ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 18
  • ያእቆብ ናብ ካራን ይኸይድ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ያእቆብ ናብ ካራን ይኸይድ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ያእቆብ ንመንፈሳዊ ነገራት ኣኽቢሩ ይርኢ ነበረ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • “ንቤት እስራኤል ዝሀነጻ” ዝጨነቐን ኣሓት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ያእቆብ ዓቢ ስድራቤት ኣለዎ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተጊህካ ምጽዓር በረኸት የሆዋ የምጽእ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 18

ዛንታ 18

ያእቆብ ናብ ካራን ይኸይድ

እዞም ያእቆብ ዝዛረቦም ዘለዉ ሰባት መን ምዃኖም ትፈልጥዶ፧ ንብዙሕ መዓልትታት ድሕሪ ምጕዓዙ: ያእቆብ ኣብ ጥቓ ሓደ ዔላ ረኸቦም። ኣባጊዖም ዝሕልዉ ዝነበሩ ሰባት ኢዮም። ያእቆብ ከኣ ‘ካበይ ኢኹም፧’ ኢሉ ሓተቶም።

‘ካብ ካራን’ በልዎ።

ያእቆብ ከኣ ‘ላባን ትፈልጥዎዶ፧’ ኢሉ ሓተቶም።

‘እወ። ራሄል ጓሉ እንሃ ምስተን ኣበጊዕ ትመጽእ ኣላ’ ኢሎም መለስሉ። ራሄል ብርሑቕ ክትመጽእ ከላ ኣብዚ ስእሊ ትርእያዶ ኣለኻ፧

ያእቆብ ንራሄል ምስ ኣባጊዕ ኣኮኡ ላባን ምስ ረኣያ: እተን ኣባጊዕ ምእንቲ ክሰትያ ነቲ እምኒ ካብ ኣፍ እቲ ዔላ ኣልዓሎ። ብድሕርዚ ያእቆብ ንራሄል ሰዓማ: መን ምዃኑ ኸኣ ነገራ። ኣዝያ ተሓጐሰት: ናብ ቤታ ተመሊሳ ኸኣ ነቡኣ ላባን ነገረቶ።

ላባን ያእቆብ ምስኡ ብምቕማጡ ኣዝዩ ተሓጐሰ። ያእቆብ ንራሄል ክምርዓዋ ኢሉ ምስ ሓተቶ ኸኣ ላባን ባህ በሎ። ይኹን እምበር: ምእንቲ ራሄል ሸውዓተ ዓመት ምስኡ ክዓዪ ሓተቶ። ያእቆብ ንራሄል ኣዝዩ ስለ ዘፍቀራ ከምኡ ገበረ። እቲ ናይ መርዓ ግዜ ምስ በጽሐ ግን እንታይ ከም ዝዀነ ትፈልጥዶ፧

ላባን ኣብ ክንዲ ራሄል: ንያእቆብ እታ ዓባይ ጓሉ ልያ ሃቦ። ያእቆብ ንላባን ተወሳኺ ሸውዓተ ዓመት ምስኡ ክሰርሕ ምስ ተሰማምዖ: ንራሄል እውን ሰበይቱ ክትከውን ንያእቆብ ሃቦ። ኣምላኽ ኣብቲ ግዜ እቲ ሰባት ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ክትህልዎም የፍቅድ ነይሩ ኢዩ። ሎሚ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝገልጾ ሓደ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ ጥራይ ኢያ ክትህልዎ ዘለዋ።

ዘፍጥረት 29:⁠1⁠-​30

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ