ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g20 ቍ. 2 ገጽ 8-9
  • 2. ንሕና ብመከራና ተሓተትቲ ዲና፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 2. ንሕና ብመከራና ተሓተትቲ ዲና፧
  • ንቕሑ!—2020
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2020
  • ሕቶ 3፦ ኣምላኽ፡ መከራ ኺበጽሓኒ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • 4. መከራ ኽንረክብ ዲና ተፈጢርና፧
    ንቕሑ!—2020
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2020
g20 ቍ. 2 ገጽ 8-9
በቲ ሓደ ኢዱ ሽጋራ፡ በቲ ኻልእ ድማ ቢራ ሒዙ ኣብ ሳሎኑ ኾፍ ዝበለ ሰብኣይ።

2. ንሕና ብመከራና ተሓተትቲ ዲና፧

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

እቲ መልሲ ‘እወ’ እንተ ዀይኑ፡ ንመከራና ንምንካይ ክንገብሮ እንኽእል ነገር ኪህሉ ይኽእል እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

ደቂ ሰብ በዚ ዚስዕብ ጠንቅታት መከራ ኽሳዕ ክንደይ እዮም ተሓተትቲ፧

  • ንህስያ ዜመልክት ጕስጢ።

    ህስያ።

    ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም ዘስፈሮ ግምት፡ 1 ኻብ 4 ዓበይቲ ሰባት ኣብ እዋን ቍልዕነቶም ኣደዳ ኣካላዊ ህስያ ይዀኑ እዮም፣ 1 ኻብ 3 ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣብ ህይወተን ግዳያት ኣካላዊ ወይ ጾታዊ መጥቃዕቲ (ወይ እውን ግዳያት ክልቲኡ) ይዀና እየን።

  • ንመቓብር ዜመልክት እምኒ መቓብር።

    ሞት ሰብና።

    ውድብ ጥዕና ዓለም ዜሕትሞ ዎርልድ ሄልዝ ስታቲስቲክስ 2018፡ “ብ2016፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ብግምት 477,000 ቅትለት ተፈጺሙ” ይብል። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ፡ ኣብ ውግኣትን ግጭታትን በታ ዓመት እቲኣ ዝሞቱ ብግምት 180,000 ዝዀኑ ሰባት እዩ።

  • ንጸገማት ጥዕና ዜመልክት ልብን መስመር ህርመት ልብን።

    ጸገማት ጥዕና።

    ፍራን ስሚዝ እትብሃል ጸሓፊት ኣብ መጽሔት ናሽናል ጂኦግራፊክ ኣብ እተሓትመት ዓንቀጽ ከምዚ ኢላ ጽሒፋ ኣላ፦ “ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰባት የትክኹ እዮም፣ ትምባኾ ድማ ምስዚ ስዒቡ እተዘርዘረ ቐዳሞት ሓሙሽተ ጠንቂ ሞት ይተሓሓዝ እዩ፦ ሕማም ልቢ፡ ወቕዒ፡ ረኽሲ መተንፈሲ፡ ሕዱር ሕማም ምዕባስ ሳናቡእ፡ መንሽሮ ሳንቡእ።”

  • ንማሕበራዊ ዘይማዕርነት እተመልክት እተመዛበለ ሚዛን።

    ማሕበራዊ ዘይማዕርነት።

    ስነ ኣእምሮኛ ዝዀነት ጀይ ዋትስ፡ “ድኽነት፡ ዘይማዕርነት፡ ዓሌትነት፡ ጾታዊ ኣፈላላይ፡ ካብ ዓድኻ ምምዝባልን ናይ ውድድር ባህልን ብምሉኡ ንኣእምሮኣዊ ስቓይ ይውስኸሉ እዩ” ትብል።

    ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ

    ኣብ jw.org ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ ስለምንታይ እዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

እቲ ሰብኣይ ኣብ ሆስፒታል ደቂሱ ይርአ። ሓኪም ብዛዕባ ጥዕና እቲ ሰብኣይ ሕማቕ ነገር ኪነግሮም ከሎ፡ ሰበይቱ ገጻ ትመልስ።

ደቂ ሰብ በዚ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ብዙሕ መከራ ተሓተትቲ እዮም።

መብዛሕትኡ መከራ ብሰንኪ እቶም ‘ንህዝቢ ነገልግል ኣለና’ እናበሉ ንህይወት ህዝቦም ከርፋሕ ዚገብሩ ጨቈንቲ መንግስትታት እዩ ዚመጽእ።

“ሰብ ንሰብ ንጕድኣቱ ዚገዝኣሉ ግዜ [ኣሎ]።”—መክብብ 8:9።

መከራና ኽንንክዮ ንኽእል ኢና።

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዝሓሸ ጥዕና ኽንረክብን ምስ ሰብ ሰላማዊ ርክብ ኪህልወናን ይሕግዘና።

“ህዱእ ልቢ ንሰብነት ህይወት ይህብ፣ ቅንኢ ግና ንኣዕጽምቲ ቝንቍነ እዩ።”—ምሳሌ 14:30።

“ኵሉ ምረትን ቍጥዓን ነድርን ታዕታዕን ጸርፍን ኵሉ ኽፍኣትን ካባኻትኩም ይርሓቕ።”—ኤፌሶን 4:31።

ንሕና ብመከራና ተሓተትቲ ዲና፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰብ ዘዝዘርኦ እዩ ዚዓጽድ” ይብል እዩ። (ገላትያ 6:7) ገሊኡ መከራ ባዕልና ዘምጻእናዮ እዩ። ስለዚ ድማ እዮም ሓካይም፡ መዓዛታት ዘለዎ ምግቢ ኽንምገብ፡ ኣካላዊ ምውስዋስ ክንገብር፡ ከም ምትካኽ ሽጋራ ኻብ ዝኣመሰለ ጐዳኢ ልምድታት ድማ ክንርሕቕ ዚመኽሩ። ኵሉ መከራ ብሰሪ ሰብ ከም ዝመጸ ጌርካ ምርኣይ ግና ልክዕ ኣይኰነን። ብዙሓት ሰባት ሓደጋታትን ባህርያዊ ዕንወታትን ካልእ ዜሕዝን ፍጻመታትን ንጹሃት ግዳያት እዮም።

ስለምንታይ እዮም ቅኑዓት ሰባት መከራ ዚረኽቡ፧

ሕቶ 3 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ