ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwhf ዓንቀጽ 18
  • ሓቢርኩም ጽቡቕ ግዜ ኣሕልፉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓቢርኩም ጽቡቕ ግዜ ኣሕልፉ
  • ንስድራ ቤት
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብሓንሳእ ክነሶም ዚረሓሓቑ ስለምንታይ እዮም፧
  • ክትገብሮ እትኽእል
  • መምርሒ ምይይጥ
  • ተክኖሎጂ ንሓዳርካ ብኸመይ ይጸልዎ፧
    ንቕሑ!—2021
  • ንስራሕካ ብኸመይ ኣብ ቦታኡ ኽትገድፎ ትኽእል፧
    ንስድራ ቤት
  • ኣብ እዋን እርጋን ፍትሕ ምእንቲ ኸየጋጥም እንታይ ኪግበር ይከኣል፧
    ንስድራ ቤት
  • ንተክኖሎጂ ኣብ ግቡእ ቦታኡ ኽትሕልዎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
    ንስድራ ቤት
ዝያዳ ርአ
ንስድራ ቤት
ijwhf ዓንቀጽ 18
ሰብኣይን ሰበይትን ተሓጋጊዞም ብሓጐስ ምግቢ ይሰርሑ።

ንስድራ ቤት | ሓዳር

ሓቢርኩም ጽቡቕ ግዜ ኣሕልፉ

ሓያሎ ሰብ ሓዳር፡ ብሓባር ኣብ ዚዀኑሉ እውን ከይተረፈ፡ እሂን ምሂን ከም ዘይብሃሃሉ ይገልጹ እዮም። እንታይ እዩ እቲ ምኽንያት፧

  • ብሓንሳእ ክነሶም ዚረሓሓቑ ስለምንታይ እዮም፧

  • ክትገብሮ እትኽእል

  • ሰብ ሓዳር እንታይ ይብሉ፧

  • መምርሒ ምይይጥ

ብሓንሳእ ክነሶም ዚረሓሓቑ ስለምንታይ እዮም፧

  • ድኻም

    “ሓቢርና ግዜ ኸነሕልፍ ክንደሊ ኸለና ሓዴና ኣዝዩ ደኺሙ ይጸንሕ። ክደክም ከለኹ ብጢጥ ቅሚጥ እየ ዝሓርቕ። ሽዑ ቲቪ ኽንርኢ ኢና እንመርጽ።”—ኣና።

  • ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት

    “ማሕበራዊ መራኸብን ብኢንተርነት ምዝንጋዕን ንግዜኻ ኺሰርቆ ይኽእል እዩ። ምስ መጻምድትኻ ሓንቲ ቓል እኳ ኸየውጻእኻ፡ ሰዓታት ከተሕልፍ ትኽእል ኢኻ። ከምዛ ኣብ ሓደ ኽፍሊ ብሓንሳእ ዘየለኻ ኢኻ ትኸውን።”—ካትሪን።

  • ፍልልያት

    “በዓል ቤተይ ካብ ስራሕ ምስ መጸ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ባህ ኣብ ዜብሎ ነገራት እዩ ግዜ ዜሕልፍ። ደኺሙ ስለ ዚመጽእ፡ ከምኡ ኺገብር ሓቁ እዩ። ሓቢርና ግዜ እንተ ነሕልፍ ግና ባህ ምበለኒ።”—ጄን።

  • ስራሕ

    “ቴክኖሎጂ ምስ ስድራና ኸለና እውን ኣብ ስራሕ ከም እንጽመድ እዩ ዚገብረና። ምስ ሰበይተይ ከለኹ እውን ከይተረፈ፡ ብዙሕ ሳዕ ካብ ስራሕ ንዚለኣኸለይ ኢ-መይልን ቴክስትን ክምልስ እየ ግዜ ዘሕልፎ።”—ማርክ።

ክትገብሮ እትኽእል

  • ምስ መጻምድትኻ ግዜ ምሕላፍ ኣገዳሲ ደኣ እምበር፡ ብወዝቢ ጥራይ ዚግበር ጌርካ ኣይትርኣዮ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “እቲ ዚሓይሽ ክትምርምሩ።”—ፊልጲ 1:10።

    ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ንሓዳርካ፡ ካብ ስራሕካ ወይ ካብ መዘናግዒታትካ ከም ዚሓይሽ ወይ ዝያዳ ኣገዳሲ ጌርካ ኸም ትርእዮ ብተግባርካ ተርኢ ዲኻ፧ ንመጻምድትኻ ወትሩ ኻልኣይ ቦታ ዲኻ እትህቦ፧

    ምኽሪ፦ ምስ መጻምድትኻ ምሉእ ምሉእ እተሕልፈሉ ግዜ መድብ።

    “በዓል ቤተይ መዲቡ ምሳይ ግዜ ኼሕልፍ ከሎ፡ ባህ እዩ ዚብለኒ። እዚ፡ ከም ዜፍቅረንን ምሳይ ግዜ ኼሐልፍ ባህ ኸም ዚብሎን እዩ ዜረጋግጸለይ። ከምኡ ኺገብር ከሎ፡ ብዝያዳ ኸፍቅሮ እየ ዝድረኽ።”—ኣና።

  • ንኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታትካ ግዜ ፍለየሉ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፡- “ንዅሉ ገግዜኡ ኣለዎ።”—መክብብ 3:1።

    ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ብቴክስት ዚለኣኸልካ መልእኽቲ ንመጻምድትኻ ምሉእ ኣቓልቦ ኸይትህቦ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ዕንቅፋት ዚዀነካ፧

    ምኽሪ፦ ኣብ መዓልቲ እንተ ወሓደ ሓንሳእ ምስ መጻምድትኻ እትምገበሉ ግዜ መድብ። ስልክኻ ኸኣ ኣብ ካልእ ክፍሊ ግበሮ። እዋን መኣዲ፡ ምስ መጻምድትኻ ኸተዕልል ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍተልካ።

  • ዕዳጋ ዀነ ዕዮ ገዛ ብእተኻእለ መጠን ሓቢርኩም ግበርዎ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ካብ ጻዕሮም ዝያዳ ጥቕሚ ስለ ዚረኽቡ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሓይሽ።”—መክብብ 4:9፡ እግረ ጽሑፍ።

    ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ንስድራ ቤትኩም ዜድሊ ነገራት ክትዓዳድጉ ኸለኹም፡ ወትሩ በበይንኹም ዲኹም እትገብርዎ፧

    ምኽሪ፦ “ሓደ ሰብ ጥራይ ኪገብሮ ንዚኽእል ዕዮ እውን ከይተረፈ፡ ሓቢርኩም ግበርዎ።

    “ኣስቤዛ ምዕዳግ፡ ኣቕሑ ምሕጻብ፡ ክዳውንቲ ምዕጻፍ፡ ጀርዲን ምክንኻን ከም ዕዮ ጌርና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሓንሳእ ግዜ ንምሕላፍ ከም ዚሕግዝ እጋጣሚ ጌርና ዘይንርእዮ፧”—ኒና

  • ሚዛናውያን ኩኑ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሚዛናውያን ምዃንኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ።”—ፊልጲ 4:5፡ እግረ ጽሑፍ።

    ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ካብ መጻምድትኻ ኣብ እትጽበዮ ነገራት ሚዛናዊ ምዃንካ ኸተርኢ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

    ምኽሪ፦ ንኽልቴኹም ብዛዕባ ዜድልየኩም ነገራት ተላዘቡ። ክልቴኹም ተሓጒስኩም እተሕልፍሉ ግዜ መድቡ።

    “በዓል ቤተይ ኣይደክምን እዩ፡ ኣነ ግና ብሰሪ ጥዕና ምስኣን፡ ሓይለይ ጽንቅቕ እዩ ዚብለኒ። ንበዓል ቤተይ ኣነ ገዛ ኽጸንሓካ እየ፡ ንስኻ ግና ተዘናጊዕካ ምጻእ እየ ዝብሎ። ንሱ ምውስዋስ ኣካላት ኪገብር ኪወጽእ ከሎ፡ ኣነ ኣብ ገዛ ዀፍ ኢለ አዕርፍ። ክልቴና ዜድልየና ዘበለ ስለ እንገብር ሕጕሳት ኢና።”—ዳንኤላ።

    ሰብ ሓዳር እንታይ ይብሉ

    ጀሚንን ኬንድራን።

    “ሓቢርካ ምምጋብ ቁም ነገርን ዋዛን ከተዕልለሉ እትኽእል ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍት። ሰብኣይን ሰበይትን፡ መናብርቲ ጥራይ ዘኰኑስ፡ ትኽ ትንፋስ ኣዕሩኽ ኪዀኑ ዚሕግዞም እዩ።”—ጀሚን ምስ ሰበይቱ ኬንድራ።

    ሞኒካን ሾንን።

    “ምብላዕ ምብላዕካ፡ ምስ መጻምድትኻ ሓቢርካ ዘይትበልዕ፧ ገለ ኻብቲ ጽቡቕ ተዘክሮታት እዋን ቍልዕነተይ፡ ምስ ወለደይ ሓቢርና እንምገበሉ ዝነበርና ኣጋጣሚታት እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ምስ በዓል ቤተይ ግዜ መዲብና ብሓባር እንተ ተመጊብና፡ ንመጻኢ ጽቡቕ ተዘክሮታት ኪፈጥረልና ይኽእል እዩ።”—ሞኒካ ምስ በዓል ቤታ ሾን።

መምርሒ ምይይጥ

መጀመርታ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት በበይንኹም ኴንኩም ሕሰቡሉ። ድሕሪኡ፡ መልስታትኩም ሓቢርኩም ተመያየጡሉ።

  • ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ምስ መጻምድትኻ ሓቢርኩም፡ እኹል ግዜ እተሕልፉ ዀይኑዶ ይስመዓካ፧

  • በዚ መዳይ እዚ ንመጻምድትኻ እትንእደሉ ነጥቢ ኣሎዶ፧

  • በየናይ መዳይ ከመሓይሽ ኢኻ እትደልዮ፧

  • መጻምድትኻ ኺዛረብ ከሎ፡ ብኣቓልቦ ኸይትሰምዖ፡ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ብዙሕ ሳዕ ይዓናቕፈካ ድዩ፧

  • ካብ ንሓድሕድኩም ኣብ እትጽበይዎ ነገራት፡ ሚዛናውያን ምዃንኩም ከተርእዩ እትኽእሉ ብኸመይ ኢኹም፧

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ፡ ከይተዓናቐፍኩም ጽቡቕ ግዜ ምእንቲ ኸተሕልፉ፡ ነፍሲ ወከፍኩም እንታይ ለውጢ ኢኹም ክትገብሩ እትኽእሉ፧

ክለሳ፦ መብዛሕትኡ ግዜኹም ብሓባር ከተሕልፍዎ ጽዓሩ

  • ምስ መጻምድትኻ ግዜ ምሕላፍ ኣገዳሲ ደኣ እምበር፡ ብወዝቢ ጥራይ ዚግበር ጌርካ ኣይትርኣዮ።

  • ንኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታትካ፡ ግዜ ፍለየሉ።

  • ዕዳጋ ዀነ ዕዮ ገዛ ብእተኻእለ መጠን ሓቢርኩም ግበርዎ።

  • ሚዛናውያን ኩኑ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ