ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 31
  • ሙሴን ኣሮንን ምስ ፈርኦን ይራኸቡ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሙሴን ኣሮንን ምስ ፈርኦን ይራኸቡ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ቐዳማይ ሰለስተ መዓት
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ሙሴ ከምኡውን ኣሮን ተባዓት ኣወጅቲ ቃል ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • እቲ ዝሰዓበ ሽዱሽተ መዓት
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ኣምላኽ ንደቂ እስራኤል ሓራ ኣውጸኦም
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 31

ዛንታ 31

ሙሴን ኣሮንን ምስ ፈርኦን ይራኸቡ

ሙሴ ናብ ግብጺ ምስ ተመልሰ: ንኣሮን ሓዉ ኵሉ ብዛዕባ እቲ ተኣምራት ነገሮ። ሙሴን ኣሮንን እዚ ተኣምራት እዚ ንእስራኤላውያን ምስ ኣርኣይዎም ከኣ እቶም ህዝቢ: የሆዋ ምስኦም ከም ዝዀነ ኣመኑ።

ብድሕርዚ ሙሴን ኣሮንን ናብ ፈርኦን ከዱ። ከምዚ ኢሎም ከኣ ነገርዎ:⁠-‘የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል: ህዝበይ ኣብ በረኻ ከምልኹኒ ንሰለስተ መዓልቲ ክኸዱ ሕደጎም።’ ፈርኦን ግን ከምዚ ኢሉ መለሰ:⁠-‘ንየሆዋ ኣይፈልጥ። ንእስራኤል ከኣ ኣይሓድግ።’

እቶም ህዝቢ ንየሆዋ ንምምላኽ ካብ ስራሕ ከብኵሩ ስለ ዝደለዩ ፈርኦን ተቘጥዐ። ስለዚ ኣብርቲዖም ክሰርሑ ኣገደዶም። እስራኤላውያን ካብቲ ናይ ቅድም ስለ ዝገደዶም ንሙሴ ወቐስዎ: ሙሴ ኸኣ ጐሃየ። የሆዋ ግን ኣይትሻቐል ኢሉ ነገሮ። የሆዋ ኸኣ ‘ፈርኦን ንህዝበይ ከም ዝሰዶም ክገብሮ ኢየ’ በለ።

ሙሴን ኣሮንን እንደገና ንፈርኦን ክረኽብዎ ከዱ። ኣብዚ ግዜ እዚ ተኣምራት ገበሩ። ኣሮን በትሩ ናብ ምድሪ ደርበየ: ዓባይ ተመን ከኣ ኰነት። እንተዀነ ግን: እቶም ናይ ፈርኦን ጠቢባን እውን ኣባትሮም ደርበዩ እሞ ኣትማን ኰና። ግናኸ ተዓዘብ እሞ! ናይ ኣሮን ተመን ንኣትማን ናይቶም ጠቢባን ትበልዕ ኣላ። ገና ግን ፈርኦን ንእስራኤላውያን ኣይሓደጎምን።

እቲ የሆዋ ንፍርኦን ዝምህረሉ ግዜ ድማ ኣኸለ። ከመይ ገይሩ ከም ዝገበሮ ትፈልጥዶ፧ ኣብ ግብጺ 10 መዓት ወይ ድማ ከቢድ ሽግራት ብምውራድ ኢዩ ገይርዎ።

ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚታት: እቲ መዓት ምስ ዝወርድ: ፈርኦን ንሙሴ ልኢኹ ከምዚ ይብሎ:⁠- ‘እቲ መዓት ደው ኣብሎ እሞ: ኣነ ኸኣ ንእስራኤላውያን ክኸዱ ከፍቅደሎም ኢየ።’ እንተዀነ ግን እቲ መዓት ምስ ኣልገሰ: ፈርኦን ሓሳቡ ይልውጥ። ነቶም ህዝቢ ኸኣ ክኸዱ ኣይሓድጎምን። ኣብ መወዳእታ ግን: ድሕሪ እቲ 10 መዓት ፈርኦን ንእስራኤላውያን ይኺዱ ሓደጐም።

ኵለን እተን 10 መዓት ትፈልጠንዶ፧ ናብታ እትቕጽል ገጽ ገንጽል እሞ ብዛዕብኡ እስከ ንማሃር።

ዘጸኣት 4:⁠27⁠-​31፣ 5:⁠1⁠-​23፣ 6:⁠1⁠-​13, 26⁠-​30፣ 7:⁠1⁠-​13

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ