ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g21 ቍ. 1 ገጽ 15
  • ክትረኽቦ እትኽእል ጥበብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክትረኽቦ እትኽእል ጥበብ
  • ንቕሑ!—2021
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ፡ ካብ ጥበብ ክትጥቀም ይዕድመካ
  • ጥበብ ኣምላኽ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ
  • ንኣምላኽ ከመይ ጌርና ንሰምዖ፧
    ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
  • ኣምላኽ ኣሎ ድዩ፧ ብዛዕባ እዚ ምፍላጥካ ዚጸልወካ ብኸመይ እዩ፧
    ንቕሑ!—2015
  • ቅኑዕን ጌጋን፦ ክትገብሮ ዘሎካ ውሳነ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2024
  • ንኣምላኽ ዜሐጕስ ናይ ሓቂ ትምህርትታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2021
g21 ቍ. 1 ገጽ 15

ክትረኽቦ እትኽእል ጥበብ

“ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡ . . . እዩ።” (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ኣብዛ ጥቕሲ፡ “ብድራኸ መንፈስ” ኪብል ከሎ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንሓሳባቱ ኣብ ኣእምሮ እቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘእተዎ እዩ ዚገልጽ ዘሎ።

ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ

  • ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ።

    66

    ብዝሒ መጻሕፍቲ፡ ወይ ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ።

  • ኣብ ትሕቲ እተወልዐ ብርሃን፡ ሓንቲ ኢድ ትጽሕፍ።

    40

    ብዝሒ እቶም ኣምላኽ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጽሕፉ እተጠቕመሎም ሰባት።

  • ማእከሉ ሓላቚ ጥርሙዝ።

    1513 ቅ.ክ.

    መጽሓፍ ቅዱስ ኪጸሓፍ ዝጀመረሉ ዓመት፡ ማለት ቅድሚ 3,500 ዓመት።

  • ናይ እተፈላለየ ቛንቋ ፊደላት።

    3,000+

    ብዝሒ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከበሉ ቛንቋታት።

ኣምላኽ፡ ካብ ጥበብ ክትጥቀም ይዕድመካ

“እቲ ዚጠቕመካ ዚምህረካ፡ በታ ኽትከደላ ዚግብኣካ መገዲ ዚመርሓካ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ። ኣየ፡ ናብ ትእዛዛተይ ኣቕሊብካ እንተ ትኸውን! ሽዑ፡ ሰላምካ ኸም ፈለግ ምዀነ፡ ጽድቅኻ ድማ ከም ማዕበላት ባሕሪ ምዀነ ነይሩ።”—ኢሳይያስ 48:17, 18።

ኣምላኽ በዘን ቃላት እዚኣን ኣቢሉ ይዕድመካ ኸም ዘሎ ጌርካ ሕሰብ። ንሱ፡ ውሽጣዊ ሰላም ኪህልወካን ነባሪ ሓጐስ ክትረክብን ይደሊ እዩ። ነዚ ምእንቲ ኽትረክብ ድማ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ጥበብ ኣምላኽ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

“ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ብስራት ኪስበኽ ኣለዎ።”—ማርቆስ 13:10።

እቲ “ብስራት” ተባሂሉ ዘሎ፡ ነቲ የሆዋ ንመከራ ኸም ዜወግዶ፡ ንምድሪ ገነት ከም ዚገብራ፡ ነቶም ሞይቶም ዘለዉ እነፍቅሮም ሰብና ኸም ዜተንስኦም፡ ዝኣተዎ ተስፋታት ዜጠቓልል እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነዚ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መላእ ዓለም ይሰብክዎ ኣለዉ።

መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣንበብኩ፡ ዜደናግረኒ ዝነበረ ነገር ነጺሩለይ

“ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ፡ ፈጣሪ መን ምዃኑ ኣይርድኣንን እዩ ነይሩ። ‘ኵለን ሃገራት ነናተን ኣምላኽ ወይ ፈጣሪ ኸመይ ገይሩ ይህልወን፧’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ። ስለዚ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ሮሜ 3:29 ዚርከብ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ‘ኣምላኽ ኣህዛብ እውን እዩ’ ዚብል ሓሳብ ማረኸኒ። ኣምላኽ፡ የሆዋ ዚብል ብሕታዊ ስም ኣለዎ። ኣዕሩኹ ኽንከውን ድማ ይደልየና እዩ።”—ራከሽ።

ራከሽ።
    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ