ዘሁልቍ ትሕዝቶ 1 ሰብኡት ኣብ ሰራዊት ተመዝገቡ (1-46) ሌዋውያን ኣብ ሰራዊት ኣይተመዝገቡን (47-51) ስርዓታዊ ኣሰፋፍራ (52-54) 2 በብጕጅለ ሰለስተ ነገድ እተወደበ ሰፈር (1-34) ጕጅለ ይሁዳ ብምብራቕ ሰፈረ (3-9) ጕጅለ ሮቤል ብደቡብ ሰፈረ (10-16) ሰፈር ሌዊ ኣብ ማእከል ኰነ (17) ጕጅለ ኤፍሬም ብምዕራብ ሰፈረ (18-24) ጕጅለ ዳን ብሰሜን ሰፈረ (25-31) ድምር እተመዝገቡ ሰብኡት (32-34) 3 ደቂ ኣሮን (1-4) ሌዋውያን ኬገልግሉ ተሓርዩ (5-39) ምብጃው በዅራት (40-51) 4 ኣገልግሎት ቀሃታውያን (1-20) ኣገልግሎት ጌርሾናውያን (21-28) ኣገልግሎት መራራውያን (29-33) ክለሳ እቲ ቘጸራ (34-49) 5 ንርኹስ ምውሻብ (1-4) ኑዛዘን ካሕሳን (5-10) ብዝሙት ንእተጠርጠረት ብማይ ምፍታን (11-31) 6 መብጽዓ ናዝራውነት (1-21) ካህናት ዚባርኽዎ በረኸት (22-27) 7 ንመመረቕታ ማሕደር ዝቐረበ መባእ (1-89) 8 ኣሮን ሸውዓተ ቐንዴል ኣብርሀ (1-4) ሌዋውያን ነጽሁ፣ ኬገልግሉ ጀመሩ (5-22) ኣብ ኣገልግሎት ሌዋውያን እተገብረ ቐይዲ ዕድመ (23-26) 9 መሰናድዎ ድሒሩ ዚግበር ፋስጋ (1-14) ደበናን ሓውን ኣብ ልዕሊ ማሕደር (15-23) 10 መለኸታት ብሩር (1-10) ንቕሎ ኻብ ሲና (11-13) ስርዓት ጕዕዞ (14-28) ሖባብ ንእስራኤል ኪመርሕ ተሓትተ (29-34) ኪነቕሉ ኸለዉ፡ ሙሴ ዚጽልዮ ዝነበረ ጸሎት (35, 36) 11 ብሰንኪ ምጕርምራሞም፡ ሓዊ ኻብ ኣምላኽ ወረደ (1-3) እቲ ህዝቢ ስጋ ደልዩ በኸየ (4-9) ሙሴ ዘይብቑዕ ኰይኑ ተሰምዖ (10-15) የሆዋ ን70 ዓበይቲ፡ መንፈሱ ሃበ (16-25) ኤልዳድን ሜዳድን፣ እያሱ ስለ ሙሴ ቐንአ (26-30) ብርኒጎ ተሰድዳ፣ ህዝቢ ብሰንኪ ስስዐ ተቐጽዐ (31-35) 12 ሚርያምን ኣሮንን ንሙሴ ተጻረርዎ (1-3) ሙሴ፡ ካብ ኵሉ ሰብ ዓቃል (3) የሆዋ ንሙሴ ተማጐተሉ (4-8) ሚርያም ብደዌ ተወቕዐት (9-16) 13 ናብ ከነኣን እተላእኩ 12 ሰለይቲ (1-24) ዓሰርተ ሰለይቲ ሕማቕ ወረ ኣምጽኡ (25-33) 14 እቲ ህዝቢ ናብ ግብጺ ኺምለስ ደለየ (1-10) ጽቡቕ ወረ እያሱን ካሌብን (6-9) የሆዋ ተቘጥዐ፣ ሙሴ ለመነ (11-19) መቕጻዕቲ፦ 40 ዓመት ኣብ በረኻ (20-38) ደቂ እስራኤል ብኣማሌቃውያን ተሳዕሩ (39-45) 15 ሕጊ መስዋእቲ (1-21) ንደቂ ዓድን ንስደተኛታትን ሓደ ሕጊ (15, 16) መስዋእቲ እቲ ብዘይፍላጥ ዚግበር ሓጢኣት (22-29) መቕጻዕቲ እቲ ብፍላጥ ዚግበር በደል (30, 31) ሰንበት ዝጠሓሰ ተቐትለ (32-36) ኣብ ወሰን ክዳውንቲ ዘፈር ይገበር (37-41) 16 ዕልወት ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን (1-19) ፍርዲ ኣብቶም ዓለወኛታት (20-50) 17 ዝጠጥዐት በትሪ ኣሮን ምልክት ኰነት (1-13) 18 ዕዮ ኻህናትን ሌዋውያንን (1-7) እጃም ካህናት (8-19) ኪዳን ጨው (19) ሌዋውያን ዕሽር ከም ዚቕበሉን ከም ዚህቡን (20-32) 19 ጣላ ላምን ዜንጽህ ማይን (1-22) 20 ሚርያም ኣብ ቃዴስ ሞተት (1) ሙሴ ኸውሒ ወቕዐን ሓጥአን (2-13) ኤዶም ንደቂ እስራኤል ምሕላፍ ከልኦም (14-21) ሞት ኣሮን (22-29) 21 ንጉስ ዓራድ ተሳዕረ (1-3) ተመን ነሓሲ (4-9) ደቂ እስራኤል ብሞኣብ ዞሩ (10-20) ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ተሳዕረ (21-30) ዖግ ንጉስ ኣሞራውያን ተሳዕረ (31-35) 22 ባላቅ ንበላዓም ቈጸሮ (1-21) ኣድጊ በላዓም ተዛረበት (22-41) 23 ቀዳማይ ምስላ በላዓም (1-12) ካልኣይ ምስላ በላዓም (13-30) 24 ሳልሳይ ምስላ በላዓም (1-11) ራብዓይ ምስላ በላዓም (12-25) 25 እስራኤል ብኣዋልድ ሞኣብ ሓጥአ (1-5) ፊንሃስ ስጕምቲ ወሰደ (6-18) 26 ነገዳት እስራኤል ካልኣይ ሳዕ ተቘጽሩ (1-65) 27 ኣዋልድ ጸሎፍሓድ (1-11) እያሱ ንሙሴ ኺትክኦ ተመዘዘ (12-23) 28 ስርዓት እተፈላለየ መስዋእቲ (1-31) መዓልታዊ መስዋእቲ (1-8) መስዋእቲ ሰንበት (9, 10) ወርሓዊ መስዋእቲ (11-15) መስዋእቲ ፋስጋ (16-25) መስዋእቲ በዓል ሰሙናት (26-31) 29 ስርዓት እተፈላለየ መስዋእቲ (1-40) መዓልቲ ደሃይ መለኸት (1-6) መዓልቲ ዕርቂ (7-11) በዓል ዳስ (12-38) 30 ሰብ ዚኣትዎ መብጽዓ (1, 2) ኣንስትን ኣዋልድን ዚኣትዋኦ መብጽዓ (3-16) 31 ንሚድያን ሕነ ምፍዳይ (1-12) በላዓም ተቐትለ (8) ትእዛዝ ብዛዕባ ኣብ ውግእ እተዘምተ (13-54) 32 ሰፈራት ብምብራቕ ዮርዳኖስ (1-42) 33 ደቂ እስራኤል ኣብ በረኻ እተጓዕዝዎ ጕዕዞ (1-49) ከነኣን ንምሓዝ እተዋህበ ትእዛዝ (50-56) 34 ዶባት ከነኣን (1-15) ነታ ምድሪ ኺመቕሉ እተመዘዙ ሰባት (16-29) 35 ከተማታት ሌዋውያን (1-8) ከተማታት ዕቝባ (9-34) 36 ወረስቲ ንዝዀና ኣዋልድ እተዋህበ ሕጊ መርዓ (1-13)