ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 104
  • ብኸመይ እየ ኸተኵር ዝኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብኸመይ እየ ኸተኵር ዝኽእል፧
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስለምንታይ እየ ዘየተኵር፧
  • ንኣትኵሮኻ ብኸመይ ከም እተመሓይሾ
  • ተክኖሎጂ ንኣተሓሳስባኻ ብኸመይ ይጸልዎ፧
    ንቕሑ!—2021
  • ተክኖሎጂ ምስ ካልኦት ንዘሎካ ዕርክነት ብኸመይ ይጸልዎ፧
    ንቕሑ!—2021
  • ተክኖሎጂ ንሓዳርካ ብኸመይ ይጸልዎ፧
    ንቕሑ!—2021
  • ናይ ዝርርብ ክእለተይ ብኸመይ ከመሓይሽ እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 104
ሓንቲ ጓል ከተጽንዕ ከላ፡ ኣብ ሓሳባ ንዚዓናቕፋ ነገራት ኡስ ትብሎ። እቲ ኣብ ሓሳባ ዘሎ ነገራት፡ ሙዚቃን ቪድዮን መልእኽትን ስእልን እዩ።

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ብኸመይ እየ ኸተኵር ዝኽእል፧

  • ስለምንታይ እየ ዘየተኵር፧

  • ንኣትኵሮኻ ብኸመይ ከም እተመሓይሾ

  • መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ስለምንታይ እየ ዘየተኵር፧

“ከም ቀደመይ መጻሕፍቲ ኣየንብብን እየ። ነዊሕ ሕጡብ ጽሑፋት ምንባብ ኣይፍተወንን እዩ።”—ኢለይን።

“ሓደ ቪድዮ ፍዝዝ ዝበለ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑኒ፡ እናሕለፍኩ እየ ዝርእዮ።”—ሚራንዳ።

“ኣብ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ኣተኲረ ኸለኹ፡ ኣብ ስልከይ ድምጺ እንተ ሰሚዐ፡ ‘መን እዩ ዚጽሕፈለይ ዘሎ’ ኢለ ጥራይ እየ ዝሓስብ።”—ጀይን።

ተክኖሎጂ ኸም ዘይተተኵር ኪገብረካ ይኽእል ድዩ፧ ገሊኦም እወ ይብሉ። ኒኮላስ ካር እተባህለ ደራስን ኣማኻርን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ኢንተርነት ብእተጠቐምና መጠን፡ ንኣእምሮና ኸም ዜስግል ጌርና ኢና እነሰልጥኖ፣ እዚ ማለት ከኣ፡ ኢንተርነት ንኣእምሮና ብዘይ ኣቓልቦ ብቕልጡፉን ብስልጡን መገዲ ሓበሬታ ኸም ዚቕበል እዩ ዚገብሮ።”a

ተክኖሎጂ ኣቓልቦኻ ኺሰርቀሉ ዚኽእል ሰለስተ መዳያት ርአ።

  • ክትዛረብ ከለኻ። ማርያ እተባህለት መንእሰይ፡ “ሰባት ምስ ሓደ ሰብ ገጽ ንገጽ ኪዘራረቡ ኸለዉ እውን ከይተረፈ፡ ኣብ ክንዲ ምሉእ ኣቓልቦኦም ናብኡ ዚገብሩ፡ ብስልኮም ተክስት ይገብሩ ወይ ጌም ይጻወቱ ወይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ይርእዩ” በለት።

  • ኣብ ክፍሊ ኸለኻ። ዲጂታል ኪድስ እተባህለት መጽሓፍ ከም ዝሓበረቶ፡ “መብዛሕትኦም ተምሃሮ ንኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታቶም ኣብ ክፍሊ ተክስት ንምግባር፡ ወይ ኣብ ኢንተርነት ሃሰው ሰው ንምባል ከም ዚጥቀምሉ ገሊጾም።” ኣስዒባ ኸኣ እታ መጽሓፍ፡ “እቶም ተምሃሮ ነዚ መሳርሒታት እዚ፡ ምስ ትምህርቲ ኣብ ዘይተሓሓዝ ንጥፈታት እዮም ዜውዕልዎ” ትብል።

  • ከተጽንዕ ከለኻ። ክሪስ እተባህለ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ፡ “ንዓይ ልዕሊ ዅሉ ዜጸግመኒ፡ ስልከይ ዝዝ ክትብል ከላ ዘይምርኣይ እዩ” በለ። ተምሃራይ እንተ ዄንካ፡ እሞ ኸኣ መሳርሒታትካ ዜስግለካ እንተ ዀይኑ፡ ሓደ ሰዓት ዚወስድ ዕዮ ገዛ፡ ሰለስተ ወይ ዝያዳ ኺወስደልካ ይኽእል እዩ።

ቀንዲ ነጥቢ፦ ተክኖሎጂ ኼስግለካ ወይ ኪቈጻጸረካ ተፍቅደሉ እንተ ዄንካ፡ ምትኳር ኬሸግረካ እዩ።

ሓደ ወዲ ፈንጠራዕ ካብ ዚብል ፈረስ ይወድቕ።

ዘየተኵር ኣእምሮ ኸም ዘይተገርሐ ፈረስ እዩ፣ ንሱ እዩ ዚቈጻጸረካ

ንኣትኵሮኻ ብኸመይ ከም እተመሓይሾ

  • ክትዘራረብ ከለኻ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ” ይብል። (ፊልጲ 2:4) ጽን ኢልካ ብምስማዕ ተገዳስነት ኣርኢ። ናብ መሳርሒታትካ ዘይኰነስ፡ ናብቲ እተዘራርቦ ዘለኻ ሰብ ጠምት።

    “ምስ ሰብ ክትዘራረብ ከለኻ፡ ስልክኻ ንምርኣይ ኣይትፈተን። ነቲ እተዘራርቦ ዘለኻ ሰብ ምሉእ ኣቓልቦኻ ብምሃብ፡ ከም እተኽብሮ ኣርኢ።”—ቶማስ።

    ምኽሪ፦ ምስ ሰብ ክትዛረብ ከለኻ፡ ንሞባይልካ ኻባኻ ኣርሕቃ። ተመራመርቲ ኸም ዚብልዎ፡ ሞባይል ምሓዝ ንባዕሉ፡ ‘ውዒለ ሓዲረ ኸቋርጽ እየ’ ዚብል መልእኽቲ ስለ ዜመሓላልፍ፡ ንኣቓልቦኻ ኺሰርቆ ይኽእል እዩ።

  • ኣብ ክፍሊ ኸለኻ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ኣቕልቡ” ይብል። (ሉቃስ 8:18) ነዚ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ እምበኣር፡ ኣብ ክፍሊ ኢንተርነት ክትጥቀም ዚፍቀድ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ኣብ እዋን ትምህርቲ፡ መልእኽቲ ኣይትርአ፡ ጌም ኣይትጻወት፡ ወይ ብኢንተርነት ኣይተዕልል።

    “ኣብ ክፍሊ ብኣቓልቦ ኽትከታተል ጽዓር። መዘኻኸሪ ጽሓፍ። እንተ ተኻኢሉ ኸኣ፡ ምእንቲ ኸይተስግል፡ ቅድሚት ኮፍ በል።”—ካረን።

    ምኽሪ፦ መዘኻኸሪ ኣብ ክንዲ ኣብ ኮምፕዩተር ኣብ ወረቐት ጽሓፍ። ብምርምር ከም እተረኽበ፡ እዚ ብቐሊሉ ኸይተስግልን ብዝሓሸ ክትዝክርን ይሕግዘካ እዩ።

    ሓንቲ ጓል ኣብ ክፍላ፡ ኣብ ሰደቓ ዀይና ተጽንዕ። ንቦርሳኣን ሞባይላን መጽሔታታን ኣርሒቓ ኣቐሚጣቶ ኣላ።
  • ከተጽንዕ ከለኻ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንጥበብ ኣጥርያ፡ ንኣእምሮ ኣጥርያ” ይብል። (ምሳሌ 4:5) እዚ ኸኣ ፈተና ኽትሓልፍ ኢልካ ኣብ ክንዲ ምሽምዳድ፡ ንኣእምሮኻ ኸተስርሖ ዚሓትት እዩ።

    “ከጽንዕ ከለኹ፡ ንታብለተይ ኣብ አየር ፕለይን ሞድ እየ ዚገብሮ፡ ኣብ ዕዮይ ከኣ የተኵር። ንዝመጸኒ መልእኽቲ ኣይርእን እየ። ሓደ ነገር ክዝክር እንተ ደኣ ደልየ፡ ኣብ ወረቐት እየ ዝጽሕፎ።”—ክሪስ።

    ምኽሪ፦ እቲ እተጽንዓሉ ቦታ ንምትኳር ዚሕግዘካ ይኹን። ጽሩይን ጽፉፍን ግበሮ።

a ካብታ ዘ ሻለውስ—ዋት ዘ ኢንተርነት ኢዝ ድዊንግ ቱ ኣወር ብረይንስ ዘርእስታ መጽሓፍ እተወስደ።

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ከይቲ።

“ከተጽንዕ ከለኻ፡ ከም ሓደ ላዕለ ላዕሊ እናኸደ ነዊሕ ርሕቐት ዚጐዓዝ፡ ኣብ ፈጣን ጃልባ ዘሎ ሰብ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ዝያዳ ምእንቲ ኽትፈልጥ ግና፡ ከም ሓደ ኽቡር ነገር ምእንቲ ኺረክብ ንውሽጢ ዚንቈት ናይ ስኩባ ጠላቒ ኽትከውን ኣሎካ።”—ከይቲ።

ሮሄልዮ።

“ጥዑይ ኣእምሮ ምእንቲ ኺህልወካ፡ ጥዑይ ኣካላት ኪህልወካ ኣለዎ። ንጥዕና ዚጠቅም ምግቢ፡ ዝያዳ ኸም ዘተኵር እዩ ዚገብረኒ። እኹል ድቃስ እውን ይሕግዘኒ እዩ፣ ከመይሲ፡ ንጽብሒቱ ንቑሕ ኰይነ ኸተኵር እኽእል እየ።”—ሮሄልዮ።

ክለሳ፦ ብኸመይ እየ ኸተኵር ዝኽእል፧

  • ክትዘራርብ ከለኻ። ምስ ሰብ ክትዘራረብ ከለኻ፡ ኣብ ክንዲ እተስግል፡ ነቲ ዚዛረበካ ዘሎ ሰብ ጽን ኢልካ ብምስማዕ፡ ከም እትግደሰሉ ኣርኢ።

  • ኣብ ክፍሊ ኸለኻ። ኣብ እዋን ትምህርቲ፡ መልእኽቲ ኣይትርአ፡ ጌም ኣይትጻወት ወይ ብኢንተርነት ኣይተዕልል።

  • ከተጽንዕ ከለኻ። እተጽንዓሉ ቦታ ንምትኳር ዚሕግዘካ ይኹን። ጽሩይን ጽፉፍን ግበሮ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ