ዛንታ 6
ቅኑዕ ውላድን እኩይ ውላድን
ንቃየልን ኣቤልን ርኣዮም። ክልቲኦም ዓብዮም ኢዮም። ቃየል ሓረስታይ ኰነ። እኽሊ: ፍረታት: ከምኡውን ኣሕምልቲ ኢዩ ዘብቍል።
ኣቤል ሓላው ኣባጊዕ ኰነ። ንዕያውቲ ምክንኻን ይፈቱ ኢዩ። ንሳተን ከኣ ኣባጊዕ ይዀና: ስለዚ ኣቤል ድሕሪ ቍሩብ ዝሕልወን መጓሰ ኣባጊዕ ረኸበ።
ሓደ መዓልቲ ቃየልን ኣቤልን ናብ ኣምላኽ ህያብ ኣምጽኡ። ቃየል ገለ ዘብቈሎ መግቢ ኣምጽአ። ኣቤል ከኣ ካብተን ዘለውኦ ኣባጊዕ እታ ዝበለጸት ኣምጽአ። የሆዋ ብኣቤልን ብህያቡን ባህ በሎ። ብቃየልን ብህያቡን ግን ባህ ኣይበሎን። ስለምንታይ ከም ዝዀነ ትፈልጥዶ፧
ናይ ኣቤል ህያብ ካብ ናይ ቃየል ስለ ዝበለጸ ኣይኰነን። ኣቤል ቅኑዕ ሰብ ስለ ዝነበረ ኢዩ። ንየሆዋን ንሓዉን የፍቅር ኢዩ። ቃየል ግን እኩይ ንሓዉ ድማ ዘየፍቅር ኢዩ ነይሩ።
ስለዚ ኣምላኽ ንቃየል ኣካይድኡ ክቕይር ከም ዘለዎ ይነግሮ። ቃየል ግን ኣይሰምዖን። ኣምላኽ ንኣቤል ስለ ዝፈተዎ ሓረቐ። ስለዚ ቃየል ንኣቤል ‘ናብ መሮር ንኺድ’ ኢሉ ተዛረቦ። ኣብኡ ንበይኖም ከለዉ ኸኣ: ቃየል ንሓዉ ኣቤል ወቕዖ። ኣበርቲዑ ወቒዑ ኸኣ ቀተሎ። ቃየል ከምኡ ምግባሩስ ኣዝዩ ሕማቕ ነገርዶ ኣይኰነን፧
ኣቤል እንተ ሞተ እኳ: ኣምላኽ ገና ክሳዕ ሕጂ ይዝክሮ ኢዩ። ኣቤል ቅኑዕ ኢዩ ነይሩ: የሆዋ ኸኣ ንኸምኡ ዝበለ ሰብ ፈጺሙ ኣይርስዖን ኢዩ። ስለዚ ሓደ መዓልቲ የሆዋ ንኣቤል እንደገና ህያው ክገብሮ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቤል እንደገና ኣይክመውትን ኢዩ። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ንዘለኣለም ክነብር ክኽእል ኢዩ። ምስ ከም ኣቤል ዝበሉ ሰባት ክትፋለጥ ሰናይዶ ኣይኰነን፧
ከም ቃየል ዝበሉ ሰባት ግን ንኣምላኽ ባህ ኣየብልዎን ኢዮም። ስለዚ ቃየል ንሓዉ ድሕሪ ምቕታሉ: ኣምላኽ ካብቶም ዝተረፉ ስድራቤቱ ኣርሒቑ ከም ዝኸይድ ብምግባር ቀጽዖ። ቃየል ብኻልእ ወገን ናይ ምድሪ ክነብር ክኸይድ ከሎ ሓንቲ ካብተን ኣሕዋቱ ምስኡ ሒዙ ከደ: በዓልቲ ቤቱ ኸኣ ኰነት።
ድሕሪ ገለ ግዜ ቃየልን ሰበይቱን ደቂ ክወልዱ ጀመሩ። እቶም ካልኦት ኣወዳትን ኣዋልድን ደቂ ኣዳምን ሄዋንን ከኣ ተመርዓዉ እሞ ወለዱ። ድሕሪ ቑሩብ ከኣ ኣብ ምድሪ ሰባት እናበዝሑ ኸዱ። ብዛዕባ ገለ ካብኣቶም እስከ ንማሃር።