ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 37
  • ናይ ኣምልኾ ድንኳን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣምልኾ ድንኳን
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኣምልኾ ዚኸውን ማሕደር
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ዘጸኣት—ትሕዝቶ
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • ኣጋይሽ የሆዋ ንምዃን ዝቐረበልና ዓብዪ ዕድመ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 37

ዛንታ 37

ናይ ኣምልኾ ድንኳን

እዚ ህንጻ እዚ እንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧ ንየሆዋ ንምምላኽ ዝጠቅም ፍሉይ ድንኳን ኢዩ። ማሕደር ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ ኢዩ። እቶም ህዝቢ ካብ ግብጺ ድሕሪ ምውጽኦም ሓደ ዓመት ጸኒሖም ኢዮም ሰሪሖሞ። ክሰርሕዎ ናይ መን ሓሳብ ከም ዝነበረ ትፈልጥዶ፧

ሓሳብ የሆዋ ኢዩ ነይሩ። ሙሴ ኣብ ከረን ሲና ከሎ: የሆዋ ከመይ ገይሩ ክሰርሖ ከም ዘለዎ ነገሮ። ብቐሊሉ ክብተን ከም ዝኽእል ገይሩ ክሰርሖ ነገሮ። በዚ መገዲ እዚ ኸኣ እቲ ክፍልታት ናብ ካልእ ቦታ ክንቀሳቐስ: ኣብቲ ዝኸዶ ቦታ ኸኣ እንደገና ክትከል ይኽእል። ስለዚ እቶም እስራኤላውያን ኣብቲ በረኻ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ክንቀሳቐሱ ከለዉ: ነቲ ድንኳን ምስኦም ይማልእዎ ነበሩ።

ኣብ ውሽጢ እታ ኣብ ጫፍ እቲ ድንኳን ዘላ ንእሽቶ ክፍሊ እንተድኣ ርኢኻ ሓደ ሳጹን ወይ ሳንዱቕ ኣሎ። እዚ ታቦት ኪዳን ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ክልተ ጫፍ ብወርቂ እተሰርሑ ክልተ መላእኽቲ ወይ ክሩቤላት ኣለዉዎ። ሙሴ ነቲ ናይ መጀመርታ ጽላት ስለ ዝሰበሮ: ኣምላኽ እንደገና ነቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ኣብ ክልተ ጽላት እምኒ ጸሓፎ። እዚ ኣእማን እዚ ኸኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ታቦት ኪዳን ይቕመጥ ነበረ። ማና ዝሓዘ ፍዮ እውን ኣብ ውሽጢ እቲ ታቦት ነበረ። ማና እንታይ ምዃኑ ትዝክሮዶ፧

የሆዋ ሊቀ ኻህናት ክኸውን ዝሓረዮ ንኣሮን ሓዊ ሙሴ ኢዩ። እቶም ህዝቢ ንየሆዋ ከምልኹ ይመርሖም ነበረ። ደቁ እውን ካህናት ኢዮም ነይሮም።

ሕጂ ነታ ዝዓበየት ክፍሊ ናይቲ ድንኳን ርኣያ። ዕጽፊ ናይታ ንእሽቶ ክፍሊ ኢያ። እቲ ትኪ ዝወጾ ዘሎ ሳጹን ወይ ከኣ ሳንዱቕ ትርእዮዶ ኣሎኻ፧ እዚ ካህናት ነቲ ዕጣን ዝብሃል ጥዑም ዝጨኑ ነገር ዘትክኹሉ መሰውኢ ኢዩ። እቲ ሸውዓተ ቐንዴል ዘለዎ መቐመጢ ቀንዴል እውን ኣብኡ ኣሎ። ኣብቲ ኽፍሊ ዘሎ ሳልሳይ ነገር ከኣ ጣውላ ኢዩ። ኣብኡ ኸኣ 12 እንጌራ ይቕመጥ።

ኣብ መካበብያ ናይቲ ማሕደር ማይ ዝመልአ ዓቢ ገበራ ኣሎ። ካህናት ከኣ ንምሕጻብ ይጥቀሙሉ። ዓቢ መሰውኢ እውን ኣሎ። ኣብዚ እተሓርዱ እንስሳታት ከም መስዋእቲ ናብ የሆዋ ይሓሩ። እቲ ድንኳን ኣብ ማእከል እቲ ሰፈር ኢዩ ነይሩ: እስራኤላውያን ከኣ ኣብ ድንኳውንቶም ኣብ ዙርይኡ ይቕመጡ ነበሩ።

ዘጸኣት 25:⁠8⁠-​40፣ 26:⁠1⁠-​37፣ 27:⁠1⁠-​8፣ 28:⁠1፣ 30:⁠1⁠-​10, 17⁠-​21፣ 34:⁠1, 2፣ እብራውያን 9:⁠1⁠-​5

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ