ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwhf ዓንቀጽ 13
  • ንስራሕካ ብኸመይ ኣብ ቦታኡ ኽትገድፎ ትኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንስራሕካ ብኸመይ ኣብ ቦታኡ ኽትገድፎ ትኽእል፧
  • ንስድራ ቤት
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክትፈልጦ ዘሎካ
  • ሚዛንካ ኽትሕሉ ዚሕግዝ ምኽሪ
  • መምርሒ ምይይጥ
  • ተክኖሎጂ ንሓዳርካ ብኸመይ ይጸልዎ፧
    ንቕሑ!—2021
  • ‘መውስቦ ኽቡር ይኹን’
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
  • ንተክኖሎጂ ኣብ ግቡእ ቦታኡ ኽትሕልዎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
    ንስድራ ቤት
  • ምሕዝነት ደረቱ ኺሓልፍ ከሎ
    ንቕሑ!—2013
ዝያዳ ርአ
ንስድራ ቤት
ijwhf ዓንቀጽ 13
ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ክሽነ ዀይኖም ቡን ይሰትዩ። ስራሖምን ስልኮምን ካብኦም ኣርሒቖም።

ንስድራ ቤት | ሓዳር

ንስራሕካ ብኸመይ ኣብ ቦታኡ ኽትገድፎ ትኽእል፧

ኣብዚ ዘመን ተክኖሎጂ ኣስራሒኻ፡ መሳርሕትኻ ወይ ዓማዊልካ ሰሙን ምሉእ መዓልትን ለይትን ኣብ ስራሕ ክትርከበሎም ይጽበዩኻ እዮም። እዚ ድማ ንስራሕካ ኻብቲ ኻልእ መዳያት ህይወትካ፡ እንተላይ ሓዳርካን ካልእ ቀዳምነት ኪውሃቦ ዚግባእ ነገራትን ክትፈልዮ ኣጸጋሚ ይገብሮ።

  • ክትፈልጦ ዘሎካ

  • ሚዛንካ ኽትሕሉ ዚሕግዝ ምኽሪ

  • መጻምድትኻ እንታይ ይብል፧

  • መምርሒ ምይይጥ

ክትፈልጦ ዘሎካ

  • ተክኖሎጂ ነቲ ምስ መጻምድትኻ ኸተሕልፎ ዚግብኣካ ግዜ ኺሰርቀካ ይኽእል እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ካብ ስራሕ ምስ ወጻእካ ስልኪ ኺድወለልካ ኸሎ፡ ኢ-መይል ወይ መልእኽቲ ጽሑፍ ብሞባይልካ ኺስደደልካ ኸሎ ኽትምልስ ግዴታ ኸም ዘሎካ ዀይኑ ኸም ዚስምዓካ ይገብር።

    “እቲ ስራሕ ውዒልካ፡ ገዛ ምስ መጻእካ ምስ ስድራ ቤትካ እተሕልፎ ንቡር ህይወት፡ ካብ ስራሕ ዚድወል ስልክን ዚመጸካ መልእኽትን ንሓዳርካ ኸም እትርስዖ ዚገብር እዩ።”—ጃነት።

  • ስራሕካን ህይወትካን ሚዛናዊ ንምግባር ተበግሶ ውሰድ። መደብ እንተ ዘየውጺእካ፡ ስራሕካ ኣብ ሓዳርካ ጣልቃ ኸም ዚኣቱ ፍሉጥ እዩ።

    “‘ኪርዳኣለይ እዩ፣ ኣይሕዘለይን እውን እዩ፣ ደሓር ከኣ ካልእ እዋን ምስኡ ግዜ ከሕልፍ እየ’ ኢልካ ስለ እትሓስብ፡ እቲ መጀመርያ ሸለል እትብሎ ሰብ መጻምድትኻ እዩ።”—ሆሊ።

ሚዛንካ ኽትሕሉ ዚሕግዝ ምኽሪ

  • ንሓዳርካ ቐዳምነት ሃብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮ” ይብል። (ማቴዎስ 19:6) ሰብ ካብ ሓዳርካ ኺፈልየካ ዘይትፈቕደሉ ኻብ ኰንካ፡ ስራሕ ካብ ሓዳርካ ኺፈልየካ ስለምንታይ ተፍቅደሉ፧

    “ገለ ዓማዊል፡ ገንዘብ ስለ ዚኸፍሉኻ ጥራይ፡ ዝወነኑኻ እዩ ዚመስሎም። ንሓዳረይ ቀዳምነት ክህቦ ኸም ዘሎኒ ስለ ዝግንዘብ፡ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ኽሰርሕ ከም ዘይክእል፡ ግናኸ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኽምልሰሎም ከም ዝዀንኩ እነግሮም።”—ማርክ።

    ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ንሓዳረይ ካብ ስራሐይ ኣብሊጸ ኸም ዝርእዮስ ብግብሪ አርኢ ድየ፧’

  • ኬድሊ ኸሎ፡ ከም ዘይጥዕመካ ግለጽ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ጥበብ ምስ ትሑታት እያ’ ይብል። (ምሳሌ 11:2) ትሕትና ንገሊኡ ስራሕ ከይትቕበሎ ወይ ከኣ ናብ ካልእ ሰብ ከተመሓላልፎ ጥበባዊ ምዃኑ ኽትርዳእ ክትሕግዘካ እያ።

    “ስራሐይ ምዕራይ ቡንባ ማይ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኻብ ዓማዊለይ ቡንባ ተሰይርዎ ህጹጽ ሓገዝ ኣብ ዜድልየሉ እዋን ኪጭነቕ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ንሱ ዚደልዮ ግዜ ኸርክበሉ ዘይክእል እንተ ዀይነ፡ ንኻልእ ሰብ እሕብረሉ።”—ክሪስቶፈር

    ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘መጻምድተይ ሸለል ከም እተባህለ ዚስምዖ እንተ ዀይኑ፡ ተወሳኺ ስራሕ ከይቅበል ፍቓደኛ ድየ፧ መጻምድተይ እንታይ ይብል፧’

  • ምስ መጻምድትኻ ብሓባር እተሕልፉሉ ግዜ መድብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዅሉ ገግዜኡ ኣለዎ” ይብል። (መክብብ 3:1) ምስ መጻምድትኻ ግዜ ኸተሕልፍ መደብ ክትገብር ዜድልየካ፡ ብዝያዳ ስራሕ ኪጽዕቀካ ኸሎ እዩ።

    “መብዛሕትኡ ግዜ ስራሕ ኪጽዕቀና ኸሎ፡ ከይተመናጐና ብሓባር ነሕልፈሉ ግዜ ንምድብ ኢና። እዚ ኸኣ፡ ድራር ብሓባር ምብላዕ ወይ ከኣ ኣብ ገምገም ባሕሪ ምዝዋር ኪኸውን ይኽእል እዩ ።”—ደብራ።

    ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ንመጻምድተይ ምሉእ ቈላሕታ ምእንቲ ኽገብረሉ መደብ አውጽእ ድየ፧ መጻምድተይ እንታይ ይብል፧’

  • ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒኻ ኣጥፍእ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘እቲ ዚሓይሽ መርምሩ’ ይብል። (ፊልጲ 1:10) ካብ ስራሕ ምስ ወጻእካ፡ ብዚመጸካ ናይ ስራሕ መልእኽትታት ምእንቲ ኸይትመናጎ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታትካ ተጥፍኦ ዲኻ፧

    “ኣብቲ ዝመደብክዎ ናይ ስራሕ ሰዓት፡ ጠጠው ከብል ኣበርቲዐ እየ ዝጽዕር። ኣብ ሞባይለይ መልእኽቲ ኺመጽእ ከሎ ምእንቲ ኸይሰምዕ ነቲ ድምጺ አጥፍኦ እየ።”—ጀረሚ።

    ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ምናልባት ሓለቓይ ወይ ሓደ ኻብ ዓማዊለይ እንተ ደለዩኒ ብምባል፡ ንስልከይ ክፍትቲ እገድፋ ድየ፧ መጻምድተይ እንታይ ይብል፧’

  • ተዓጻጻፊ ኹን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሚዛናውያን ምዃንኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ” ይብል። (ፊልጲ 4:5፡ እግረ ጽሑፍ) ምናልባት ንስኻ ወይ መጻምድትኻ ኣብቲ ብሓደ ኽትኰኑ ዝመደብኩምሉ ግዜ፡ ሓዴኹም ኪሰርሕ ይግደድ ይኸውን። ንኣብነት፡ መጻምድትኻ ካብ ሰዓታት ስራሕ ወጻኢ ኪሰርሕ ይግደድ ይኸውን። ስለዚ፡ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኺገብር ኣይትጸበዮ።

    “ብዓል ቤተይ ነጋዳይ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ድሕሪ ሰዓታት ስራሕ ዚስራሕ ህጹጽ ጕዳያት የጋጥሞ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ቅጭ እዩ ዚመጸኒ፣ ይኹን እምበር፡ ብዙሕ ግዜ ብሓባር ግዜ ስለ እነሕልፍ ሸለል እብሎ እየ።”—በቨርሊ።

    ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘መጻምድተይ ልዕሊ ዓቕሙ ምሳይ ግዜ ኼሕልፍ ትጽቢት ከይገብረሉ፡ ነቲ ዘለዎ ጻዕቂ ስራሕ ኣብ ግምት አእቱ ድየ፧ መጻምድተይ እንታይ ይብል፧’

ኣምፑል መብራህቲ

ምኽሪ፦ እቲ ኣብ ሞንጎ ስራሕካን ካልእ መዳያት ህይወትካን ዘሎ ግዜ፡ ሚዛናዊ ብዝዀነ መገዲ ኽትሕዞ ቐጻሊ ጻዕሪ ዚሓትት ምዃኑ ዘክር። ነቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዘሎ መምርሒ ምይይጥ ተጠቒምካ፡ ንስኻን መጻምድትኻን ኣብ ስራሕኩምን ኣብ ካልእ መዳያት ህይወትኩምን ብኸመይ ሚዛናውያን ከም እትዀኑ ርአ።

መጻምድትኻ እንታይ ይብል፧

ጆሰፍን ሃናን

“ኣብ እዋን ድራር ብዚመጸና መልእኽትታት ምእንቲ ኸይነስግል፡ ንኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታትና ነጥፍኦ ኢና። ንስድራ ቤት እተመደበ ግዜ ኪኽበር ኣለዎ።”—ጆሰፍ ምስ ሰበይቱ ሃና።

ካራን ዳንኤልን

“ንናብራና ቐሊል ስለ ዝገበርናዮ፡ ብዙሕ ጠቒሙና እዩ። ንናብራኻ ቐሊል እንተ ጌርካዮ፡ ንግዜኻ ዚሻሞ ብዙሕ ነገር ኣይህሉን።”—ካራ ምስ ሰብኣያ ዳንኤል።

መምርሒ ምይይጥ

ፈለማ፡ በበይንኹም ኴንኩም ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕሰቡሉ። ድሕሪኡ፡ ነቲ መልስታትኩም ሓቢርኩም ተመያየጡሉ።

  • መጻምድትኻ ኻብ ሰዓታት ስራሕ ወጻኢ ኸይተረፈ፡ ብዛዕባ ስራሕካ ጥራይ ከም ትሓስብ ዀይኑ ድዩ ዚስምዖ፧ እሞኸ፡ ነዚ ትሰማምዓሉ ዲኻ፧

  • ብዛዕባ ስራሕን ህይወትን ዚምልከት ሚዛናዊ ምእንቲ ኽትከውን፡ ኣበየናይ መዳይ ኢኻ ምምሕያሽ ክትገብር ዜድልየካ፧

  • መጻምድትኻ ንስራሑ ኣብ ቦታኡ ኸም ዘይገድፎ ዀይኑ ይስምዓካ ድዩ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ኣጋጣሚ ትዝክር፧

  • ብዛዕባ ስራሕን ህይወትን ብዚምልከት መጻምድትኻ ሚዛኑ ኪሕሉ ዜድልዮ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ለውጢ ኺገብር ኢኻ እትጽበዮ፧

ክለሳ፦ ንስራሕካ ብኸመይ ኣብ ቦታኡ ኽትገድፎ ትኽእል፧

  • ንሓዳርካ ቐዳምነት ሃብ። ስራሕካ ኣብ ርክብኩም ጣልቃ ኺኣቱ ኣይተፍቅድ።

  • ኬድሊ ኸሎ፡ ከም ዘይጥዕመካ ግለጽ። ሓድሓደ ግዜ፡ ንገሊኡ ስራሕ ከይትቕበሎ ወይ ከኣ ናብ ካልእ ሰብ ከተመሓላልፎ ጥበባዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

  • ምስ መጻምድትኻ ሓቢርኩም እተሕልፉሉ ግዜ መድብ። ብፍላይ ስራሕ ኪጽዕቕ ከሎ፡ ሓዳርካ ሸለል ኣይትበል።

  • ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒኻ ኣጥፍእ። ካብ ስራሕ ምስ ወጻእካ ብዚመጸካ ናይ ስራሕ መልእኽትታት ምእንቲ ኸይትመናጎ፡ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታትካ ኣጥፍእ።

  • ተዓጻጻፊ ኹን። ኣብ ሞንጎ ስራሕካን ካልእ መዳያት ህይወትካን ሚዛናዊ ንምዃን ቀጻሊ ጻዕሪ ይሓትት። ንመጻምድትኻ ኻብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኺገብር ኣይትጸበዮ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ