ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g21 ቍ. 2 ገጽ 10-12
  • ተክኖሎጂ ንሓዳርካ ብኸመይ ይጸልዎ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ተክኖሎጂ ንሓዳርካ ብኸመይ ይጸልዎ፧
  • ንቕሑ!—2021
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክትፈልጦ ዘሎካ
  • ክትገብሮ እትኽእል
  • ንተክኖሎጂ ኣብ ግቡእ ቦታኡ ኽትሕልዎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
    ንስድራ ቤት
  • ንስራሕካ ብኸመይ ኣብ ቦታኡ ኽትገድፎ ትኽእል፧
    ንስድራ ቤት
  • ሓቢርኩም ጽቡቕ ግዜ ኣሕልፉ
    ንስድራ ቤት
  • ኣብ እዋን እርጋን ፍትሕ ምእንቲ ኸየጋጥም እንታይ ኪግበር ይከኣል፧
    ንስድራ ቤት
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2021
g21 ቍ. 2 ገጽ 10-12
ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዘሎ ሓደ ሰብኣይ፡ ኣብ ገዛ ንዘላ ሰበይቱ ብቪድዮ የዛርባ።

ተክኖሎጂ ንሓዳርካ ብኸመይ ይጸልዎ፧

ተክኖሎጂ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ብግቡእ እንተ ተጠቒሞሙሉ፡ ንርክቦም ኬደልድሎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ብተክኖሎጂ ተጠቒሞም ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ሳዕ ኪራኸቡ ይኽእሉ እዮም።

እንተዀነ ግና፡ ገሊኦም ሰብ ሓዳር ንተክኖሎጂ ብግቡእ ስለ ዘይጥቀሙሉ፦

  • ብሓንሳእ ግዜ ኸየሕልፉ ዕንቅፋት ይዀኖም።

  • ብዘየድሊ ናብ ገዛ ስራሕ ይማልኡ።

  • ኣብ ንሓድሕዶም ጥርጣረ የሕድሩ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ኸኣ ኣብ ሓዳሮም ጥልመት የጋጥሞም።

ክትፈልጦ ዘሎካ

ሰብኣይን ሰበይትን፡ ለይቲ ኣብ ዓራቶም ኰይኖም መሞባይሎም ይርእዩ።

ብሓንሳእ ግዜ ኣብ እተሕልፉሉ እዋን

ሓደ ማይክል ዝስሙ ሰብኣይ፡ “ሓድሓደ ግዜ፡ ምስ ሰበይተይ ብሓንሳእ ክንከውን ከለና፡ ምሳይ ዳርጋ ዘየላ እያ። ከመይሲ፡ ኣቓልቦኣ ኣብ ሞባይላ ጥራይ እዩ ዚኸውን፣ ‘ክሳዕ ሕጂ እኮ ዋላ ሓንቲ ኣይረኣኹን’ ከኣ ትብለኒ” በለ። ሓደ ጆናታን ዝስሙ ሰብኣይ፡ ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ “እቶም ሰብ ሓዳር ብኣካል ብሓንሳብ ክነሶም፡ ኣብ መንጎኦም ሰፊሕ ርሕቐት ዘሎ እዩ ዚመስል” ኢሉ እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ምስ መጻምድትካ ግዜ ኸተሕልፍ ከለኻ፡ ተሌፎን፡ ተክስት፡ ወይ መልእኽቲ ንዕላልኩም ክንደይ ሳዕ ይዀልፎ፧—ኤፌሶን 5:33።

ስራሕ

ንገሊኦም ሰባት፡ ኵነታት ስራሖም ኣብ ዝዀነ እዋን ተሌፎን ወይ መልእኽቲ ኪቕበሉ የገድዶም ይኸውን። ገሊኦም ከኣ ስራሖም ዘየገድዶም ክነሱ፡ ስራሕ ናብ ገዛ ይማልኡ እዮም። ነዚ ኣመልኪቱ ሓደ ሊ ዝስሙ ብዓል ሓዳር፡ “ኣብቲ ምስ ብዓልቲ ቤተይ ከሕልፎ ዝመደብክዎ ግዜ፡ ናይ ስራሕ ተሌፎን፡ ተክስት ክቕበል እፍተን እየ” ኢሉ ተኣሚኑ ኣሎ። ሓንቲ ጆይ ዝስማ ሰበይቲ ድማ፡ “ኣብ ገዛይ ኰይነ ስለ ዝሰርሕ፡ ስራሕ ደው ከብል የጸግመኒ እዩ። ሚዛናዊ ምዃን ጻዕሪ ይሓትት እዩ” ኢላ ኣላ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ መጻምድትኻ ኼዛርበካ ኸሎ፡ ብኣቓልቦ ትሰምዖ ዲኻ፧—ሉቃስ 8:18።

ተኣማንነት

ሓደ ኻብቲ ሰብ ሓዳር ዚበኣሱሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢ ኸም ዝዀነ ሓደ መጽናዕቲ ሓቢሩ ኣሎ። ኣብቲ መጽናዕቲ ኻብ እተሳተፉ ዓሰርተ ሚእታዊት፡ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዚልጥፍዎ ነገራት፡ ካብ መጻምድቶም ከም ዚሓብእዎ ተኣሚኖም እዮም።

ሓያሎ ሰባት፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ንሓዳር ሓደገኛ ኸም ዝዀነ፡ ሕሉፍ ኣሊፉ እውን ናብ ዝሙት ከም ዚመርሕ ይዛረቡ እዮም። ምስ ፍትሕ ኣብ እተተሓሓዘ ጕዳያት ዚዓይዩ ጠበቓታት፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ሓደ ኻብቲ ሎሚ ሓዳር ዚብተነሉ ምኽንያት ከም ዝዀነ ይገልጹ እዮም።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ነቲ ምስ ኣንጻር ጾታ እትለኣኣኾ መልእኽትታት ካብ መጻምድትኻ ትሓብኦ ዲኻ፧—ምሳሌ 4:23።

ክትገብሮ እትኽእል

ቀዳምነት እትህቦ ስራዕ

ሓደ ሰብ ጽቡቕ ዘይምገብ እንተ ዀይኑ፡ ጥዕና ኣይህልዎን እዩ። ብተመሳሳሊ ድማ፡ ሰብ ሓዳር ምስ መጻምድቶም ግዜ ዘየሕልፉ እንተ ዀይኖም፡ ጽቡቕ ሓዳር ኣይህልዎምን እዩ።—ኤፌሶን 5:28, 29።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “እቲ ዚሓይሽ ክትምርምሩ።”—ፊልጲ 1:10።

ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ኻብ ዘሎ ሓሳባት፡ ነቲ ኽተዓይዩሉ እተደልዩ ተመያየጡሉ፣ ወይ ከኣ ተክኖሎጂ ንሓዳርኩም ምእንቲ ኸይጸልዎ፡ ኪሕግዘኩም ዚኽእል ናይ ገዛእ ርእስኹም ሓሳባት ጽሓፉ።

  • ኣብ መዓልቲ እንተ ወሓደ ሓንሳእ ብሓደ ኽንምገብ

  • ንኤለክትሮኒካዊ ናውትና እነጥፍኣሉ ግዜ ኽንምድብ

  • ብሓንሳእ እነሕልፎ ፍሉይ ግዜ ኺህልወና

  • ምሸት ክንድቅስ ከለና፡ ንኤለክትሮኒካዊ ናውትና ኸነጥፍኦን ካብ ጥቓና ኸነርሕቖን

  • ኣብ መዓልቲ ንኤለክትሮኒካዊ ናውትና ዓጺና እነዕልለሉ 15 ደቒቕ ክንምድብ

  • ኣብ መዓልቲ ኣብ እተወሰነ ግዜ ኢንተርነት ከነጥፍእ

ንሰብ ሓዳር ዚኸውን መምርሒ ምይይጥ

ንሳኻን መጻምድትኻን ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት በበይንኹም ኴንኩም ሕሰቡሉ እሞ፡ ንመልስታትኩም ተመያየጡሉ።

  • ሓዳርካ ንምድልዳል፡ ንተክኖሎጂ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ትኽእል፧

  • ተክኖሎጂ ነቲ ምስ መጻምድተይ ከሕልፎ ዝመደብክዎ ግዜ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ዚዓናቕፎ፧

  • እንታይ ምምሕያሻት ኪህሉ ትደሊ፧

  • ንስራሕካ ናብ ገዛ ትማልኦ ዲኻ፧ መጻምድትኻ ምስ መልስኻ ይሰማማዕ ድዩ፧

  • ካብ መጻምድትኻ ብዛዕባ እትጽበዮ ግዜን ኣቓልቦን ብኸመይ ምኽንያታዊ ኽትከውን ትኽእል፧

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ነፍሲ ወከፍ፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።”—1 ቈረንቶስ 10:24።

ጀሰንን ኣለክሳንድራን።

“ኣብ ገዛ ዀይነ እየ ዝሰርሕ፡ ኣብቲ ስራሕ ደው ኬብለሉ ዘሎኒ ሰዓት ድማ ደው አብሎ እየ። ድሕሪ እተወሰነ ሰዓት፡ ሞባይለይ ነቲ ዝመጸኒ ኢ-መይል ከም ዘይትሕብረኒ እገብራ እየ፣ በዚ ኸምዚ ኣቓልቦይ ብስራሕ ከይተወስደ ንሞባይለይ ሰዓት ንምርኣይን ንኻልእ ነገራትን ጥራይ እጥቀመላ።”​—ጄሰን ምስ ሰበይቱ ኣለክሳንድራ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ