ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 19
  • ያእቆብ ዓቢ ስድራቤት ኣለዎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ያእቆብ ዓቢ ስድራቤት ኣለዎ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ንቤት እስራኤል ዝሀነጻ” ዝጨነቐን ኣሓት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ያእቆብ ናብ ካራን ይኸይድ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ያእቆብ ንመንፈሳዊ ነገራት ኣኽቢሩ ይርኢ ነበረ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ያእቆብን ኤሳውን ተዓርቁ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 19

ዛንታ 19

ያእቆብ ዓቢ ስድራቤት ኣለዎ

ነዚ ኣብዚ ስእሊ ዘሎ ዓቢ ስድራቤት እሞ ርኣዮ። እዚኣቶም እቶም 12 ደቂ ያእቆብ ኢዮም። ኣዋልድ እውን ነይረንኦ ኢየን። ኣስማት ናይ ገለ ካብዞም ደቁ ትፈልጦዶ፧ ብዛዕባ ገለ ካብኣቶም እስከ ንማሃር።

ልያ ንሮቤል: ንስምኦን: ንሌዊ: ከምኡውን ንይሁዳ ወለደት። ራሄል ምንም ከም ዘይወለደት ምስ ረኣየት: ኣዝያ ጐሃየት። ስለዚ ቢልሃ ግዝእታ ንያእቆብ ሃበቶ: ቢልሃ ኸኣ ዳንን ንፍታሌምን ዝስሞም ክልተ ኣወዳት ወለደት። ብድሕርዚ ልያ እውን ዚልጳ ግዝእታ ንያእቆብ ሃበቶ: ዚልጳ ኸኣ ንጋድን ንኣሴርን ወለደት። ኣብ መወዳእታ ልያ ተወሰኽቲ ክልተ ኣወዳት: ይሳኮርን ዛብሎንን ወለደት።

ኣብ መወዳእታ ራሄል ወዲ ክትወልድ ከኣለት። ዮሴፍ ኢላ ድማ ጸውዓቶ። ጸኒሕና ብዛዕባ ዮሴፍ ብዙሕ ክንምሃር ኢና: ምኽንያቱ ውሩይ ኰይኑ ኢዩ። እዚኣቶም እቶም ያእቆብ ምስ ላባን ኣቦ ራሄል እንዳተቐመጠ ከሎ ዝወለዶም 11 ደቁ ኢዮም።

ያእቆብ ኣዋልድ እውን ወሊዱ ኢዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ግን ስም ናይ ሓንቲ ካብኣተን ጥራይ ኢዩ ዝህብ። ስማ ኸኣ ዲና ኢዩ።

ያእቆብ ንላባን ገዲፉ ናብ ከነኣን ክምለስ ዝወሰነሉ ግዜ በጽሐ። ስለዚ ነቲ ዓቢ ስድራቤቱን ዓቢ መጓሰ ኣባጊዑን ከብቱን ብሓደ ኣኪቡ ነቲ ነዊሕ ጕዕዞ ጀመረ።

ያእቆብን ስድራቤቱን ናብ ከነኣን ምስ ተመልሱ ድሕሪ ቝሩብ: ራሄል ካልኣይ ወዲ ወለደት። ኣብ ጕዕዞ ኸለዉ ኢዩ ነይሩ። ብዙሕ ተጻዕረት: ኣብ መጨረሽትኡ ኸኣ ክትወልድ ከላ ሞተት። እቲ ንእሽቶ ወዲ ግን ደሓን ኰነ። ያእቆብ ከኣ ቢንያም ኢሉ ስም ኣውጽኣሉ።

ስም ናይቶም 12 ደቂ ያእቆብ ክንዝክሮ የድልየና ኢዩ: ምኽንያቱ ህዝቢ እስራኤል ብምሉኡ ካብኣቶም ኢዩ መጺኡ። እቶም 12 ነገድ እስራኤል ስሞም ካብቶም 10 ደቂ ያእቆብን ክልተ ደቂ ዮሴፍን ኢዩ ተወሲዱ። ኵሎም እዞም ኣወዳት እዚኣቶም ምስ ተወልዱ: ይስሃቅ ንብዙሕ ዓመታት ጸንሐ: ብዙሓት ደቂ ደቂ ስለ ዝነበርዎ ኸኣ ተሓጒሱ ክኸውን ኣለዎ። እንተዀነ ግን: ንዲና ጓል ወዱ እንታይ ከም ዘጓነፋ እስከ ንርአ።

ዘፍጥረት 29:⁠32⁠-​35፣ 30:⁠1⁠-​26፣ 35:⁠16⁠-​19፣ 37:⁠35

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ