ዛንታ 13
ኣብርሃም—ዓርኪ ኣምላኽ
ሓደ ካብቲ ሰባት ድሕሪ ማይ ኣይሂ ንኽነብርሉ ኢሎም ዝኸድዎ ቦታታት ኡር ዝብሃል ኢዩ ነይሩ። ኡር ጽቡቕ ገዛውቲ ዘለዋ ውርይቲ ከተማ ኰነት። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ግን ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዘምልኹ ኢዮም ነይሮም። ኣብ ባቤል እውን ከምኡ ኢዮም ዝገብሩ ነይሮም። እቶም ኣብ ኡርን ኣብ ባቤልን ዝነበሩ ሰባት: ከምቶም ንየሆዋ ዘገልግሉ ዝነበሩ ኖህን ሴም ወዱን ኣይኰኑን።
ኣብ መወዳእትኡ: እቲ እሙን ዝነበረ ኖህ ድሕሪ ማይ ኣይሂ 350 ዓመታት ጸኒሑ ሞተ። እቲ ኣብዚ ስእሊ እዚ እትርእዮ ዘለኻ ሰብኣይ: ብድሕሪኡ ክልተ ዓመት ጥራይ ጸኒሑ ኢዩ ተወሊዱ። ኣምላኽ ኣብኡ ፍልይ ዝበለ ኣረኣእያ ኢዩ ነይርዎ። ስሙ ኣብርሃም ኢዩ። ምስ ስድራቤቱ ኣብ ከተማ ኡር ይቕመጥ ነበረ።
ሓደ መዓልቲ የሆዋ ‘ንኡርን ኣዝማድካን ግደፎም: ኣነ ናብ ዘርእየካ ቦታ ኸኣ ውጻእ’ ኢሉ ንኣብርሃም ነገሮ። ኣብርሃም ንኣምላኽ ተኣዚዙ ነቲ ኣብ ኡር ዝነበረ ኵሉ ጥዑም ናብራ ገዲፉ ወጺኡዶ፧ እወ: ወጺኡ ኢዩ። ኣብርሃም ኵሉ ግዜ ንኣምላኽ ይእዘዝ ስለ ዝነበረ ኸኣ ኢዩ ዓርኪ ኣምላኽ ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝኸኣለ።
ገለ ካብ ኣዝማድ ኣብርሃም ንኡር ክገድፋ ኸሎ ምስኡ ወጹ። ኣቡኡ ታራ ምስኡ ወጸ። እቲ ወዲ ሓዉ ዝነበረ ሎጥ እውን ከምኡ ገበረ። ሳራ በዓልቲ ቤቱ ንኣብርሃም እውን ከም ዝወጸት ፍሉጥ ኢዩ። ድሕሪ ገለ ግዜ ኵሎም ኣብ ካራን እተባህለ ቦታ በጽሑ: ኣብኡ ኸኣ ታራ ሞተ። ካብ ኡር ኣጸቢቖም ርሒቖም ኢዮም ነይሮም።
ድሕሪ ገለ ግዜ ኣብርሃምን ስድራቤቱን ንካራን ገዲፎም ናብ ከነኣን ዝበሃል ቦታ መጹ። ኣብኡ ኸኣ የሆዋ ‘እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ክህቦ ኢየ’ በሎ። ኣብርሃም ኣብ ከነኣን ድንኳን ገይሩ ይቕመጥ ነበረ።
ኣምላኽ ንኣብርሃም ክሕግዞ ጀመረ: ስለዚ ኸኣ ኣብርሃም ብዙሓት መጓሰ ኣባጊዕን ካልኦት እንስሳታትን ኣማእታት ባሮትን ነበርዎ። እንተዀነ ግን: ንሱን ሳራን ውሉድ ኣይነበሮምን።
ኣብርሃም ወዲ 99 ዓመት ምስ ኰነ የሆዋ ‘ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ክትከውን ኢኻ’ ኢሉ ተመባጽዓሉ። ኣብርሃምን ሳራን ስለ ዝኣረጉ ክወልዱ ኣይክእሉን ኢዮም: እሞኸ ደኣ እዚ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል፧