
ስነ ኣእምሮኛ ዝዀነት ጀይ ዋትስ፡ “ድኽነት፡ ዘይማዕርነት፡ ዓሌትነት፡ ጾታዊ ኣፈላላይ፡ ካብ ዓድኻ ምምዝባልን ናይ ውድድር ባህልን ብምሉኡ ንኣእምሮኣዊ ስቓይ ይውስኸሉ እዩ” ትብል።
ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ
ኣብ jw.org ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ ስለምንታይ እዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
ደቂ ሰብ በዚ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ብዙሕ መከራ ተሓተትቲ እዮም።
መብዛሕትኡ መከራ ብሰንኪ እቶም ‘ንህዝቢ ነገልግል ኣለና’ እናበሉ ንህይወት ህዝቦም ከርፋሕ ዚገብሩ ጨቈንቲ መንግስትታት እዩ ዚመጽእ።
“ሰብ ንሰብ ንጕድኣቱ ዚገዝኣሉ ግዜ [ኣሎ]።”—መክብብ 8:9።
መከራና ኽንንክዮ ንኽእል ኢና።
ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዝሓሸ ጥዕና ኽንረክብን ምስ ሰብ ሰላማዊ ርክብ ኪህልወናን ይሕግዘና።
“ህዱእ ልቢ ንሰብነት ህይወት ይህብ፣ ቅንኢ ግና ንኣዕጽምቲ ቝንቍነ እዩ።”—ምሳሌ 14:30።
“ኵሉ ምረትን ቍጥዓን ነድርን ታዕታዕን ጸርፍን ኵሉ ኽፍኣትን ካባኻትኩም ይርሓቕ።”—ኤፌሶን 4:31።