ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g24 ቍ. 1 ገጽ 13-15
  • ኣኽብሮት ንገዛእ ርእስኻ ኣበይ ጠፊኡ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣኽብሮት ንገዛእ ርእስኻ ኣበይ ጠፊኡ፧
  • ንቕሑ!—2024
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣኽብሮት ንገዛእ ርእስኻ፡ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ክትገብሮ እትኽእል
  • ንሕና እንገብሮ ዘለና
  • ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ
    ንቕሑ!—2020
  • ኣኽብሮት ንስድራ ቤት ኣበይ ጠፊኡ፧
    ንቕሑ!—2024
  • 12 ስለምንታይ ኢየ ንገዛእ ርእሰይ ዘይፈትዋ፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ይጠቕመካ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2024
g24 ቍ. 1 ገጽ 13-15
ሓንቲ ዝጐሃየት ሰበይቲ ኣብ መስትያት ገጻ ትርኢ።

ኣኽብሮት ንገዛእ ርእስኻ ኣበይ ጠፊኡ፧

ኣኽብሮት ንገዛእ ርእስኻ፡ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ገዛእ ርእሶም ዜኽብሩ ሰባት ንዜጋጥሞም ጸገማት ብምትእምማን ኪሰግርዎ ይኽእሉ እዮም። ብቐሊሉ ኣይሕለሉን እዮም።

  • እቶም ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ጽቡቕ ዘይሓስቡ ሰባት፡ ንጭንቀትን ንሕማቕ ኣመጋግባን ከም ዚቃልዑ ምርምር ይሕብር። ኣልኮላዊ መስተ ንምብዛሕን ሓሽሽ ንምውሳድን እውን ብዝያዳ ይቃልዑ እዮም።

  • ንርእሶም ኣኽብሮት ዘለዎም ሰባት፡ ገዛእ ርእሶም ምስ ካልኦት ኣየነጻጽሩን እዮም። እዚ ድማ ምስቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ሰባት ተሳንዮም ንምንባርን ጽቡቕ ዕርክነት ንምምስራትን ዝቐለለ እዩ ዚገብረሎም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ንርእሶም ብዙሕ ኣኽብሮት ዘይብሎም ሰባት፡ ነቐፍቲ እዮም ዚዀኑ። እዚ ድማ ምስ ሰባት ንዘለዎም ርክብ ይሃስዮ እዩ።

  • ንርእሶም ኣኽብሮት ዘለዎም ሰባት ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ፡ ንዕኡ ንምስጋር ሓቦ ይገብሩ እዮም። ዕንቅፋታት ናብ ሸቶኦም ካብ ምብጻሕ ኪዓግቶም ኣይፈቕዱን እዮም። ብኣንጻሩ ግና፡ ንርእሶም ብዙሕ ኣኽብሮት ዘይብሎም ሰባት ንንኣሽቱ ጸገማት ከም ዓበይቲ ዕንቅፋታት ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። እዚ ኸኣ ብቐሊሉ ኸም ዚሕለሉ ይገብሮም።

ክትገብሮ እትኽእል

ዜተባብዑኻ ፈተውቲ ምረጽ። ንሰብ ምስ ዜኽብሩን ብሓቂ ምስ ዚግደሱልካን ምስ ዜተባብዑኻን ሰባት ተዓራረኽ።

“ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።”—ምሳሌ 17:17።

ንኻልኦት ሓግዝ። ንሰባት ብሓፈሻ፡ እንተላይ ነቶም ውሬታ ኺመልሱ ዘይክእሉ እንተ ለዊህካሎምን ሰናይ እንተ ጌርካሎምን፡ ብምሃብ ዚርከብ ናይ ሓቂ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ። ስለቲ ሰናይ ግብርኻ ዘይተንኣድካ ዀይኑ እኳ እንተ ተሰምዓካ፡ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ።

“ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ።”—ግብሪ ሃዋርያት 20:35።

ንደቅኻ ገዛእ ርእሶም ኬኽብሩ ሓግዞም። ሓደ ኻብቲ ኸምኡ እትገብረሉ መገዲ፡ ከከም ዓቕሞም ባዕሎም ጸገማቶም ኪፈትሑ ብምሕዳግ እዩ። እዚ ኸኣ ንጸገማት ብኸመይ ከም ዚሰግርዎ ኺፈልጡ ይሕግዞም እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ፡ ንርእሶም ኣኽብሮት ኬማዕብሉ የኽእሎም፡ ምስ ዓበዩ እውን ይጠቕሞም።

“ንቘልዓ በታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣሰልጥኖ፣ ምስ ኣረገ እኳ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።”—ምሳሌ 22:6።

ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ንሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ካፈ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሓላ።
ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ንሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ካፈ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሓላ።

ንሕና እንገብሮ ዘለና

ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንገብሮ ኣኼባታትን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ንሰባት፡ ህይወቶም ኰነ ብዛዕባ ርእሶም ዘለዎም ኣኽብሮት የመሓይሸሎም እዩ።

ሰሙናዊ ኣኼባታትና

ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባታትና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ርእስኻ ግቡእ ኣኽብሮት ከተማዕብል ዚሕግዝ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መደረታት ይቐርብ እዩ። መእተዊ ብናጻ እዩ፣ ንህዝቢ እውን ክፉት እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣኼባታትና ኸምዚ ዚስዕብ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ፦

  • ኣምላኽ ብኣኻ ስለምንታይ ከም ዚግደስ

  • ኣብ ህይወት ናይ ሓቂ ዕላማ ብኸመይ ከም እትረክብ

  • ብኸመይ ድልዱልን ነባርን ዕርክነት ከም እትሃንጽ

‘ንሓድሕዶም ዚተሓላለዩ’ ናይ ሓቂ ፈተውቲ እውን ክትረክብ ኢኻ።—1 ቈረንቶስ 12:25, 26።

ብዛዕባ ኣኼባታትና ብዝያዳ ንምፍላጥ፡ ኣብ jw.org፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚግበር፧ ዘርእስታ ሓጻር ቪድዮ ድለ።

ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ

በታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ጌርካ ዚግበር፡ ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ኣዳሊና ኣለና። እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ቀንዲ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን ንጹር መረዳእታታትን ውጽኢታዊ ሕቶታትን መሳጢ ቪድዮታትን ውቁብ ስእልታትን ዝሓዘት እያ። እዚ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ሰባት ንርእሶም ኣኽብሮት ኬሕድሩን ህይወቶም ኬመሓይሹን ይሕግዝ።

ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እትገብሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪጠቕመካ ኸም ዚኽእል ንምርኣይ፡ ኣብ jw.org፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ዘርእስታ ሓጻር ቪድዮ ድለ።

ኢዝራኤል ማርቲነዝ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ

ኢዝራኤል ማርቲነዝ፡ ድኻ ስለ ዝነበረን ብዙሕ ስለ ዘይተማህረን ናይ ትሑትነት ስምዒት ነበሮ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣኼባታት ምእካብን መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕን ንርእሱ ኣኽብሮት ኬጥሪ ብኸመይ ከም ዝሓገዞ ንምፍላጥ፡ ኣብ jw.org፡ “ደጊም ብገዛእ ርእሰይ ኣይሓፍርን እየ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ድለ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ