ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ዘለዎ መስዋእቲ ምቕራብ
ሓደ እዋን ኣብ ታሪኽ: ኣብ ምብራቓዊ መእተዊ ናይ ገነት ኤደን ሓደ ዘደንቕ ተርእዮ ክትዕዘብ ይከኣል ነይሩ ኢዩ።a ብኣኣ ሰብ ክሓልፍ ምእንቲ ከይፍትን ከኣ ሓያላት ኪሩቤላት ምስቲ ዘፍርሕ ትርኢቶም ደው ኢሎም ይሕልዉ ነበሩ። ለይቲ ኣብቲ ከባቢ ንዝነበረ ኣእዋም ዘፍርሕ ብርሃን እተብርሃሉ ዝነበረት እተምበልብል ሃልሃልታ ሴፍ እውን ብእኡ ምሕላፍ ክልኩል ምዃኑ ትሕብር ነበረት። (ዘፍጥረት 3:24) እዚ ትርኢት እዚ ኣዝዩ ዝምስጥ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ዝዀነ ይኹን ተዓዛቢ ኣብ ጥቕኡ ዝቐርብ ኣይነበረን።
ቃየልን ኣቤልን ኣብዚ ቦታ እዚ ብዙሕ ግዜ ይኸዱ ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ምስ ወጹ ስለ እተወልዱ: ኣብቲ ሓደ ግዜ ወለዶም ዝነበርዎ እኹል ማይ ዘለዎ: ለምለም: ከምኡውን ኣኽል-ታርፍ ፍሩታታትን ኣሕምልትን ኣብ ዝነበሮ ገነት ምንባር እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ክሓስቡ ጥራይ ኢዮም ዝኽእሉ ነይሮም። እቲ ኣብ ኤደን ክርአ ዝኽእል ዝነበረ ነገር ግን ዘይተዀስኰሰን ካብ መጠን ንላዕሊ ዝዓበየን ኣታኽልቲ ምንባሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ።
ኣዳምን ሄዋንን: እታ ገነት ስለምንታይ ዝዅስኵሳ ከም ዝሰኣነትን ስለምንታይ ከኣ ካብኣ ከም እተሰጉን ንደቆም ከም ዝገለጹሎም ርግጽ ኢዩ። (ዘፍጥረት 2:17፣ 3:6, 23) ቃየልን ኣቤልን ከመይ ዝበለ ናይ ተስፋ ምቝራጽ ስምዒት ኰን ኢዩ ተሰሚዕዎም ክኸውን ዘለዎ! ነታ ገነት ኣማዕድዮም ክርእይዋ ይኽእሉ እኳ እንተ ነበሩ ክኣትውዋ ግን ኣይክእሉን ኢዮም ነይሮም። እታ ገነት እትርከበሉ ስፍራ ኣብ ጥቓኦም እኳ እንተ ነበረ: ንዖኦም ግን ኣዝያ ርሕቕቲ ኢያ ነይራ። ቃየልን ኣቤልን ዘይፍጽምና ስለ ዝወረሱ ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገር ኣይነበረን።
እቲ ኣብ መንጎ ወለዶም ዝነበረ ርክብ እውን ካልእ ተወሳኺ ነገር ኢዩ ነይሩ። ኣምላኽ ንሄዋን ክፈርዳ ኸሎ “ድሌትኪ ድማ ናብ ሰብኣይኪ ኪኸውን እዩ: ንሱውን ኪመልከኪ እዩ” በላ። (ዘፍጥረት 3:16) ከም መፈጸምታ ናይዚ ትንቢት እዚ: ኣዳም ንሰበይቱ ከም ብጸይትን ደጋፊትን ገይሩ ዘይኰነስ ክዕብልላ ጀሚሩ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሄዋን እውን ካብ መጠን ንላዕሊ ኣብ ሰብኣይ ጽግዕተኛ ኰይና ዝነበረት ኢዩ ዝመስል። አረ ሓደ ወሃብ ርእይቶስ ነታ “ድሌትኪ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቃል “ዳርጋ ከም ሕማም ዝዀነ ባህጊ ” ብምባል ገሊጽዋ ኣሎ።
እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ሓዳር: ነቲ እቶም ቈልዑ ኣብ ወለዶም ዝነበሮም ኣኽብሮት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝተንከፎ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነግረናን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣዳምን ሄዋንን ንደቆም ሕማቕ ኣብነት ከም ዝሓደጉሎም ርግጽ ኢዩ።
እተፈላለየ መገዲ ምምራጽ
ድሕሪ ገለ ግዜ: ኣቤል ጓሳ ቃየል ከኣ ሓረስታይ ኰኑ። (ዘፍጥረት 4:2) ኣቤል መጓሰኡ ክሕሉ ኸሎ ብዛዕባ እቲ ወለዱ ካብ ገነት ቅድሚ ምስጓጎም እተዘርበ ትንቢት ንኸስተንትን ብዙሕ ግዜ ከም ዝነበሮ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ከምዚ ይብል ነበረ:- “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን: ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ: ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ።” (ዘፍጥረት 3:15) ኣቤል ‘እቲ ኣምላኽ ርእሲ እቲ ተመን ዝጭፍልቕ ዘርኢ ከም ዝህሉ ዝኣተዎ መብጽዓ ብኸመይ ኢዩ ክፍጸም: እዚ ዘርኢ እዚኸ ኣብ ሸዀናኡ ዝንከስ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧’ ብምባል ይግረም ነይሩ ክኸውን ኣለዎ።
ቃየልን ኣቤልን ድሕሪ ገለ ግዜ: ምናልባት ምስ ጐበዙ ክኸውን ይኽእል: ነፍሲ ወከፎም ናብ የሆዋ መስዋእቲ ኣቕረቡ። ኣቤል ጓሳ ስለ ዝነበረ “ካብ በዅራት ኣባጊዑን ካብ ስብሔንን” ምቕራቡ ዘደንቕ ኣይነበረን። ቃየል ከኣ “ካብ ፍረ ምድሪ” ኣቕረበ። የሆዋ ነቲ ኣቤል ዘቕረቦ መስዋእቲ ተቐበሎ: “ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን ግን ባህ ኢልዎ ኣይረኣየን።” (ዘፍጥረት 4:3-5) ስለምንታይ፧
ገሊኦም ናይ ኣቤል መስዋእቲ ካብ ‘በዅራት ኣባጊዑ’ ናይ ቃየል ግን “ካብ ፍረ ምድሪ” ጥራይ ብምንባሩ ኢዩ ይብሉ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እንተዀነ ግን እቲ ጸገም ኣብቲ ቃየል ዘቕረቦ ዓይነት ፍርያት ኣይነበረን። ምኽንያቱ እቲ ጽሑፍ የሆዋ “ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን” ባህ ኢልዎ ረኣየ “ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን” ግን ባህ ኢልዎ ኣይረኣየን ኢዩ ዝብለና። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ስለዚ የሆዋ ብቐዳምነት ዝረኣዮ ናይ ልቦም ኵነታት ኢዩ። እንታይከ ኢዩ እተዓዘበ፧ እብራውያን 11:4 ኣቤል “ብእምነት” መስዋእቲ ኣቕረበ ትብል። ስለዚ ቃየል ከምታ ንኣቤል መስዋእቱ ተቐባልነት ከም ዝህልዎ ዝገበረት እምነት ኣይነበረቶን።
ኣብዚ መዳይ እዚ: ኣቤል ዘቕረቦ መስዋእቲ ደም ምፍሳስ ዘጠቓለለ ምንባሩ ክስትብሃለሉ ዘለዎ ነገር ኢዩ። እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ሸዀናኡ ዝንከስ ዘርኢ ዝኣተዎ መብጸዓ: ናይ ህይወት መስዋእቲ እውን ዘጠቓለለ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ብልክዕ ደምዲሙ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኣቤል ዘቕረቦ መስዋእቲ ንምትዕራቕ ዝኸውን ልመና ኢዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ኣምላኽ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ንሓጢኣት ዘተዓርቕ መስዋእቲ ከም ዘዳሉ ዝነበሮ እምነት ዘርኢ ኢዩ ነይሩ።
ቃየል ግን ብዛዕባ እቲ ዘቕረቦ መስዋእቲ ኣዕሚቑ ኣይሓሰበን። ሓደ ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ወሃብ ርእይቶ እቲ “ዘቕረቦ መስዋእቲ ንኣምላኽ ከም ገባር ሰናይ ጥራይ ገይርካ ኣፍልጦ ምሃብ ኢዩ ነይሩ” በለ። ወሲኹ ኸኣ “ኣብ መንጕኡን ኣብ መንጎ ፈጣሪኡን ጋግ ከም ዘሎ ከም ዘየስተውዓለ: ሓጢኣቱ ምንዛዝን ኣብ ምትዕራቕ እተመርኰሰ ምዃኑን ከም ዘይተረድአ ኣግሂዱ ኢዩ” በለ።
ኣብ ርእሲ እዚ: ቃየል በዅሪ ከም ምዃኑ መጠን ንገዛእ ርእሱ ነቲ ተመን ማለት ሰይጣን ዘጥፍእ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ገይሩ ብድርቅና ሓሲቡ ይኸውን ኢዩ። ሄዋን እውን ኣብቲ በዅሪ ወዳ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓያል ባህጊ ከም ዝሓድር ገይራ ክትከውን ትኽእል ኢያ። (ዘፍጥረት 4:1) ቃየልን ሄዋንን ከምዚ ዝኣመሰለ ትጽቢት ነይርዎም እንተ ዀይኑ ብርግጽ ዓቢ ጌጋ ኢዩ ነይሩ።
የሆዋ ነቲ ኣቤል ዘቕረቦ መስዋእቲ ከም እተቐበሎ ብኸመይ ከም ዘርኣየ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን ኢዩ። ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ሓዊ ካብ ሰማይ ወሪዱ ነቲ መስዋእቲ ከም ዝበልዖ ሓሳብ የቕርቡ። እዚ ዀይኑ እቲ ግን: ቃየል መስዋእቱ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ምስ ተገንዘበ “ኣዝዩ ዀረየ: ገጹ ድማ ጸለመ።” (ዘፍጥረት 4:5) ቃየል ናብ ጥፍኣት ገጹ ኢዩ ዘምርሕ ነይሩ።
የሆዋ ዝሃቦ ምኽርን ናይ ቃየል መልስን
የሆዋ ንቃየል ኣረድኦ። “ስለምንታይ ኰሬኻ፧ ስለምንታይከ ገጽካ ጸለመ፧” ኢሉ ሓተቶ። እዚ ስምዒታቱን ድራኸታቱን ንኽምርምር ንቃየል እኹል ግዜ ሂብዎ ኢዩ። የሆዋ ቀጺሉ ከምዚ በሎ:- “ጽቡቕ እንተ ትገብርሲ: ገጽካዶ ትኽ ኣይምበለን፧ ጽቡቕ እንተ ዘይገበርካ ድማ: ሓጢኣት ኣብ ኣፍደገ ትቃጸወካ አላ: ሃረርታኣውን ናባኻ እዩ: ግናኸ ንስኻ ክትገዝኣ ይግብኣካ።”—ዘፍጥረት 4:6, 7 (ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን ርአ።)
ቃየል ነዚ ምኽሪ ኣይተቐበሎን። ንኣቤል ናብ በረኻ ወሲዱ ኸኣ ቀተሎ። ደሓር ኣቤል ኣበይ ከም ዘሎ የሆዋ ምስ ሓተቶ ንሓጢኣቱ ሓሶት ወሰኸሉ። “ኣይፈልጥን: ኣነዶ ሓላው ሓወይ እየ፧” ኢሉ መለሰ።—ዘፍጥረት 4:8, 9
ቃየል ንኣቤል ቅድሚ ምቕታሉ ይኹን ብድሕሪኡ ‘ጽቡቕ ምግባር’ ኣበየ። ሓጢኣት ክትገዝኦ ፈቐደላ: ስለዚ ኸኣ ካብቲ ሰባት ዝነብሩሉ ዝነበሩ ቦታ ተሰጐ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ንቃየል ብምቕታል ሕነ ኣቤል ምእንቲ ከይፈዲ: ሓደ “ምልክት” ምናልባት ኣዋጅ ክኸውን ይኽእል: ተገብረ።—ዘፍጥረት 4:15
ጸኒሑ ቃየል ከተማ ሰርሐ እሞ ብስም ወዱ ሰመያ። ዘርኡ ብዓመጽ ፍሉጣት ምዃኖም ዘገርም ኣይኰነን። ኣብ መወዳእታ ዘርኢ ቃየል በቲ ኣብ ግዜ ኖህ ዝወረደ ማይ ኣይሂ ጠፍአ።—ዘፍጥረት 4:17-24፣ 7:21-24
እዚ ብዛዕባ ቃየልን ኣቤልን ዝገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ንመዘናግዒ ተባሂሉ ኣይተጻሕፈን። ኣብ ክንድኡ “ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ” ከምኡውን “ንትምህርቲ: ንተግሳጽ . . . ይጠቅም እዩ።” (ሮሜ 15:4፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16) ካብዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ
ልክዕ ከም ቃየልን ኣቤልን: ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ንኣምላኽ መስዋእቲ ከቕርቡ ተዓዲሞም ኣለዉ። እዚ መስዋእቲ እዚ ግን ቃል ብቓሉ ዝሓርር መስዋእቲ ዘይኰነስ “መስዋእቲ ምስጋና: ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር” ኢዩ። (እብራውያን 13:15) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ይሰብክዎ ብምህላዎም: እዚ ነገር እዚ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ይፍጸም ኣሎ። (ማቴዎስ 24:14) ኣብዚ ዕዮ እዚ እጃምካዶ ተበርክት ኣሎኻ፧ ተበርክት እንተድኣ ኣሊኻ ዄንካ ‘ኣምላኽ ንግብርኻን ንስሙ ዝገበርካዮ ፍቕርኻን ዝርስዕ ገፋዒ ከም ዘይኰነ’ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—እብራውያን 6:10
ልክዕ ከምቲ ኣብ ናይ ቃየልን ኣቤልን እተራእየ: እተቕርቦ መስዋእቲ ብደጋዊ ትርኢት ማለት በቲ ኣብ ኣገልግሎት እተሕልፎ ሰዓታት ጥራይ ኣይፍረድን ኢዩ። የሆዋ ናይ ውሽጢ ኢዩ ዝርኢ። ኤርምያስ 17:10 የሆዋ ‘ንልቢ ይምርምሮ ንዀላሊት ከኣ ይፍትኖ’ ትብለና። እዚ ኸኣ እቲ ውሽጣዊ ሓሳባትን ስምዒታትን ድራኸታትን ናይ ሓደ ሰብ ማለት ኢዩ። ስለዚ እቲ ቐንዲ ጕዳይ ውሽጣዊ ድራኸ ድኣምበር ብዝሒ ሰዓታት ኣይኰነን። እወ: እቲ መስዋእቲ ይዕበ ይንኣስ ብዘየገድስ ብፍቕሪ ተደሪኽካ ካብ ልቢ ዝግበር ክሳዕ ዝዀነ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ኢዩ።—ማርቆስ 12:41-44 ምስ 14:3-9 ኣረኣእዮ።
ምስናይዚ ግን: የሆዋ ከምቲ ቃየል ነቲ መስዋእቲ ብምሉእ ልቡ ብዘይምቕራቡ ዘይተቐበሎ: ጐደሎ መስዋእቲ ከም ዘይቕበል ክንርዳእ ኣሎና። (ሚልክያስ 1:8, 13) የሆዋ እቲ ዘሎካ ዝበለጸ ነገር ክትህቦ ማለት ብምሉእ ልብኻ: ነፍስኻ: ሓሳብካ: ከምኡውን ሓይልኻ ከተገልግሎ ኢዩ ዝደሊ። (ማርቆስ 12:30) ከምዚ ትገብርዶ ኣሎኻ፧ ትገብር እንተድኣ ኣሊኻ በቲ እተቕርቦ መስዋእቲ ክትዓግብ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎካ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር: ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ: በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ።”—ገላትያ 6:4
ቃየልን ኣቤልን ሓደ ዓይነት ኣተዓባብያ ኢዩ ነይርዎም። ግዜን ኵነታትን ግን ንነፍሲ ወከፎም እተፈላለየ ዓይነት ባህርይ ከማዕብሉ ኣጋጣሚ ከፈተሎም። ናይ ቃየል ኣረኣእያ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብቕንእን ባእስን ቍጥዓን እናመልአ ከደ።
ብኣንጻሩ ኣቤል ግን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ጻድቕ ሰብ ኰይኑ ተራእየ። (ማቴዎስ 23:35) ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ከፊሉ ንኣምላኽ ከሐጕስ ምድላዩ: ካብቶም ዘየመስግኑ ዝነበሩ ስድራቤቱ ማለት ኣዳምን ሄዋንን ቃየልን እተፈልየ ምዃኑ ባህ ዘብል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ዋላ እኳ ኣቤል እንተ ሞተ “ይዛረብ አሎ” ይብለና። እቲ ንኣምላኽ ብተኣማንነት ዘቕረቦ ኣገልግሎት ክፍሊ ናይቲ ነባሪ ዝዀነ ታሪኻዊ መዝገብ መጽሓፍ ቅዱስ ኰይኑ ኣሎ። ብቐጻሊ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎ መስዋእቲ ብምቕራብ ናይ ኣቤል ኣብነት እንስዕብ ይግበረና።—እብራውያን 11:4
[እግረ-ጽሑፍ]
a ገሊኦም ገነት ኤደን ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ናይዛ ዘመናዊት ቱርኪ ዝርከቡ ኣኽራናት ኢያ ነይራ ኢሎም ይሓስቡ።
[ሳጹን/ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ምኽሪ ንዝህቡ ክርስትያናት ዝኸውን ኣብነት
ስለምንታይ ኰሬኻ፧ ስለምንታይከ ገጽካ ጸለመ፧” የሆዋ በዚ ሕቶ እዚ ገይሩ ንቃየል ከረድኦ ፈተነ። ቃየል ናጻ ስነ-ምግባራዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ ብምንባሩ ኣተሓሳስብኡ ንኽልወጥ ኣየገደዶን። (ምስ ዘዳግም 30:19 ኣረኣእዮ።) እንተዀነ ግን: የሆዋ እቲ ናይ ቃየል ናይ ዕልወት መገዲ ከምጽኦ ዝኽእል ሳዕቤን ካብ ምሕባር ድሕር ኣይበለን። ንቃየል ከምዚ ብምባል ኣጠንቀቖ:- “ጽቡቕ እንተ ዘይገበርካ . . . ሓጢኣት ኣብ ኣፍደገ ትቃጸወካ አላ። ሃረርታኣውን ናባኻ እዩ።”—ዘፍጥረት 4:6, 7
ከምዚ ዝበለ ከቢድ መግናሕቲ እናሃቦ ክነሱ እውን ከይተረፈ ከም ሓደ ‘ክመሓየሽ ተስፋ ዘይብሉ ሰብ’ ገይሩ ከም ዘይረኣዮ ክስትብሃለሉ ዘለዎ ነገር ኢዩ። መገዱ እንተ ለዊጡ ዝረኽቦ በረኸታት ነገሮ። እንተ ደልዩ ነቲ ግድል ክዋጽኣሉ ከም ዝኽእል እምንቶ ከም ዘለዎ ገለጸ። የሆዋ “ጽቡቕ እንተ ትገብርሲ: ገጽካዶ ትኽ ኣይምበለን፧” በሎ። ብዛዕባ እቲ ናብ ምቕታል ከብጽሖ ዝኸኣለ ነድሪ ኸኣ ንሓጢኣት “ንስኻ ክትገዝኣ ይግብኣካ” ኢልዎ ነበረ።
ኣብዚ እዋን እዚ እውን ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት ነዚ ናይ የሆዋ ኣብነት ክቐድሕዎ ኣለዎም። ከምቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 4:2 እተጠቕሰ: ሓድሓደ ግዜ እቲ ናይ ዕልወት መገዲ ዝሓዘ ሰብ ዝወርዶ ሳዕቤን ብግልጺ ብምሕባር ‘ከሰምዑን ክገንሑን’ ኣለዎም። ምስናይዚ ድማ ሽማግለታት ‘ክምዕዱ’ ኣለዎም። እታ ፓ.ራ .ካ.ለ ʹኦ እትበሃል ናይ ግሪኽ ቃል “ምትብባዕ” ዝብል ትርጕም ኣለዋ። እታ ቲኦሎጂካል ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት እትበሃል መዝገበ-ቓላት ከምዚ ትብል:- “እቲ ምዕዶ መሪር: ክርክር ዝመልኦ ወይ ነቐፌታ ኣይኰነን። እታ ቃል ምጽንናዕ ዝብል ትርጕም እውን ዘለዋ ብምዃና: ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳብ ትድግፎ ኢያ።”
እታ ምስኣ እትመሳሰል ፓ.ራʹክለ.ቶስ እትበሃል ናይ ግሪኽ ቃል ንሓደ ኣብ ሕጋዊ ጕዳያት ዝሕግዘካ ወይ ዝጣበቐልካ ሰብ ከተመልክት ትኽእል ኢያ። ስለዚ እምበኣር ሽማግለታት ትርር ዝበለ መግናሕቲ ክህቡ ከለዉ እውን ከይተረፈ: ናይቲ ምኽሪ ዝደሊ ዘሎ ሰብ ሓገዝቲ እምበር ተጻረርቲ ከም ዘይኰኑ ክዝክሩ ኣለዎም። ሽማግለታት ልክዕ ከም የሆዋ: እቲ ዝምከር ዘሎ ንጸገማቱ ክዋጽኣሉ ከም ዝኽእል እምንቶ ብምግባር ኣወንታዊ ኣረኣእያ ክህልዎም ይግባእ።—ምስ ገላትያ 6:1 ኣረኣእዮ።
ኣብ መወዳእታ ነቲ ምኽሪ ኣብ ግብሪ የውዕሎ ድዩ ኣየውዕሎን ኣብቲ ሰብ እተመርኰሰ ምዃኑ ርግጽ ኢዩ። (ገላትያ 6:5፣ ፊልጲ 2:12) ልክዕ ከምቲ ቃየል ካብ ፈጣሪኡ ንእተዋህቦ መግናሕቲ ዕሽሽ ዝበሎ: እቶም ምኽሪ ዝህቡ እውን እቲ ንገለ ሰባት ዝህብዎ መጠንቀቕታ ተሰማዕነት ከይረክብ ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሽማግለታት ነቲ ምኽሪ ብምሃብ ፍጹም ዝዀነ ኣብነት የሆዋ ምስ ዝመስልዎ ነቲ ሰብ ንምሕጋዝ ዝከኣሎም ከም ዝገበሩ ርግጸኛታት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።