ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g21 ቍ. 2 ገጽ 13-15
  • ተክኖሎጂ ንኣተሓሳስባኻ ብኸመይ ይጸልዎ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ተክኖሎጂ ንኣተሓሳስባኻ ብኸመይ ይጸልዎ፧
  • ንቕሑ!—2021
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክትፈልጦ ዘሎካ
  • ክትገብሮ እትኽእል
  • ብሓንሳእ ብዙሕ ንጥፈታት ክትዓምም ምፍታንሲ ጽቡቕ ድዩ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንተክኖሎጂ ኣብ ግቡእ ቦታኡ ኽትሕልዎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
    ንስድራ ቤት
  • ብኸመይ እየ ኸተኵር ዝኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ኣብዛ ሕታም
    ንቕሑ!—2021
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2021
g21 ቍ. 2 ገጽ 13-15
ሓደ ሰብኣይ ብዛዕባ ኣሰራርሓ ምግቢ ቪድዮ እናረኣየ ይኽሽን።

ተክኖሎጂ ንኣተሓሳስባኻ ብኸመይ ይጸልዎ፧

ሰባት ንትምህርቶም፡ ንስራሖም፡ ወይ ንኻልእ ነገራት ዚጠቕሞም ብቐጻሊ ይምሃሩ እዮም። ኣብዚ መዳይ እዚ ኸኣ፡ ተክኖሎጂ ይሕግዝ እዩ። ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ፡ ከም ሎሚ ዝደለኻዮ ሓበሬታ ብቐሊሉ ኽትረኽበሉ እትኽእል እዋን ተራእዩ ኣይፈልጥን እዩ። ከመይሲ፡ ካብ ገዛኻ ኸይወጻእካ፡ ወይ ካብ መንበርካ ኸይተሳእካ ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ይኹን እምበር፡ ተክኖሎጂ ብብዝሒ ዚጥቀሙ ሰባት፦

  • ኬንብቡ ኸለዉ ሓሳቦም ይበታተን።

  • ኣብ ሓደ ዕዮ ምትኳር የጸግሞም።

  • በይኖም ኪዀኑ ኸለዉ ቐልጢፉ ይስልክዮም።

ክትፈልጦ ዘሎካ

ሓንቲ ጐርዞ እተፈላለየ ነገር ብሓንሳእ ትገብር። ኣብ ሞባይላ ተክስት ትጽሕፍ፡ ምስ መሓዛኣ ብቪድዮ ተዕልል ከምኡ እውን ብኮምፒዩተርን ብመጽሓፍን ተጽንዕ።

ንባብ

ገሊኦም ሰባት፡ ጽሑፋት ኬንብቡ ኸለዉ፡ ንሓሳባት እቲ ጸሓፊ ብዓቕሊ ኣብ ክንዲ ዜንብብዎ፡ ላዕላ ላዕሉ ጥራይ እዮም ዜንብብዎ።

ንሓደ ሕቶ ቐልጢፍካ መልሲ ንምርካብ፡ ሕልፍ ሕልፍ ኢልካ ምንባብ ጸገም የብሉን። ብዛዕባ ሓደ ርእሰ ነገር ኣዕሚቝካ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ ግና ኸምኡ ምግባር ኣይሕግዘካን እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ንሓደ ነዊሕ ጽሑፍ ክሳዕ ክንደይ ጽቡቕ ጌርካ ተንብቦ፧ ጽቡቕ ጌርካ ምንባብ ንፍልጠትካ ብኸመይ የስፍሖ፧—ምሳሌ 18:15።

ኣትኵሮ

ገሊኦም ሰባት፡ ብተክኖሎጂ ተጠቒሞም ኣብ ሓደ እዋን ክልተ ነገር ኪዓምሙ ኸም ዚኽእሉ ይስምዖም እዩ፣ ንኣብነት፡ እናጽንዑ ኸለዉ ንኣዕሩኾም ተክስት ይገብሩ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ኣትኵሮኦም ስለ ዚመቓቐል፡ ንኽልቲኡ ነገር ብጽፈት ኪገብርዎ ኣይክእሉን እዮም።

ኣትኵሮ ንምግባር ርእስና ኽንገትእ ኣሎና፣ እዚ ኸኣ ዓስቢ ኣለዎ። ብዛዕባ እቲ ዘለዎ ዓስቢ፡ ሓንቲ ግሬስ ዝስማ ጐርዞ፡ “ብዙሕ ኣይትጋገይን ውጥረት ከኣ ይንክየልካ። እተፈላለየ ነገራት ኣብ ሓደ እዋን ክትገብር ኣብ ክንዲ ምፍታን፡ ኣትኵሮኻ ኸይተመቓቐለ ኣብ ሓደ ነገር ምትኳር ዝሓሸ ኸም ዝዀነ ርእየ እየ” ኢላ እያ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ኣብ ሓደ እዋን እተፈላለየ ነገር ምግባር፡ ነቲ ተጽንዖ ዘለኻ ኽትርድኦን ክትዝክሮን ዕንቅፋት ይዀነካ ድዩ፧—ምሳሌ 17:24።

በይንኻ ኽትከውን ከለኻ

ገሊኦም ሰባት፡ ጸጥ ኣብ ዝበለ ኸባቢ በይኖም ኪዀኑ ኸለዉ፡ ጽምዋ ይስምዖም እዩ፣ ስለዚ፡ ነዚ ስምዒቶም ምእንቲ ኺርስዕዎ ተክኖሎጂ ይጥቀሙ እዮም። ሓንቲ ኢሊቪያ ዝስማ ሰበይቲ፡ “ሞባይል ወይ ታብለት እንተ ዘይተጠቒመ ወይ ተሌቪዥን እንተ ዘይወሊዐ፡ ኣብ ውሽጢ 15 ደቒቕ ይስልክየኒ እዩ” ኢላ እያ።

ይኹን እምበር፡ በይንኻ ምዃን ንኸተስተንትን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይህበካ እዩ፣ ምስትንታን ንመንእሰያትን ንዓበይትን ፍልጠቶም ኬስፍሑ ይሕግዞም እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ነቲ በይንኻ እትዀነሉ እዋን ብግቡእ ትጥቀመሉ ዲኻ፧—1 ጢሞቴዎስ 4:15።

ክትገብሮ እትኽእል

ነቲ ተክኖሎጂ እትጥቀመሉ መገዲ መርምሮ

ኣተሓሳስባኻ ኸተስፍሕ ንተክኖሎጂ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ትኽእል፧ ተክኖሎጂ ንኣትኵሮኻን ንናይ ምርዳእ ክእለትካን ብኸመይ ኪጸልዎ ይኽእል፧

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንግብራዊ ጥበብን ንምምዝዛንን ሓልወን።”—ምሳሌ 3:21።

ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦

  • ኣብ ስክሪን፡ ነዊሕ ሓሳብ ኬንብብ ከለኹ ምትኳር የጸግመኒ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ መብዛሕትኡ እዋን ንኣትኵሮይ ዚሰርቆ እንታይ እዩ፧

  • ነቲ ንኣትኵሮይ ዚሰርቆ ነገራት ብኸመይ ክንክዮ ወይ ከወግዶ እኽእል፧

ምኽሪ፦ ኣብ ፈለማ ሕጽር ዝበለ ኽፋል ኣንብብ፣ ጸኒሕካ ኸኣ ንውሕ ዝበለ ሓሳባት ከተንብብ ጀምር። ኣብቲ ተንብቦ ዘለኻ ምእንቲ ኸተተኵር፡ ዓው ኢልካን ብህድእትን ኣንብብ።

  • ብዛዕባ እቲ ዘንበብክዎ ንምሕሳብን ንምስትንታንን እኹል ግዜ ምእንቲ ኽረክብ፡ እንታይ ምትዕርራያት ክገብር እኽእል፧

ምኽሪ፦ መጽናዕቲ ቕድሚ ምውዳእካ ኣብ ዘለዋ ዓሰርተ ደቒቕ፡ ነቲ እተምሃርካዮ ኸልሶ።

  • ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዩ ኣትኵሮይ ዚስረቕ፧

  • ኣብ ሓደ ዕዮ ጥራይ ምእንቲ ኸተኵር፡ እንታይ ምትዕርራያት ክገብር እኽእል፧

ምኽሪ፦ ሓሳብካ ኸይተበታተነ ምእንቲ ኸተጽንዕ፡ ኣትኵሮኻ ዚሰርቕ ነገራት ካብ ከባቢኻ ኣርሕቕ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንጥበብ ኣጥርያ፡ ንኣእምሮ ኣጥርያ።”—ምሳሌ 4:5።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ