ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 7
  • ሓደ ተባዕ ሰብኣይ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓደ ተባዕ ሰብኣይ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ንኣምላኽ ባህ ኣበሎ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ሄኖክ-ዝመጸ ይምጻእ ድንብርጽ ዘይብሎ ሰብ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ሄኖክ ኣብታ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበራ ዓለም ምስ ኣምላኽ ተመላለሰ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ኣብ እዋን ዕግርግር ምስ ኣምላኽ ተመላለስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 7

ዛንታ 7

ሓደ ተባዕ ሰብኣይ

ሰባት ኣብ ምድሪ እናበዝሑ ምስ ከዱ መብዛሕትኦም ከም ቃየል እኩይ ነገራት ገበሩ። ሓደ ሰብኣይ ግን ፍልይ ዝበለ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኸኣ ስሙ ሄኖክ ኢዩ። ሄኖክ ተባዕ ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ። ኵሎም እቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ኣዝዩ እኩይ ዝዀነ ተግባራት ኢዮም ዝገብሩ ነይሮም: ሄኖክ ግን ንኣምላኽ ምግልጋል ቀጸለ።

እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት: ብዙሕ እከይ ዝገብሩ ዝነበሩ ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧ ሕስብ እሞ ኣብሎ: ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ከም ዘይእዘዙን ካብቲ ኣምላኽ ከይትበልዕዎ ዝበሎም ከም ዝበልዑን ዝገበሮም መን ኢዩ፧ እወ: ሓደ እኩይ መልኣኽ ኢዩ ነይሩ። መጽ​ሓፍ ቅዱስ ሰይጣን ኢሉ ይጽውዖ። ኵሉ ሰብ እኩይ ክኸውን ከኣ ኢዩ ዝጽዕር።

ሓደ መዓልቲ የሆዋ ኣምላኽ ንሄኖክ እቶም ሰባት ክሰምዕዎ ዘለዎም ነገር ከም ዝነግሮም ገበረ። ከምዚ በሎም:⁠- ‘ኣምላኽ ሓደ መዓልቲ ንዅሎም እኩያት ሰባት ከጥፍኦም ኢዩ።’ እቶም ሰባት ከምዚ ምስምዖም ብዙሕ ተቘጢዖም ነይሮም ክዀኑ ኣለዎም። ምናልባት እውን ንሄኖክ ክቐትልዎ ይደ​ልዩ ነይሮም ይዀኑ። ስለዚ ሄኖክ እቲ ኣምላኽ ዝገብሮ ነቶም ሰባት ንኽነግሮም ተባዕ ክኸውን የድልዮ ነበረ።

ኣምላኽ ሄኖክ ኣብ መንጎ እቶም እኩያት ሰባት ብዙሕ ግዜ ክነብር ኣይሓደጎን። ሄኖክ 365 ዓመታት ጥራይ ኢዩ ብህይወት ጸኒሑ። ስለምንታይ ኢና “365 ዓመ​ታት ጥራይ” እንብል፧ ምኽንያቱ ሰባት ኣብቲ ግዜ እቲ ካብዞም ሎሚ ዘለዉ ሰባት ንላዕሊ ድልዱላት ኢዮም ነይሮም: ዝነውሐ ግዜ ኸኣ ይነብሩ ነበሩ። ማቱሳላ ወዲ ሄኖክ ክሳዕ ወዲ 969 ዓመት ዝኸውን ብህይወት ጸኒሑ ኢዩ!

ሄኖክ ድሕሪ ሙማቱ: ሰባት ዝያዳ እኩያት እናዀኑ ከዱ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ግዜ እቲ ‘ኵሉ እቲ ሰባት ዝሓስብዎ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነ’ ከምኡውን ‘ምድሪ ብዓመጻ ከም ዝመልአት’ ይዛረብ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ክንድዚ ዝኣክል ጸገም ኣብ ምድሪ ክህሉ ዝኸኣለ ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጦዶ፧ ሰይጣን ሰባት እከይ ንኽገብሩ ሓድሽ መገዲ ስለ እተጠቕመ ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ኣብቲ ዝስዕብ ክንማሃር ኢና።

ዘፍጥረት 5:⁠21⁠-​24, 27፣ 6:⁠5፣ እብራውያን 11:⁠5፣ ይሁዳ 14, 15

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ