ዛንታ 26
እዮብ ንኣምላኽ እሙን ኰነ
እዚ ዝሓመመ ሰብኣይ የደንግጸካዶ፧ ስሙ እዮብ ኢዩ: እታ ሰበይቲ ኸኣ በዓልቲ ቤቱ ኢያ። ንእዮብ እንታይ ትብሎ ከም ዘላ ትፈልጥዶ፧ ‘ንኣምላኽ ርገም እሞ ሙት’ ትብሎ ኣላ። ከምኡ ዝበለቶን እዮብ ከኣ ክንድዚ እተሳቐየን ስለምንታይ ምዃኑ እስከ ንርአ።
እዮብ ንየሆዋ ዝእዘዝ እሙን ሰብኣይ ነበረ። ኣብቲ ካብ ከነኣን ዘይርሕቕ ምድሪ ኡጽ ኢዩ ዝነብር ነይሩ። የሆዋ ንእዮብ ኣዝዩ የፍቅሮ ነበረ: እንተዀነ ግን ዝጸልኦ ኸኣ ነይሩ ኢዩ። መን ምዃኑ ትፈልጥዶ፧
ሰይጣን ድያብሎስ ኢዩ። ሰይጣን እቲ ንየሆዋ ዝጸልእ እኩይ መልኣኽ ምዃኑ ዘክር። ኣዳምን ሄዋንን ንየሆዋ ከም ዘይእዘዙ ክገብሮም ክኢሉ ኢዩ: ኵሉ ሰብ ንየሆዋ ከም ዘይእዘዝ ክገብር ዝኽእል ኰይኑ ኸኣ ተሰምዖ። እንተዀነ ግን ከምኡ ክገብር ክኢሉዶ፧ ኣይከኣለን: ብዛዕባ እዞም ድሮ እተማሃርናዮም እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ሕሰብ። ክንደይ ካብኦም ክትጠቅስ ትኽእል፧
ያእቆብን ዮሴፍን ኣብ ግብጺ ድሕሪ ሙማቶም: ኣብ ብምልእታ ምድሪ ንየሆዋ እሙን ኰይኑ እተረኽበ ሰብ እዮብ ኢዩ ነይሩ። የሆዋ ንሰይጣን ንዅሎም ሰባት እኩያት ክገብሮም ከም ዘይክእል ከፍልጦ ደለየ: ስለዚ ‘ንእዮብ ባርያይ ተመልከቶ። ንኣይ ክሳዕ ክንደይ እሙን ምዃኑ ርአ’ በሎ።
ሰይጣን ከኣ ‘እሙን ዝዀነ ንስኻ ስለ እትባርኾን ብዙሕ ጽቡቕ ነገር ስለ ዝገበርካሉን ኢዩ። እዚ ኵሉ እንተድኣ ኣግዲፍካዮ ግን: ክረግመካ ኢዩ’ በሎ።
ስለዚ የሆዋ ‘በል እስከ: ኣብ ኢድካ ሂበዮ ኣለኹ። ኵሉ ዘለዎ ውሰድ። ዝደለኻ ግበሮ። እንተ ረጊሙኒ ኸኣ ክንርኢ ኢና። ንህይወቱ ግና ተጠንቀቕ’ በሎ።
መጀመርታ ሰይጣን ናይ እዮብ ከብትን ኣግማልን ከም ዝስረቓ: እተን ኣባጊዑ ኸኣ ከም ዝቕተላ ገበረ። ብድሕርዚ ነቶም 10 ኣወዳቱን ኣዋልዱን ብህቦብላ ንፋስ ቀተሎም። ብድሕርዚ ኸኣ ሰይጣን ንእዮብ ብኸቢድ ሕማም ወቕዖ። እዮብ ኣዝዩ ተሳቐየ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢያ ንእዮብ በዓልቲ ቤቱ ‘ንኣምላኽ ርገም እሞ ሙት’ ዝበለቶ። እዮብ ግን ከምኡ ክገብር ኣይደለየን። ሰለስተ ናይ ሓሶት ኣዕሩኽ መጺኦምውን እከይ እናገበረ ይነብር ከም ዝነበረ ነገርዎ። እዮብ ግን እሙን ኰይኑ ደኣ ቐጸለ።
እዚ ንየሆዋ ኣዝዩ ኣሐጐሶ: ብድሕርዚ ኣብዚ ስእሊ ከም እትርእዮ ገይሩ ንእዮብ ባረኾ። ካብ ሕማሙ ኣሕወዮ። እዮብ እንደገና 10 ምልኩዓት ደቂ ወለደ: ካብቲ ናይ ቅድም ዕጽፊ ከብቲ: ኣባጊዕ: ከምኡውን ኣግማል ነበርዎ።
ኵሉ ግዜ ከም እዮብ ንየሆዋ እሙን ክትከውን ዲኻ፧ እንተድኣ እሙን ኴንካ ንዓኻውን የሆዋ ክባርኸካ ኢዩ። ብምልእታ ምድሪ ከም ገነት ኤድን ባህ እተብል ክትከውን ከላ ንዘለኣለም ክትነብር ክትክእል ኢኻ።