ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 19 ገጽ 50-ገጽ 51 ሕ.ጽ. 2
  • እቲ ቐዳማይ ሰለስተ መዓት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ቐዳማይ ሰለስተ መዓት
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሙሴን ኣሮንን ምስ ፈርኦን ይራኸቡ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • እቲ ዝሰዓበ ሽዱሽተ መዓት
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ሙሴ ከምኡውን ኣሮን ተባዓት ኣወጅቲ ቃል ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ሙሴ ንየሆዋ ኼምልኽ መረጸ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 19 ገጽ 50-ገጽ 51 ሕ.ጽ. 2
ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ደው ይብሉ

ትምህርቲ 19

እቲ ቐዳማይ ሰለስተ መዓት

እስራኤላውያን ባሮት ኰይኖም ኪዓይዩ ተገዲዶም ነበሩ። የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ናብ ፈርኦን ከይዶም፡ ‘ኣብ በረኻ ንዓይ ምእንቲ ኼምልኹኒ፡ ንህዝበይ ስደዶም’ ኪብልዎ ለኣኾም። ፈርኦን ግና ብትዕቢት፡ ‘የሆዋ ዝበለ እንተ በለ ኣይዓጅበንን እዩ፣ ንእስራኤላውያን ከኣ ኣይሰድዶምን እየ’ ኢሉ መለሰሎም። ሽዑ፡ ፈርኦን ንእስራኤላውያን፡ ብግዲ ተወሳኺ ስራሕ ኣዕየዮም። የሆዋ ኸኣ ንፈርኦን ቀጽዖ። ከመይ ገይሩ ኸምኡ ኸም ዝገበረስ ትፈልጥዶ፧ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዓሰርተ መዓት ኣምጽአ። የሆዋ ንሙሴ፡ ‘ፈርኦን ምስማዕ ኣብዩ ኣሎ። ንግሆ፡ ኣብ ገምገም ፈለግ ኒል ክትረኽቦ ኢኻ። ናብኡ ኺድ እሞ፡ ንህዝበይ ኪኸዱ ስለ ዘይሓደጎም፡ ኣብ ኒል ዘሎ ዅሉ ማይ ናብ ደም ኪልወጥ ምዃኑ ንገሮ’ በሎ። ሙሴ ኸኣ ከምቲ እተባህሎ ናብ ፈርኦን ከደ። ፈርኦን ድማ፡ ኣሮን ንፈለግ ኒል በታ በትሪ ኺወቕዖ ኸሎ ረኣየ፣ ሽዑ እቲ ፈለግ ናብ ደም ተለወጠ። እቲ ፈለግ ከኣ ጨነወ፡ እቶም ዓሳ ድማ ሞቱ፡ ኣብ ፈለግ ኒል እውን ዚስተ ማይ ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ ፈርኦን ንእስራኤላውያን ኪኸዱ ምሕዳግ ኣበየ።

ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ መሊሱ ናብ ፈርኦን ልኢኹ፡ ‘ንህዝበይ ምስዳድ እንተ ኣቢኻ፡ ግብጺ ብቝርዖብ ክትመልእ እያ’ በሎ። ኣሮን ከኣ ነታ በትሩ ኣልዓላ፣ ቍርዖብ ድማ ነታ ምድሪ ሸፈናኣ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ነተን ቍርዖብ ኣብ ኣባይቶምን ኣብ ዓራውቶምን ኣብ ኣቕሑኦምን ይረኽብወን ነበሩ። ኣብ ኵሉ ድማ ቍርዖብ ነበራ! ፈርኦን ከኣ ንሙሴ፡ ነዚ መዓት እዚ ምእንቲ ኼብቅዕ ንየሆዋ ኺልምነሉ ሓተቶ። ንእስራኤላውያን ኪኸዱ ኸም ዚሓድጎም እውን ቃል ኣተወ። ስለዚ፡ የሆዋ ነቲ መዓት ደው ኣበሎ፣ እቶም ግብጻውያን ከኣ ነተን ዝሞታ ቝርዖብ ኣከብወን፣ ብዙሕ ኵምራታት ድማ ኰና። እታ ምድሪ ኸኣ ጨነወት። ፈርኦን ግና ነቶም ህዝቢ ምስዳዶም ኣበየ።

ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ ‘ኣሮን ብበትሩ ንምድሪ ይውቃዕ እሞ እቲ ደሮና ናብ ጻጹት ወይ ንኣሽቱ ዚናኸሱ ጽንጽያ ኪቕየር እዩ’ በሎ። ብኡብኡ ኣብ ኵሉ ቦታ ጻጹት ኰነ። ገሊኦም ግብጻውያን ከኣ ንፈርኦን፡ ‘እዚ መዓት እዚ ኻብ ኣምላኽ እዩ’ በልዎ። ፈርኦን ግና ንእስራኤላውያን ኪሰድዶም ፍቓደኛ ኣይኰነን።

ካብቲ ኣብ ግብጺ ዝወረደ ዓሰርተ መዓት እቲ ሰለስተ፦ ደም ኣብ ፈለግ ኒል፡ ቍርዖብ፡ ጻጹት

“ሓይለይን ብርታዐይን ከፍልጦም እየ፣ ስመይ የሆዋ ምዃኑ ድማ ኪፈልጡ እዮም።”—ኤርምያስ 16:21

ሕቶታት፦ እቲ ቐዳማይ ሰለስተ መዓት እንታይ እዩ ነይሩ፧ የሆዋ ነዚ መዓታት እዚ ዘምጽአ ስለምንታይ እዩ፧

ዘጸኣት 5:1-18፣ 7:8–8:19፣ ነህምያ 9:9, 10

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ