ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 42
  • ሓንቲ ኣድጊ ትዛረብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓንቲ ኣድጊ ትዛረብ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣድጊ በላዓም ተዛረበት
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • የሱስ ከም ንጉስ ኰይኑ ይመጽእ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ዘሁልቍ—ትሕዝቶ
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • ካብ ኦሪት ዘሁልቍ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 42

ዛንታ 42

ሓንቲ ኣድጊ ትዛረብ

ኣድጊ ክትዛረብ ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ ‘ሰሚዐ ኣይፈልጥን ኢየ። እንስሳታት ኣይዛረቡን ኢዮም’ ትብል ትኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብዛዕባ ሓንቲ እተዛረበት ኣድጊ ይነግር። ከመይ ኢሉ ከምኡ ከም ዝዀነ እስከ ንርአ።

እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ከነኣን ክኣትዉ ዳርጋ ተቐሪቦም ኢዮም ነይሮም። ባላቅ ንጉስ ሞኣብ ከኣ ንእስራኤላውያን ፈርሖም። ስለዚ ናብ ሓደ በላዓም እተባህለ ጥበበኛ ሰብኣይ ልኢኹ ንእስራኤላውያን ክረግሞም ጸውዖ። ባላቅ ንበላዓም ብዙሕ ገንዘብ ክህቦ ተመባጽዓሉ: ስለዚ በላዓም ኣብ ኣድጉ ተወጢሑ ናብ ባላቅ ንምኻድ ጕዕዝኡ ጀመረ።

የሆዋ ህዝቡ ብበላዓም ክርገሙ ኣይደለየን። ስለዚ ኣብ መገዲ ንበላዓም ጠጠው ምእንቲ ከብሎ ሓደ ነዊሕ ሴፍ ዝሓዘ መልኣኽ ሰደደ። በላዓም ነቲ መልኣኽ ክርእዮ ኣይከኣለን: እታ ኣድጉ ግን ረኣየቶ። ስለዚ እታ ኣድጊ ደጋጊማ ካብቲ መልኣኽ ክትርሕቕ ፈተነት: ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ ኣብቲ መገዲ በጥ በለት። በላዓም ኣዝዩ ሓረቐ: ስለዚ ነታ ኣድጉ ብበትሪ ገይሩ መመሊሱ ወቕዓ።

ብድሕርዚ የሆዋ ንበላዓም ኣድጉ ከም እትዛረቦ ገበረ። እታ ኣድጉ ኸኣ ‘ዝወቓዕካኒ እንታይ ገይረካ ኢየ፧’ በለቶ።

በላዓም ከኣ ‘ስለ ዘላገጽክለይ። ኣብ ኢደይ ሴፍ እንተ ዝነብርኒ ምቐተልኩኺ ነይረ’ በላ።

እታ ኣድጊ ‘ኸምዚ ገይረካዶ እፈልጥ እየ፧’ ኢላ ሓተተቶ።

በላዓም ከኣ ‘ኣይፋልክን’ በላ።

ብድሕርዚ የሆዋ: በላዓም ነቲ ሴፍ ሒዙ ኣብ መገዲ ደው ኢሉ ዝነበረ መልኣኽ ከም ዝርእዮ ገበሮ። እቲ መልኣኽ ከኣ ከምዚ በለ:⁠-‘ስለምንታይ ኢኻ ንኣድግኻ ዝወቓዕካያ፧ ንእስራኤል ክትረግም ምኻድ ስለ ዘይግብኣካ መገድኻ ክኽልክል መጻእኩ። ኣድግኻ ካብ ቅድመይ እንተ ዘይተልግስ: ንኣድግኻ ገዲፈ ንዓኻ ምቐተልኩኻ ነይረ።’

በላዓም ከኣ ‘በደልኩ። ኣብ መገዲ ደው ከም ዝበልካ ኣይፈለጥኩን’ በሎ። እቲ መልኣኽ ከአ ንበላዓም ክኸይድ ሓደጎ: በላዓም ከኣ ናብ ባላቅ ከደ። ገና ንእስራኤል ክረግም ፈተነ: የሆዋ ግን ኣብ ክንዲ መርገም ሰለስተ ግዜ ከም ዝምርቖም ገበሮ።

ዘሁልቍ 21:⁠21⁠-​35፣ 22:⁠1⁠-​40፣ 23:⁠1⁠-​30፣ 24:⁠1⁠-​25

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ