ዛንታ 40
ሙሴ ነቲ ከውሒ ይወቕዖ
ሓደ ዓመት ነቲ ሓደ ዓመት ስዒቡ ይሓልፍ: 10 ዓመት: 20 ዓመት: 30 ዓመት: 39 ዓመት ይሓልፍ! እስራኤላውያን ከኣ ገና ኣብቲ በረኻ ኢዮም ዘለዉ። ኣብዚ ዅሉ ዓመታት ግን የሆዋ ንህዝቡ ይኣልዮም። ብማና ይቕልቦም። መዓልቲ ብዓንዲ ደበና: ለይቲ ኸኣ ብዓንዲ ሓዊ ይመርሖም ነበረ። ኣብዚ ኵሉ ዓመታት ከኣ ክዳውንቶም ኣይበለየን ኣእጋሮም ድማ ኣይቈሰለን።
እስራኤላውያን ንግብጺ ካብ ዝሓድግዋ ናይ መበል 40 ዓመት መጀመርታ ወርሒ ኰነ። እስራኤላውያን ከኣ እንደገና ኣብ ቃዴስ ሰፈሩ። ቅድሚ 40 ዓመት ኣቢሉ እቶም 12 ሰለይቲ ንምድሪ ከነኣን ክስልይዋ እተላእኩ ኣብዚ ቦታ እዚ ኢዩ ነይሩ። ሚርያም ሓፍቲ ሙሴ ኣብ ቃዴስ ሞተት። ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ ኸኣ ኣብዚ ቦታ እዚ ሽግር ይፍጠር።
እቶም ህዝቢ ማይ ሰኣኑ። ንሙሴ ድማ ከምዚ ብምባል የጕረምርሙሉ:- ‘ሞይትና ነይርና እንተንኸውን ምሓሸና። ካብ ግብጺ ኣውጺእካ ኣብዛ ዋላ ሓንቲ ዘይበቝላ ምድሪ ስለንምታይ ኣምጻእካና፧ እኽሊ: በለስ: ወይኒ: ሮማን የብላን። ዝስተ ማይ እውን የብላን።’
ሙሴን ኣሮንን ክጽልዩ ናብቲ ማሕደር ምስ ከዱ: የሆዋ ንሙሴ ‘ነቶም ህዝቢ ኣክቦም። ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ነቲ ከውሒ ተዛረብዎ። ነቶም ህዝብን ነቶም እንስሳታትን ዝኸውን እኹል ማይ ካብኡ ክወጽእ ኢዩ’ በሎ።
ሙሴ ኸኣ ነቶም ህዝቢ ኣከቦም: እሞ ከምዚ በሎም:- ‘ኣቱም ኣብ ኣምላኽ ትውክልቲ ዘይብልኩም ሰባት ሕጂ ስምዑ! ኣነን ኣሮንንዶ ካብዚ ከውሒ እዚ ማይ ከነውጽኣልኩም ኢና፧’ ብድሕርዚ ሙሴ ነቲ ከውሒ ብበትሩ ክልተ ግዜ ወቕዖ: ብዙሕ ማይ ከኣ ካብቲ ከውሒ ወሓዘ። ንዅሎም ሰባትን እንስሳታትን ዝኸውን እኹል ማይ ድማ ተረኽበ።
የሆዋ ግን ብሙሴን ኣሮንን ተቘጥዐ። ስለምንታይ ተቘጢዑ ይመስለካ፧ ሙሴን ኣሮንን ንሕና ካብቲ ከውሒ ማይ ከነውጽእ ኢና ስለ ዝበሉ ኢዩ። ብሓቂ ግን የሆዋ ኢዩ ከምኡ ዝገበረ። ሙሴን ኣሮንን ብዛዕባ እዚ ሓቂ ስለ ዘይተዛረቡ: የሆዋ ክቐጽዖም ምዃኑ ተዛረበ። ‘ንህዝበይ ናብ ከነኣን ኣይተእትውዎን ኢኹም’ ከኣ በሎም።
ድሕሪ ቍሩብ ግዜ እስራኤላውያን ንቃዴስ ሓደግዋ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኸኣ ናብ ከረን ሆር መጹ። ኣብ ልዕሊ እዚ ኸረን እዚ ኣሮን ሞተ። ክመውት ከሎ ወዲ 123 ዓመት ኰይኑ ነበረ። እስራኤላውያን ኣዝዮም ሓዘኑ: ስለዚ ድማ እቶም ህዝቢ ን30 መዓልትታት ንኣሮን በኸዩሉ። ብድሕሪኡ ኸኣ ወዱ ኣልኣዛር ሊቀ ካህናት ናይ ህዝቢ እስራኤል ኰነ።