ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w01 1/11 ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ከም ናይ ኣብርሃም ዝዓይነታ እምነት ኣላትካዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ኣብርሃም—ዓርኪ ኣምላኽ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ኣብርሃም መን እዩ ነይሩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ኣብርሃምን ሳራን ንኣምላኽ ተኣዘዝዎ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
w01 1/11 ገጽ 31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

የሆዋ ምስ ኣብርሃም ቃል ኪዳን ዝኣተወ ኣብ ኡር ድዩ ወይስ ኣብ ካራን፧

ብዛዕባ እቲ የሆዋ ምስ ኣብርሃም ዝገበሮ ቓል ኪዳን ዝገልጽ ናይ መጀመርታ ጸብጻብ ኣብ ዘፍጥረት 12:⁠1-3 ኢና እንረኽቦ። ከምዚ ይብል:- “እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም በሎ፤ ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ። ንዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ . . . ዓሌታት ኵላ ምድሪ ብኣኻ ኪባረኹ እዮም።”a የሆዋ ንኣብርሃም ከምዚ ዝኣመሰለ ቃል ኪዳን ዝኣተወሉ ኣብ ኡር ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ዳሕራይ ድማ ኣብ ካራን ደገመሉ።

የሆዋ ንኣብርሃም ናብ ምድሪ ከነኣን ክግዕዝ ከም ዝነገሮ እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ እስጢፋኖስ ጠቒሱ ኣሎ። ንሳንሄድሪን ክዛረቦም ከሎ ከምዚ በለ:- “ነቦና ኣብርሃም: ገና ኣብ ካራን ከይተቐመጠ ኣብ መሰጶታምያ ኸሎ: ኣምላኽ ክብሪ ተራእዮ እሞ፤ ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውጻእ: ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ንዓ: በሎ።” (ግብሪ ሃዋርያት 7:2, 3 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኣብርሃም ብመሰረቱ ኣብ ኡር ኢዩ ዝነብር ነይሩ: ከምቲ እስጢፋኖስ ጠቒስዎ ዘሎ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ምድሪ ኸነኣን ክኸይድ እተነግሮ ድማ ኣብዚ ቦታ እዚ ኸሎ ኢዩ። (ዘፍጥረት 15:7፣ ነህምያ 9:7) እስጢፋኖስ እቲ ኣምላኽ ምስ ኣብርሃም ዝገበሮ ቓል ኪዳን እንታይ ምዃኑ ኣይጠቐሰን: ኣብ ዘፍጥረት 12:⁠1-3 ተገሊጹ ኸም ዘሎ ግን እቲ ቓል ኪዳን ምስቲ ናብ ምድሪ ኸነኣን ንኽኸይድ እተዋህቦ ትእዛዝ እተተሓሓዘ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኣምላኽ ንኣብርሃም ቃል ኪዳን ዝኣተወሉ ኣብ ኡር ኢዩ ምባል ምኽንያታዊ ኢዩ።

ይኹን እምበር: ነቲ ኣብ ዘፍጥረት ዘሎ ጸብጻብ ተጠንቂቕና እንተድኣ ኣንቢብናዮ የሆዋ ኣብ ካራን እውን ነቲ ቓል ኪዳን ከም ዝደገመሉ ክንርዳእ ንኽእል ኢና: እዚ ድማ ልክዕ ከምቲ ጸኒሑ ኣብ ከነኣን ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ነቲ ቓል ኪዳን ዝደገሞን ዘስፍሖን ማለት ኢዩ። (ዘፍጥረት 15:5፣ 17:​1-5፣ 18:18፣ 22:16-​18) ብመሰረት እቲ ኣብ ዘፍጥረት 11:31, 32 ዘሎ ጸብጻብ ታራ ኣቦ ኣብርሃም ምስ ኣብርሃም: ሳራ: ሎጥ ሓቢሩ ካብ ኡር ናብ ከነኣን ከይዱ ኢዩ። ኣብ ካራን ምስ በጽሑ ድማ ታራ ኽሳዕ ዝመውት ኣብኡ ጸንሑ። ኣብርሃም ብዙሕ ሃብቲ ደሊቡ ስለ ዝነበረ ኣብ ካራን ነዊሕ ጸኒሑ ክኸውን ኣለዎ። (ዘፍጥረት 12:⁠5) ጸኒሑ ናሆር ሓዊ ኣብርሃም እውን ናብቲ ቦታ ግዒዙ ኢዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሞት ታራ ምስ ተዛረበ: ነቲ የሆዋ ንኣብርሃም ዝበሎ ቓላት ድሕሪ ምጥቃሱ ቀጺሉ “ኣብራም ከኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸደ” ይብል። (ዘፍጥረት 12:4) ስለዚ ድማ የሆዋ ነቲ ኣብ ዘፍጥረት 12:⁠1-3 ዘሎ ቃላት ታራ ምስ ሞተ እተዛረቦ ምዃኑ ዘፍጥረት 11:⁠31–12:4 ኣጸቢቓ ኢያ እትገልጾ። ከምዚ እንተድኣ ዀይኑ ኣብርሃም ካብ ካራን ወጺኡ ናብታ የሆዋ ዝሓበሮ ሃገር ዝኸደ ነዚ ትእዛዝ እዝን ነቲ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ኡር ከሎ ዝሰምዖን ብምስዓብ ኢዩ ማለት ኢዩ።

ብመሰረት ዘፍጥረት 12:⁠1 የሆዋ ንኣብርሃም ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ:- “እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም በሎ፤ ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ።” ኡር ሓደ ግዜ ኣብርሃም ዝነብረላ ዝነበረት ‘ምድሪ’ ኢያ ነይራ: ‘እንዳ ኣቦኡ’ ድማ ኢያ ነይራ። ኣቦኡ ንኣብርሃም ግን ንቤቱ ናብ ካራን ኣግዓዛ: ኣብርሃም ድማ ነታ ቦታ ከም ዓዱ ገይሩ ይጽውዓ ነበረ። ኣብ ከነኣን ነዊሕ ዓመታት ጸኒሑ ንወዱ ይስሃቕ ሰበይቲ ኸምጽኣሉ ንኣገልጋሊኡ “ናብ ሃገረይን ናብ ዓሌተይን” ኪድ ምስ በሎ ኣገልጋሊኡ “ናብ ከተማ ናሆር” (ካራን ወይ ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ዓድታት) ኢዩ ኸይዱ። (ዘፍጥረት 24:4, 10) ኣብኡ ድማ ካብቲ ሰፊሕ ቤተሰብ ናሆር: ኣዝማድ ኣብርሃም: ንርብቃ ረኸባ።⁠—⁠ዘፍጥረት 22:20-​24፣ 24:​15, 24, 29፣ 27:42, 43

እስጢፋኖስ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ሳንሄድሪን ዘስምዖ መደረ ብዛዕባ ኣብርሃም ከምዚ በለ:- “ኣቦኡ ምስ ሞተ ኸኣ: ኣምላኽ ካብኡ ናብዚ ሕጂ ዘሎኹምዎ ምድሪ ኣግዐዞ።” (ግብሪ ሃዋርያት 7:4) እዚ ድማ የሆዋ ንኣብርሃም ኣብ ካራን ከም እተዛረቦ ዝሕብር ኢዩ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ከምቲ ኣብ ዘፍጥረት 12:⁠1-3 ተገሊጹ ዘሎ የሆዋ ንኣብርሃም ነቲ ቓል ኪዳን ከም ዝደገመሉ ምድምዳም ርትዓዊ ኢዩ: ከመይሲ ኣብርሃም ናብ ከነኣን ምስ ገዓዘ ኢዩ እቲ ቓል ኪዳን ክትግበር ዝጀመረ። ስለዚ እምበኣር ንዅሉ እቲ መርትዖታት ብምምርማር: የሆዋ መጀመርታ ምስ ኣብርሃም ቃል ኪዳን ዝገበረ ኣብ ኡር ክኸውን ከም ዝኽእል: ኣብ ካራን ድማ ከም ዝደገመሉ ኢና እንድምድም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብርሃም ወዲ 99 ዓመት ምስ ኰነ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ከሎ የሆዋ ነቲ ኣብራም ዝብል ስሙ ናብ ኣብርሃም ቀየረሉ።​—⁠ዘፍጥረት 17:⁠1, 5

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ