ምዕራፍ 12
12 ስለምንታይ ኢየ ንገዛእ ርእሰይ ዘይፈትዋ፧
ሎይስ “ዝፍቶ ዀይነ ፈጺሙ ኣይስምዓንን ኢዩ” ብምባል ስምዒታ ትገልጽ። ንስኻኸ ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ከምዚ ይስምዓካዶ ኢዩ፧
ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ግቡእ ኣኽብሮት ክህልዎ ከም ዘለዎ ርዱእ ኢዩ። ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ግቡእ ኣኽብሮት ምህላው “ንሰብኣዊ ህላወ ርዝነት ዝውስኸሉ ቀመም” ተባሂሉ ኢዩ ዝፍለጥ። ኣብ ርእሲ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ “ብጻይካውን ከም ነፍስኻ ፍቶ” ኢሉ ኣሎ። (ማቴዎስ 19:19 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ሕማቕ ዝስመዓካ እንተድኣ ዀይኑ ምናልባት እውን ብዛዕባ ካልኦት ሕማቕ ክስመዓካ ኢዩ።
‘ዋላ ሓንቲ ጥዑይ ስራሕ ክሰርሕ ኣይክእልን ኢየ!’
ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ስምዒታት ክሓድረካ ዝኸኣለ ስለምንታይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧ ዘሎካ ድሩትነት ተስፋ ስለ ዘቝርጸካ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ትዓቢ ብምህላውካ ባህ ዘየብል ነገራት ብሃንደበት የጋጥመካ ወይ ድማ ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ከይሓሰብካዮ ትኣቱ እሞ ብቐጻሊ የሕፍረካ ይኸውን። ደሓር ከኣ ሓንሳእ ተስፋ ምስ ቈረጽካ ካብቲ ተስፋ ምቝራጽ ንምውጻእ ከም ናይ ዓበይቲ ዝበለ ተመክሮ የብልካን። ‘ንልቦናኻ ስለ ዘየለማመድካዮ’ ድማ እቲ እትገብሮ ውሳነ ኵሉ ግዜ ጥበባዊ ከይከውን ይኽእል ኢዩ። (እብራውያን 5:14) ሓድሓደ ግዜ ዋላ ሓንቲ ጥዑይ ስራሕ ክትሰርሕ እትኽእል ኰይኑ ኣይስምዓካን ኢዩ!
እቲ ወለድኻ ካባኻ ዝጽበይዎ ነገር ክትበጽሖ ዘይምኽኣል እውን ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ግቡእ ኣኽብሮት ንኸይህልወካ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ መንእሰይ “ኣብ ትምህርተይ ነጥበይ ቍሩብ እንተድኣ ጐዲለ ወለደይ ምኽንያቱ ክፈልጡ ይደልዩ: ሕማቕ ድማ ይብሉኒ” ይብል። ወለዲ ንውሉዳቶም ዝከኣሎም ንኽጽዕሩ ከበራትዕዎም ባህርያዊ ኢዩ። ከምቲ ዝጽበዩኻ ምስ ዘይትኸውን ድማ: ብዛዕብኡ ከም ዝዛረቡኻ ፍሉጥ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ: ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ” ኢሉ ኢዩ ዝመክር። (ምሳሌ 1:8, 9) ኣብ ክንዲ ተስፋ እትቘርጽ ንዝወሃበካ ምኽሪ ተቐበሎ: ካብኡ ኸኣ ተማሃር።
ይኹን እምበር: ወለድኻ ርትዓዊ ብዘይኰነ መገዲ ምስ ካልእ ምስ ዘወዳድሩኻኸ፧ (“ስለምንታይ ከም ዓቢ ሓውኻ ጳውሎስ ዘይትኸውን፧ ንሱ ብትምህርቱ ኵሉ ግዜ ንፉዕ ኢዩ።”) ከምዚ ዝኣመሰለ ምውድዳር ንሽዑ ዝጐድእ እኳ እንተመሰለ: መብዛሕትኡ ግዜ ተቐባልነት ዘለዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ወለድኻ ጽቡቕ ስለ ዝምነዩልካ ኢዮም ከምኡ ዝገብሩ። ዓቕልኻ የጽብቡልካ ከም ዘለዉ ኰይኑ እንተድኣ ተሰሚዑካ ድማ ስለምንታይ ነቲ ጕዳይ ርግእ ኢልካ ምስኦም ዘይትመያየጠሉ፧
ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ግቡእ ኣኽብሮት ይሃልኻ
እቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ዘሎካ ግቡእ ኣኽብሮት እናጠፍአ ምስ ዝኸይድ ብኸመይ ኢኻ ከተማዕብሎ እትኽእል፧ መጀመርታ: ብዛዕባ እቲ ዘሎካ ኣወንታውን ኣሉታውን ጐድንታት ብቕንዕና መርምር። ዝበዝሕ ካብቲ ንስኻ ኣሉታዊ ኢልካ እትሓስቦ ነገራት ብዙሕ ኣብ ግምት ዘይኣቱ ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ። ከም ሓራቕ ወይ ስሱዕ ምዃን ዝኣመሰለ ድኹም ጐድኒ ምስ ዝህልወካኸ፧ ነዚ ግድላት እዚ ንምዕራይ ኣበርቲዕካ ምስ እትጽዕር እቲ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዘሎካ ግቡእ ኣኽብሮት ከም ዝዓቢ እተረጋገጸ ኢዩ።
ኣብ ርእሲ እዚ: ኣወንታዊ ዝዀነ ነገራት ከም ዘሎካ እውን ኣይትረስዕ! ምኽሻን ወይ ዝነፈሰ ጎማ ምቕያር ክሳዕ ክንድቲ ኣድላዪ ከም ዝዀነ ገይርካ ኣይትግንዘቦን ትኸውን። እንተዀነ ግን: ከምዚ ዝኣመሰለ ክእለት ምስ ዝህልወካ ንሓደ ዝጠመየ ሰብ ወይ ንሓደ ዓቕሉ ዝጸበቦ መራሕ ማኪና ምስ እትሕግዞ የድንቐካ ኢዩ! ብዛዕባ እቲ ዘሎካ ባህርያት እውን ሕሰብ። ህርኩት ዲኻ፧ ዕጉስ ዲኻ፧ ደንጋጺ ዲኻ፧ ለጋስ ዲኻ፧ ሕያዋይ ዲኻ፧ እዚ ባህርያት እዚ ምህላው ንዝዀነ ይኹን ካልእ ጕድለት ዝሽፍን ኢዩ።
ንገዛእ ርእስኻ በዚ ዝስዕብ ሕጽር ዝበለ ነጥብታት ምምርማር እውን ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ:-
ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ሸቶ ይሃልኻ:- ኵሉ ግዜ ላዕሊ ላዕሊ ጥራይ ትጥምት እንተድኣ ዄንካ መሪር ተስፋ ምቝራጽ ከጋጥመካ ይኽእል ኢዩ። ክትበጽሖ እትኽእል ሸቶ ኣውጽእ። ከም ትምህርቲ ጽሕፈት መኪና ዝኣመሰለ ሞያ ምምሃርከ፧ ሙዚቃ ወይ ካልእ ቋንቋ ተማሃር። ንባብካ ኣመሓይሾ ወይ ኣስፍሓዮ። ሓደ ዕማም ምዕማም ኣብ ገዛእ ርእስኻ ግቡእ ዝዀነ ኣኽብሮት ንኽህልወካ ዝሕግዝ ኢዩ።
ጽፉፍ ዕዮ ዕየ:- ጋሕማጥ ስራሕ እንተድኣ ሰሪሕካ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ጽቡቕ ኣይስምዓካን ኢዩ። ኣምላኽ ነቲ ዝፈጠሮ ርእዩ ባህ ኢልዎ ኢዩ: “ጽቡቕ” ኰነ ብምባል ድማ ገለጸ። (ዘፍጥረት 1:3-31) ንስኻ እውን ኣብ ገዛ ይኹን ኣብ ቤት ትምህርቲ ንእትገብሮ ስራሕ ብኽእለትን ብተወፋይነትን ብምዕማም ክትሕጐስ ትኽእል ኢኻ።—ምሳሌ 22:29 ርአ።
ንኻልኦት ሰናይ ግበር:- ኢድካን እግርኻን ኣጣሚርካ ኮፍ ብምባል ካልኦት ከገልግሉኻ ትጽበ እንተድኣ ዄንካ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ግቡእ ኣኽብሮት ክህልወካ ኣይክእልን ኢዩ። የሱስ “እቲ ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ግዙእኩም [ኣገልጋሊኹም] ደኣ ይኹን” ኢሉ ኣሎ።—ማርቆስ 10:43-45
ንኣብነት: ሓንቲ ኪም እትበሃል ጓል 17 ዓመት ኣብ ግዜ ክረምታዊ ዕረፍታ ካልኦት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኽምሃሩ ንምሕጋዝ ኣብ ወርሒ 60 ሰዓታት ከተሕልፍ መደበት። ከምዚ ትብል:- “ናብ የሆዋ ዝያዳ ከም ዝቐርብ ገይሩኒ። ኣብ ሰባት ናይ ሓቂ ፍቕሪ ከም ዘሕድር እውን ገይሩኒ ኢዩ።” እዛ ሕጕስቲ መንእሰይ እዚኣ ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ ግቡእ ኣኽብሮት ኣይነበራን ክበሃል ፈጺሙ ዘይመስል ኢዩ!
ተጠንቂቕካ ኣዕሩኽ ምረጽ:- ጓል 17 ዓመት ባርባራ ከምዚ ትብል:- “ምስ ገዛእ ርእሰይ ዘሎኒ ርክብ ዘየሐጕስ ኢዩ። ምስቶም ብኣይ ዝተኣማመኑ ሰባት ክኸውን ከለኹ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ኢየ ዝዓምም። ምስቶም ከም መመላእታ ጥራይ ገይሮም ዝርእዩኒ ክኸውን ከለኹ ግን ዕንድ ኢየ ዝብል።”
ንርእሶም ኣልዒሎም ዝርእዩ ወይ ዕቡያት ሰባት ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ሕማቕ ከም ዝስመዓካ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ ብሓቂ ኣብ ድሕንነትካ ተገዳስነት ዘለዎም: ክሃንጹኻ ዝኽእሉ ኣዕሩኽ ምረጽ።—ምሳሌ 13:20
ንኣምላኽ ናይ ማሕሩሮ ዓርክኻ ግበሮ:- እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት “እግዚኣብሄርሲ ኸውሔይ: ዕርደይ . . . እዩ” በለ። (መዝሙር 18:2) ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ክእለት ዘይኰነስ ኣብቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኢዩ ትውክልቲ ዝገብር ነይሩ። ስለዚ ኸኣ ጸኒሑ ኣብ ሽግር ምስ ወደቐ: ነቲ ዝነበሮ መትከል ከይሰሓተ ብርቱዕ ወቐሳ ክጻወር ክኢሉ ኢዩ። (2 ሳሙኤል 16:7, 10) ንስኻ እውን ናብ ‘ኣምላኽ ብምቕራብ’ ብገዛእ ርእስኻ ዘይኰነስ ብኣምላኽ ‘ክትምካሕ’ ትኽእል ኢኻ!—ያእቆብ 2:21-23፣ 4:8፣ 1 ቈረንቶስ 1:31
ውዒሉ ሓዲሩ ዘጕሂ ኣካይዳ
ሓደ ጸሓፊ ከምዚ በለ:- “ሓድሓደ ግዜ ድኹም ባህርን ብዛዕባ ርእሱ ትሑት ግምትን ዘለዎ በጽሒ ምስ ዓለም ንምግጣም ዘይመልክዑን ዘይባህሪኡን ኢዩ ዝሕዝ።” ገሊኦም “ዓንተር:” ወዲ ሹቕ: ዘመናዊ ክበሃሉ ይደልዩ። እቶም ከምዚ ተባሂሎም ክጽውዑ ዝደልዩ መንእሰያት ግን: ብውሽጦም ምስ ናይ ትሑትነት ስምዒት ኢዮም ዝቃለሱ።—ምሳሌ 14:13
ንኣብነት: ነቶም “ካብ ናይ ጭንቀት ስምዒት ንምርሓቕ: [ተደለይቲ ምዃኖም ከም ዝስምዖም ብምግባር] ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ግቡእ ኣኽብሮት ንምምዕባል: ጥብቂ ርክብ ንምምስራት: ብምውላድ ድማ ናይ ቈልዓ ፍቕርን ሕቶ ዘይብሉ ተቐባልነትን ንምርካብ” ክብሉ ኣብ ብዕሉግ ነገራት ዝወድቁ እውን ርአ። (ኮፒን ዊዝ ቲንኤጅ ዲፕረሽን [እንግሊዝኛ]) ሓንቲ ኣብ ተስፋ ምቝራጽ ዝወደቐት መንእሰይ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ምስ ፈጣርየይ ድልዱል ርክብ ንምምስራት ኣብ ክንዲ ዝጽዕር ጾታዊ ርክብ ብምፍጻም ክጸናናዕ ፈተንኩ። ዘጥረኽዎ ነገር እንተድኣ ኣልዩ ግን ናይ ባዶነት ስምዒት: ጽምዋ: ከምኡውን ዝገደደ ጭንቀት ጥራይ ኢዩ።” ስለዚ እምበኣር ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ውዒሉ ሓዲሩ ዘጕሂ ኣካይዳ ተጠንቀቕ።
መጠንቀቕታ
እቲ ዝገርም ግን ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ኣዕዚዝና ከይንሓስብ ኢዩ ብተደጋጋሚ ዘጠንቅቐና! ስለምንታይ፧ ከመይሲ መብዛሕትና ኣብቲ ርእሰ-ተኣማንነት ንምጥራይ ኢልና እንገብሮ ጻዕሪ ዕላማና ንስሕት ኢና። ብዙሓት ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ጥራይ ዝግደሱ ከምኡውን ነቲ ዘለዎም ሞያን ክእለትን ኣዝዮም ዘጋንኑ ኢዮም ዝዀኑ። ካልኦት ድማ ንኻልኦት ብምውራድ ንገዛእ ርእሶም ክብ ከብልዋ ይደልዩ።
ነታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ሮሜ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ እቲ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣህዛብን (ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት) ዝነበረ ውድድር ጐጃጂልዋ ነበረ። ስለዚ ኸኣ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣህዛብ ኣብቲ ስምረት ኣምላኽ ክረኽብሉ ዝኽእሉ ቦታ ‘እተተኽሉ’ ‘ብለውሃት’ ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ ኣዘኻኸሮም። (ሮሜ 11:17-36) እቶም ገዛእ ርእሶም ዘጽድቑ ዝነበሩ ኣይሁድ እውን እንተዀነ ዘይፍጹማት ምዃኖም ኣሚኖም ክቕበልዎ ነይርዎም ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ጳውሎስ “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም” ዝበለ።—ሮሜ 3:23
ጳውሎስ ክብረቶም ኣይኰነን ዝገፎም ነይሩ: ኣብ ክንድኡስ “ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር: ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ: ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ: በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ አሎኹ” በለ። (ሮሜ 12:3) ስለዚ ኸኣ ከምቲ ‘ዝግባእ’ ገይርካ ርእስኻ ከተኽብር እኳ እንተሎካ ደረት ክትሓልፍ ግን የብልካን።
ዶ/ር ኣለን ፍሮም ከምዚ ይብል:- “ሓደ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ እኹል ግምት ዘለዎ ሰብ ጕሁይ ኣይኰነን: ካብ መጠን ንላዕሊ ሕጕስ ኢዩ ማለት እውን ኣይኰነን። . . . ኣሉታዊ ኣይኰነን: እንተዀነ ግን እቲ ኣወንታዊ ዝዀነ ኣተሓሳስብኡ ልጓም ኣለዎ። ደፋር ኣይኰነን: እተወሰነ ፍርሂ ዘይብሉ እውን ኣይኰነን። . . . ኵሉ ግዜ ዕዉት ወይ ድማ ኵሉ ግዜ ትሩፋ ኢዩ ማለት ከም ዘይኰነ ይግንዘብ ኢዩ።”
ስለዚ ዓቕምኻን ቦታኻን ፍለጥ። “ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም: ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም።” (ያእቆብ 4:6) ነቲ ዘሎካ ጽቡቕ ባህርያት ኣፍልጦ ሃበሉ: እንተዀነ ግን ንድኽመታትካ እውን ዕሽሽ ኣብ ክንዲ ምባል ከተመሓይሾ ጸዓር። ገና ግን ኣብ እተፈላለየ ግዜ ርእሰ-ምትሓት ክስመዓካ ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ዋጋ ከም ዘሎካ ወይ እውን ኣምላኽ ከም ዝሓልየልካ ፈጺምካ ኣይትጠራጠር። “ንኣምላኽ ዜፍቅሮ እንተሎ ግና: ንሱ ብእኡ ፍሉጥ እዩ።”—1 ቈረንቶስ 8:3
ንመመያየጢ ዝኸውን ሕቶታት ምዕራፍ 12
◻ ገለ መንእሰያት ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ኣሉታዊ ስምዒት ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም፧ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መንእሰያት ከመይ ከም ዝስምዖም ከተዘንቱ ትኽእልዶ፧
◻ ነቲ ወለድኻ ካባኻ ዝጽበይዎ ነገራት ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧
◻ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ግቡእ ኣኽብሮት ከም ዝህልወካ ክትገብረሉ እትኽእል ገለ መገድታት እንታይ ኢዩ፧
◻ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ግቡእ ኣኽብሮት ክህልወካ ኢልካ እትገብሮ ውዒሉ ሓዲሩ ግን ዘጕሂ ክኸውን ዝኽእል ኣካይዳ ከመይ ዝበለ ኢዩ፧
◻ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ኣዕዚዝካ ከይትሓስብ ክትጥንቀቕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ፧
[Blurb on page 98]
ንገዛእ ርእስኻ ግቡእ ኣኽብሮት ምህላው “ንሰብኣዊ ህላወ ርዝነት ዝውስኸሉ ቀመም” ተባሂሉ ኢዩ ዝፍለጥ
[Picture on page 99]
እተጠለኻ: ትሕቲ ኻልኦት ዝዀንካ ኰይኑዶ ይስመዓካ ኢዩ፧ መፍትሒ ኣለዎ
[Picture on page 101]
ዕቡይ ወይ ተጃሃሪ ምዃን ነቲ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዘሎካ ትሑት ግምት መፍትሒ ክዀኖ ኣይክእልን ኢዩ
[Picture on page 102]
ሓድሓደ ግዜ ዋላ ሓንቲ ጥዑይ ስራሕ ክትሰርሕ ዘይትኽእል ኰይኑዶ ይስመዓካ ኢዩ፧