ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 13
  • ኣብርሃም—ዓርኪ ኣምላኽ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብርሃም—ዓርኪ ኣምላኽ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብርሃምን ሳራን ንኣምላኽ ተኣዘዝዎ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ኣብርሃም መን እዩ ነይሩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ከም ናይ ኣብርሃም ዝዓይነታ እምነት ኣላትካዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 13

ዛንታ 13

ኣብርሃም—ዓርኪ ኣምላኽ

ሓደ ካብቲ ሰባት ድሕሪ ማይ ኣይሂ ንኽነብርሉ ኢሎም ዝኸድዎ ቦታታት ኡር ዝብሃል ኢዩ ነይሩ። ኡር ጽቡቕ ገዛውቲ ዘለዋ ውርይቲ ከተማ ኰነት። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ግን ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዘምልኹ ኢዮም ነይሮም። ኣብ ባቤል እውን ከምኡ ኢዮም ዝገብሩ ነይሮም። እቶም ኣብ ኡርን ኣብ ባቤልን ዝነበሩ ሰባት: ከምቶም ንየሆዋ ዘገልግሉ ዝነበሩ ኖህን ሴም ወዱን ኣይኰኑን።

ኣብ መወዳእትኡ: እቲ እሙን ዝነበረ ኖህ ድሕሪ ማይ ኣይሂ 350 ዓመታት ጸኒሑ ሞተ። እቲ ኣብዚ ስእሊ እዚ እትርእዮ ዘለኻ ሰብኣይ: ብድሕሪኡ ክልተ ዓመት ጥራይ ጸኒሑ ኢዩ ተወሊዱ። ኣምላኽ ኣብኡ ፍልይ ዝበለ ኣረኣእያ ኢዩ ነይርዎ። ስሙ ኣብርሃም ኢዩ። ምስ ስድራቤቱ ኣብ ከተማ ኡር ይቕመጥ ነበረ።

ሓደ መዓልቲ የሆዋ ‘ንኡርን ኣዝማድካን ግደፎም: ኣነ ናብ ዘርእየካ ቦታ ኸኣ ውጻእ’ ኢሉ ንኣብርሃም ነገሮ። ኣብርሃም ንኣምላኽ ተኣዚዙ ነቲ ኣብ ኡር ዝነበረ ኵሉ ጥዑም ናብራ ገዲፉ ወጺኡዶ፧ እወ: ወጺኡ ኢዩ። ኣብርሃም ኵሉ ግዜ ንኣምላኽ ይእዘዝ ስለ ዝነበረ ኸኣ ኢዩ ዓርኪ ኣምላኽ ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝኸኣለ።

ገለ ካብ ኣዝማድ ኣብርሃም ንኡር ክገድፋ ኸሎ ምስኡ ወጹ። ኣቡኡ ታራ ምስኡ ወጸ። እቲ ወዲ ሓዉ ዝነበረ ሎጥ እውን ከምኡ ገበረ። ሳራ በዓልቲ ቤቱ ንኣብርሃም እውን ከም ዝወጸት ፍሉጥ ኢዩ። ድሕሪ ገለ ግዜ ኵሎም ኣብ ካራን እተባህለ ቦታ በጽሑ: ኣብኡ ኸኣ ታራ ሞተ። ካብ ኡር ኣጸቢቖም ርሒቖም ኢዮም ነይሮም።

ድሕሪ ገለ ግዜ ኣብርሃምን ስድራቤቱን ንካራን ገዲፎም ናብ ከነኣን ዝበሃል ቦታ መጹ። ኣብኡ ኸኣ የሆዋ ‘እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ክህቦ ኢየ’ በሎ። ኣብርሃም ኣብ ከነኣን ድንኳን ገይሩ ይቕመጥ ነበረ።

ኣምላኽ ንኣብርሃም ክሕግዞ ጀመረ: ስለዚ ኸኣ ኣብርሃም ብዙሓት መጓሰ ኣባጊዕን ካልኦት እንስሳታትን ኣማእታት ባሮትን ነበርዎ። እንተዀነ ግን: ንሱን ሳራን ውሉድ ኣይነበሮምን።

ኣብርሃም ወዲ 99 ዓመት ምስ ኰነ የሆዋ ‘ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ክትከውን ኢኻ’ ኢሉ ተመባጽዓሉ። ኣብርሃምን ሳራን ስለ ዝኣረጉ ክወልዱ ኣይክእሉን ኢዮም: እሞኸ ደኣ እዚ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል፧

ዘፍጥረት 11:⁠27⁠-​32፣ 12:⁠1⁠-​7፣ 17:⁠1⁠-​8, 15⁠-​17፣ 18:⁠9⁠-​19

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ