ሄኖክ-ዝመጸ ይምጻእ ድንብርጽ ዘይብሎ ሰብ
ንሓደ ቅኑዕ ሰብ ኣዝዩ ሕማቕ ግዜ ኢዩ ነይሩ። ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ተግባራት ንምድሪ መሊእዋ ነበረ። ስነ-ምግባራዊ ኵነታት ወድሰብ እናንቈልቈለ ይኸይድ ነበረ። አረ ሽዑ ኢዩ “እግዚኣብሄር ከኣ: ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሔን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረኣየ” እተባህለ።—ዘፍጥረት 6:5
እቲ ኣብ መስመር ውልድነት ካብ ኣዳም መበል ሻብዓይ ዝዀነ ሄኖክ ፍሉይ ንምዃን ዘኽእሎ ድፍረት ነይርዎ ኢዩ። ዝመጽእ ሳዕቤን ከይገደሶ ምእንቲ ጽድቂ ጸኒዑ ቈመ። መልእኽቲ ሄኖክ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበሮም ሓጥኣን ሰባት ስለ ዘቖጥዖም: ንኽቕተል ተመደበ: የሆዋ ጥራይ ከኣ ኢዩ ክሕግዞ ዝኽእል ዝነበረ።—ይሁዳ 14, 15
ሄኖክን እቲ ኣድማሳዊ ክርክርን
ሄኖክ ቅድሚ ምውላዱ ነዊሕ ግዜ ይገብር እቲ ናይ ኣድማሳዊ ሉዓላዊነት ክርክር ተላዒሉ ነበረ። ኣምላኽ ንኽገዝእ መሰል ነይርዎ ድዩ፧ ሰይጣን ድያብሎስ የብሉን ከም ዝበለ ርግጽ ኢዩ። መስተውዓልቲ ፍጥረታት ካብ መሪሕነት ኣምላኽ ናጻ ነይሮም እንተ ዝዀኑ ዝሓሸ ክገብሩ ምኽኣሉ ነይሮም ኢሉ ተማጐተ። ሰይጣን ንሰባት ብውዲት ተቖጻጺሩ ኣብ ወገኑ ክዀኑ ብምእካብ ኣንጻር የሆዋ መርትዖ ከቕርብ ፈቲኑ ኢዩ። ኣዳም: ሰበይቱ ሄዋን: ከምኡውን ቦኽሪ ወዶም ቃየል ኣብ ክንዲ ምምሕዳር ኣምላኽ ናይ ገዛእ ርእሶም ምምሕዳር ብምምራጽ ብወገን ሰይጣን ዝዀኑ ዕሉላት ኢዮም። እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ካብታ ኣምላኽ ዝኸልከላ ፍረ ብምውሳድ ኢዮም ብወገን ሰይጣን ዝዀኑ: ቃየል ድማ ኰነ ኢሉ ንሓዉ ብምቕታል ከምኡ ገበረ።—ዘፍጥረት 3:4 -6፣ 4:8
ኣቤል ኣብ ወገን የሆዋ ብትብዓት ደው በለ። ናይ ኣቤል ንጽህና ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ ስለ ዘዕበየ: ቃየል ኣብ ልዕሊኡ ናይ ሕነ ምፍዳይ ቅትለት ክፍጽም ከሎ ሰይጣን ከም እተሓጐሰ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚሩ ኸኣ ሰይጣን: ‘ንፍርሃት ሞት’ ከም ናይ ምጕብዕባዕ መሳርሒ ገይሩ ክጥቀመሉ ጀመረ። ኣብ ልቢ ናይ ዝዀነ ይኹን ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ከምልኽ ዝደሊ ሰብ ፍርሂ ከእቱ ኢዩ ዝደሊ።—እብራውያን 2:14, 15፣ ዮሃንስ 8:44፣ 1 ዮሃንስ 3:12
ኣብቲ ሄኖክ እተወልደሉ ግዜ: እቲ ሰባት ንሉዓላውነት የሆዋ ኣይክድግፍዎን ኢዮም ዝብል ናይ ሰይጣን ኣረኣእያ ጽቡቕ ተቐባልነት ዝረኸበ ይመስል ነበረ። ኣቤል ሞይቱ ነበረ: እቲ እሙን ኣብነቱ ኸኣ ኣይተሳዕበን። ይኹን እምበር: ሄኖክ ፍሉይ ኰይኑ ተረኽበ። ንእምነት ዝኸውን ጽኑዕ መሰረት ነበሮ: ከመይሲ ነቲ ኣብ ገነት ኤደን ዘጋጠመ ፍጻመታት ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ ኢዩ።a ሓደ ተስፋ እተገብረሉ ዘርኢ ንሰይጣንን መሳሪሒታቱን መወዳእታ ከም ዝገብረሎም ዝገልጽ ትንቢት የሆዋ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ኣብ ልቡ ኣሕዲርዎ ነይሩ ዝኸውን!—ዘፍጥረት 3:15
ሄኖክ እዚ ተስፋ እዚ ኣብ ቅድሚኡ ስለ ዝነበሮ በቲ ኣብ ታሪኽ ፍሉጥ ዝዀነ መንፈስ ድያብሎስ ዝደፋፍኦ ቅትለት ኣቤል ኣይፈርሀን። ኣብ ክንድኡስ: ምሉእ ህይወቱ መገዲ ጽድቂ ብምስዓብ ምስ የሆዋ ምምልላስ ቀጸለ። ሄኖክ ካብቲ ብርእስኻ ናይ ምሕዳር መንፈሳ ብምርሓቕ ካብ ዓለም ተፈልየ።—ዘፍጥረት 5:23, 24
ብተወሳኺ ድማ: ሄኖክ ናይ ድያብሎስ እኩይ ተግባራት ከም ዘይዕወት ብትብዓት ተዛሪቡን ኣነጺርዎን ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ጽልዋ መንፈስ ቅዱስ ወይ መስለጢ ሓይሊ ብምዃን: ሄኖክ “እንሆ: ጐይታ ንዅላቶም ኪፈርዶም ኢሉ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳቱ መጺኡ አሎ: ነቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ዜብሎም ኵላቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ዅሉ እኩይ ግብርን ብዛዕባ እቲ ሓጥኣንን ገፋዕትን ብዛዕባኡ እተዛረብዎ ዘበለ ዅሉ ዘረባ ድርቅናን ኪቐጽዖም እዩ” ብምባል ብዛዕባ እቶም እኩያት ተነበየ።—ይሁዳ 14, 15
ብምኽንያት እቲ ፍርሂ ዘይነበሮ ናይ ሄኖክ ኣዋጃት: ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ እብራውያን ክርስትያናት ደብዳበ ክጽሕፍ ከሎ: ንሄኖክ ኣብ መንጎ እቶም እምነቶም ኣብ ተግባር ብምርኣይ ብሉጽ ኣብነት ዝዀኑ ዓቢ “ደበና ምስክር” የእትይዎ ኢዩ።b (እብራውያን 11:5፣ 12:1) ሄኖክ ከም ናይ እምነት ሰብ መጠን ኣብ መገዲ ንጽህና ንልዕሊ 300 ዓመታት ከይተሓለለ ቀጺሉ ኢዩ። (ዘፍጥረት 5:22) ናይ ሄኖክ ተኣማንነት ንጸላእቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ኣቘጢዕዎም ክኸውን ዘለዎ! ናይ ሄኖክ ሓያል ትንቢት ንጽልኢ ሰይጣን ኣግዲድዎ ኢዩ: ግናኸ ናይ የሆዋ ዕቝባ ኣውሂብዎ ኢዩ።
ኣምላኽ ንሄኖክ ወሰዶ—ብኸመይ፧
የሆዋ: ሰይጣን ይኹን ወይ ምድራውያን ኣገልገልቱ ንሄኖክ ክቐትልዎ ኣይፈቐደን። ኣብ ክንድኡ ግን: እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ “ኣምላኽ ወሲድዎ” ይብል። (ዘፍጥረት 5:24) ሃዋርያ ጳወሎስ ነቲ ጕዳይ “ሄኖክ: ሞት ምእንቲ ኸይርኢ: ብእምነት ገዐዘ: ቅድሚ ምግዓዙ ንኣምላኽ ከም ዘስመረ: ተመስኪሩሉ ነበረ እሞ: ኣምላኽ ስለ ዘግዐዞ: ኣይተረኽበን” ብምባል ይገልጾ።—እብራውያን 11:5
ሄኖክ “ሞት ምእንቲ ኸይርኢ” ብኸመይ ኢዩ ዝገዓዘ፧ ወይ ከኣ ከምቲ ኣብ ናይ ኣር. ኤ. ኖክስ ትርጕም ተገሊጹ ዘሎ: ሄኖክ ብኸመይ ኢዩ “ናይ ሞት ተመክሮ ከየሕለፈ እተወሰደ፧” ኣምላኽ ካብቲ እንተ ብሕማም ወይ ብዓመጽ ክመጽእ ዝኽእል ጻዕረ-ሞት ብምንሓፍ ናይ ሄኖክ ህይወት ብሰላማዊ መገዲ ከም እተብቅዕ ገበረ። እወ: የሆዋ ንህይወት ሄኖክ ኣብ መበል 365 ዕድሚኡ—ምስቶም መዛንኡ ክነጻጸር ከሎ መንእሰይ—ኣሕጺርዋ ኢዩ።
ሄኖክ ‘ንኣምላኽ ከም ዘስመረ: እተመስከረሉ’ ብኸመይ ኢዩ፧ እንታይ መርትዖኸ ነበሮ፧ ልክዕ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ራእይ ናይታ መጻኢት መንፈሳዊት ገነት ክርስትያን ጉባኤ ብግልጺ ብምቕባል ‘ክዝረፍ’ ወይ ክግዕዝ ከሎ ዝነበሮ: ኣምላኽ ንሄኖክ ውንኡ ከም ዘጥፍእ ዝገበሮ ይመስል። (2 ቈረንቶስ 12:3, 4) እቲ ሄኖክ ንኣምላኽ የስምሮ ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ ምስክርነት ወይ መርትዖ: ራእይ ናይታ ኵሎም እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ንሉዓላውነት ኣምላኽ ዝድግፉላ መጻኢት ምድራዊት ገነት ዝሓዘ ክኸውን ይኽእል። ምናልባት ሄኖክ ነዚ ማራኺ ራእይ እናስተማቐረ ከሎ ኢዩ ዝኸውን ኣምላኽ ስቓይ ብዘይብሉ ሞት ገይሩ ክሳዕ መዓልቲ ትንሳኤኡ ንኽድቅስ ዝወሰዶ። የሆዋ ልክዕ ከምቲ ንሙሴ ዝገበሮ: ንስጋ ሄኖክ እውን ሰዊርዎ ኢዩ: ከመይሲ “ኣይተረኽበን።”—እብራውያን 11:5፣ዘዳግም 34:5, 6፣ ይሁዳ 9
እቲ ትንቢት ተፈጸመ
ሎሚ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ቐንዲ መልእኽቲ ናይ ትንቢት ሄኖክ ዘንጸባርቕ መልእኽቲ ኢዮም ዝእውጁ። ኣምላኽ ንእኩያት ሰባት ምስ ኣጥፍኦም እቲ ትንቢት ብኸመይ ከም ዝፍጸም ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ይገልጹ። (2 ተሰሎንቄ 1:6-10) መልእኽቶም ከም ዘይፍተዉ ይገብሮም: ከመይሲ ካብዚ ናይዛ ዓለም እዚኣ ኣረኣእያን ዕላማታትን ኣዝዩ እተፈልየ ኢዩ። እቲ ዘጓንፎም ተቓውሞ ኣየገርሞምን ኢዩ: ምኽንያቱ የሱስ ንሰዓብቱ “ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ” ብምባል ኣጠንቂቕዎም ኢዩ።—ማቴዎስ 10:22፣ ዮሃንስ 17:14
ይኹን እምበር: ዘመናውያን ክርስትያናት ልክዕ ከም ሄኖክ ካብ ጸላእቶም ኣብ መወዳእታ ድሕነት ከም ዝረኽቡ ተረጋጊጽሎም ኢዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና ኼውጽኦም: ንገበርቲ ዓመጻ ግና እናቐጽዔ ንመዓልቲ ፍርዲ ኺሕልዎም ይፈልጥ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጴጥሮስ 2:9) ኣምላኽ ንሓደ ግድል ወይ ፈታኒ ኵነታት ከልግሶ ጽቡቕ ኰይኑ ክርኣዮ ይኽእል ይኸውን። መስጐግቲ እውን መወዳእታ ክህልዎ ይኽእል ይኸውን። እንተ ዘይኰይኑ ግን: ህዝቡ ንፈተናታት ብዓወት ክጽመምዎ ምእንቲ ክኽእሉ ብኸመይ ‘መውጽኢ’ ከም ዝህብ ይፈልጥ ኢዩ። ኣድላዪ ምስ ዝኸውን: የሆዋ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ከይተረፈ እውን ይህብ ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 10: 13፣ 2 ቈረንቶስ 4:7
የሆዋ ‘ነቶም ዚደልይዎ ወሃብ ዓስቢ’ ከም ምዃኑ መጠን: ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ እውን ዘለኣለማዊ ህይወት ብምሃብ ክባርኾም ኢዩ። (እብራውያን 11:6) ንብዙሓት ካባታቶም ከኣ እዚ: ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ ምድራዊት ገነት ክኸውን ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ልክዕ ከም ሄኖክ መልእኽቲ ኣምላኽ ብዘይ ገለ ፍርሂ እንእውጅ ይግበረና። ዝመጸ ይምጻእ ብእምነት ነዚ ንግበር።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ሄኖክ ክውለድ ከሎ ኣዳም ወዲ 622 ዓመት ነበረ። ሄኖክ ድሕሪ ሞት ኣዳም ገለ 57 ዓመታት ዝኸውን ጸኒሑ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ንንውሕ ዝበለ ግዝያት ሓቢሮም ብህይወት ነይሮም ኢዮም።
b እታ ኣብ እብራውያን 12:1 “ምስክር” ተተርጒማ ዘላ ቃል ካብታ ማር ʹቲስ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ዝመጸት ኢያ። ብመሰረት ቬስት’ስ ዎርድ ስታዲስ ፍሮም ዘ ግሪክ ኒው ተሰታመንት (እንግሊዝኛ) እዛ ቓል እዚኣ “እቲ ዝረኣዮ ወይ ዝሰምዖ ወይ ብዝዀነ ካልእ መገዲ ዝፈልጦ ነገር ዘረጋግጽ: ወይ ከረጋግጽ ዝኽእል ሰብ” ኢያ ተመልክት። ብኒጀል ተርነር እተዳለወ ክርስችያን ዎርድስ (እንግሊዝኛ) ድማ: እታ ቃል “ካብ ብሕታዊ ተመክሮ . . . ከምኡውን ንሓቅታትን ኣረኣእያታትን ካብ ዘለዎ ምርዳእ ተበጊሱ” ዝዛረብ ሰብ ማለት ከም ዝዀነት ትገልጽ።
[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ሳጹን]
ስም ኣምላኽ ረኸሰ
ቅድሚ ሄኖክ ኣርባዕተ ክፍለ-ዘበናት ኣቢሉ ይኸውን: ሄኖስ ወዲ ወዱ ንኣዳም ተወልደ። ዘፍጥረት 4:26 “ሽዑ ሰብ ብስም እግዚኣብሄር ኪምህለሉ [“ምጽዋዕ:” NW] ጀመሩ” ትብል። ገለ ናይ ቋንቋ እብራይስጢ ምሁራት: እዛ ጥቕሲ እዚኣ ንስም ኣምላኽ “ብርኽሰት [ክጽውዕዎ] ጀመሩ” ወይ “ሸዑ ርኽሰት ጀመረ” ተባሂላ ክትንበብ ኢዩ ዘለዋ ኢሎም ይኣምኑ። ነቲ ኣብ ታሪኽ ዝነበረ ግዜ ኣብ ግምት ብምእታው: ጀሩሳሌም ታርጉም “እቲ ግዜ እቲ ሰባት ክሓጥኡ: ጣኦታት ክገብሩ: ነቲ ጣኦታቶም ድማ በቲ ናይ ስም ጐይታ ቃል ገይሮም ሳጓ ከውጽእሎም ዝጀመርሉ ወለዶ ኢዩ ነይሩ።”
ግዜ ሄኖስ ግጉይ ኣጠቓቕማ ስም የሆዋ ኣብ ኵሉ ተዘርጊሕሉ ዝነበረ ግዜ ኢዩ ነይሩ። ሰባት ነቲ መለኮታዊ ስም ንገዛእ ርእሶም ወይ ነቶም ብኣኣቶም ኣቢሎም ንየሆዋ ኣምላኽ ኣብ ኣምልኾ ዝቐርብዎ ዝመስሎም ገለ ሰባት ከም እተጠቕሙላ ፍሉጥ ኢዩ። ወይ ድማ ነቲ መለኮታዊ ስም ንጣኦታት ተጠቒሞምሉ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ይኹን እቲ ግን: ሰይጣን ድያብሎስ ንሰብኣዊ ዓሌት ብርግጽ ኣብ መፈንጠራ ናይ ኣምልኾ ጣኦት ኣውዲቕዎ ኢዩ። ኣብቲ ሄኖክ እተወልደሉ ግዜ ሓቀኛ ኣምልኾ ዳርጋ ኣይነበረን። ከም ሄኖክ ዝኣመሰለ በቲ ሓቂ ዝመላለስን ነቲ ሓቂ ዝሰብኽን ዝዀነ ሰብ: ዘይፍቱውን ኣደዳ መስጐግትን ኢዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 5:11,12
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሳጹን]
ሄኖክ ንሰማይ ከይዱ ድዩ፧
“ሄኖክ: ሞት ምእንቲ ኸይርኢ: ብእምነት ገዐዘ።” ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት ነዛ ክፍሊ ናይ እብራውያን 11:5 ዝዀነት ጥቕሲ ክትርጕምዋ ከለዉ ሄኖክ ብርግጽ ከም ዘይሞተ ኢዮም ገሊጾም። ንኣብነት: ብጀምስ ሞፋት እተዳለወ ኤ ኒው ትራንዝለሽን ኦቭ ዘ ባይብል (እንግሊዝኛ) “ሄኖክ ብእምነት ኢዩ ንሰማይ እተወስደ: ስለዚ ፈጺሙ ኣይሞተን” ይብል።
ይኹን እምበር: ድሕሪ ሄኖክ ገለ 3,000 ዓመታት ጸኒሑ: የሱስ ክርስቶስ “ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ: ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን” በለ። (ዮሃንስ 3:13) ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል ከኣ ከምዚ ይንበብ “ብዘይካ እቲ ካብ ሰማይ ዝመጸ ወዲ ሰብ እንተ ዘይኰይኑ ዋላ ሓደ ንሰማይ ዝኸደ የለን።” የሱስ እዚ ክብል ከሎ: ንሱ ከይተረፈ እውን ንሰማይ ኣይደየበን ኢዩ ነይሩ።—ምስ ሉቃስ 7:28 ኣረኣእዮ።
ሃዋርያ ጳውሎስ: ሄኖክን እቶም ነቲ ቅድሚ ክርስትና ዝነበረ ደበና ምስክር ዘቘሙ ካልኦትን ‘ኵላቶም [ከም] ዝሞቱን’ ‘ነታ ተስፋ [ከም] ዘይረኸብዋን’ ይገልጽ። (እብራውያን 11:13, 39) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኵሎም ሰባት ሄኖክ እውን: ካብ ኣዳም ሓጢኣት ወሪሶም ኢዮም። (መዝሙር 51:5፣ ሮሜ 5:12) እታ ሓንቲ ናይ ድሕነት መገዲ ኸኣ በቲ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ ኢያ እትርከብ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:12፣ 1 ዮሃንስ 2:1, 2) ኣብ ግዜ ሄኖክ እቲ በጅነት እቲ ጌና ኣይተኸፍለን ኢዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር: ሄኖክ ንሰማይ ኣይከደን: ብሞት ደቂሱ ኣብ ምድሪ ትንሳኤ ይጽበ ኣሎ።—ዮሃንስ 5:28, 29
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ካብ Illustrirte Pracht - Bibel/Heilige Schrift des Alten und Neuen Testaments, nach der deutschen Uebersetzung D. Martin Luther’s እተወስደ