ዛንታ 37
ናይ ኣምልኾ ድንኳን
እዚ ህንጻ እዚ እንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧ ንየሆዋ ንምምላኽ ዝጠቅም ፍሉይ ድንኳን ኢዩ። ማሕደር ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ ኢዩ። እቶም ህዝቢ ካብ ግብጺ ድሕሪ ምውጽኦም ሓደ ዓመት ጸኒሖም ኢዮም ሰሪሖሞ። ክሰርሕዎ ናይ መን ሓሳብ ከም ዝነበረ ትፈልጥዶ፧
ሓሳብ የሆዋ ኢዩ ነይሩ። ሙሴ ኣብ ከረን ሲና ከሎ: የሆዋ ከመይ ገይሩ ክሰርሖ ከም ዘለዎ ነገሮ። ብቐሊሉ ክብተን ከም ዝኽእል ገይሩ ክሰርሖ ነገሮ። በዚ መገዲ እዚ ኸኣ እቲ ክፍልታት ናብ ካልእ ቦታ ክንቀሳቐስ: ኣብቲ ዝኸዶ ቦታ ኸኣ እንደገና ክትከል ይኽእል። ስለዚ እቶም እስራኤላውያን ኣብቲ በረኻ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ክንቀሳቐሱ ከለዉ: ነቲ ድንኳን ምስኦም ይማልእዎ ነበሩ።
ኣብ ውሽጢ እታ ኣብ ጫፍ እቲ ድንኳን ዘላ ንእሽቶ ክፍሊ እንተድኣ ርኢኻ ሓደ ሳጹን ወይ ሳንዱቕ ኣሎ። እዚ ታቦት ኪዳን ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ክልተ ጫፍ ብወርቂ እተሰርሑ ክልተ መላእኽቲ ወይ ክሩቤላት ኣለዉዎ። ሙሴ ነቲ ናይ መጀመርታ ጽላት ስለ ዝሰበሮ: ኣምላኽ እንደገና ነቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ኣብ ክልተ ጽላት እምኒ ጸሓፎ። እዚ ኣእማን እዚ ኸኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ታቦት ኪዳን ይቕመጥ ነበረ። ማና ዝሓዘ ፍዮ እውን ኣብ ውሽጢ እቲ ታቦት ነበረ። ማና እንታይ ምዃኑ ትዝክሮዶ፧
የሆዋ ሊቀ ኻህናት ክኸውን ዝሓረዮ ንኣሮን ሓዊ ሙሴ ኢዩ። እቶም ህዝቢ ንየሆዋ ከምልኹ ይመርሖም ነበረ። ደቁ እውን ካህናት ኢዮም ነይሮም።
ሕጂ ነታ ዝዓበየት ክፍሊ ናይቲ ድንኳን ርኣያ። ዕጽፊ ናይታ ንእሽቶ ክፍሊ ኢያ። እቲ ትኪ ዝወጾ ዘሎ ሳጹን ወይ ከኣ ሳንዱቕ ትርእዮዶ ኣሎኻ፧ እዚ ካህናት ነቲ ዕጣን ዝብሃል ጥዑም ዝጨኑ ነገር ዘትክኹሉ መሰውኢ ኢዩ። እቲ ሸውዓተ ቐንዴል ዘለዎ መቐመጢ ቀንዴል እውን ኣብኡ ኣሎ። ኣብቲ ኽፍሊ ዘሎ ሳልሳይ ነገር ከኣ ጣውላ ኢዩ። ኣብኡ ኸኣ 12 እንጌራ ይቕመጥ።
ኣብ መካበብያ ናይቲ ማሕደር ማይ ዝመልአ ዓቢ ገበራ ኣሎ። ካህናት ከኣ ንምሕጻብ ይጥቀሙሉ። ዓቢ መሰውኢ እውን ኣሎ። ኣብዚ እተሓርዱ እንስሳታት ከም መስዋእቲ ናብ የሆዋ ይሓሩ። እቲ ድንኳን ኣብ ማእከል እቲ ሰፈር ኢዩ ነይሩ: እስራኤላውያን ከኣ ኣብ ድንኳውንቶም ኣብ ዙርይኡ ይቕመጡ ነበሩ።