ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 15/5 ገጽ 21
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መብጽዓኦም ኣፍረሱ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ሙሴ ከምኡውን ኣሮን ተባዓት ኣወጅቲ ቃል ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ሙሴን ኣሮንን ዓብዪ ትብዓት ኣርእዮም
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ሙሴ ነቲ ከውሒ ይወቕዖ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 15/5 ገጽ 21

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

የሆዋ፡ ኣምልኾ ጣኦት ዚኽልክል ካብ ኰነ፡ ነቲ ምራኽ ወርቂ ዝሰርሐ ኣሮን ዘይቀጽዖ ስለምንታይ እዩ፧

ኣሮን ከምቲ ኣብ ዘጸኣት ምዕራፍ 32 ተገሊጹ ዘሎ ምራኽ ወርቂ ምስ ሰርሐ፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ኣምልኾ ጣኦት ዝሃቦም ሕጊ እዩ ጥሒሱ። (ዘጸ. 20:3-5) በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሆዋ ንኣሮን ‘ኣዝዩ ተቘጥዖ፡ ኬጥፍኦውን ደለየ። በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ሙሴ ምእንቲ ኣሮን ለመነ።’ (ዘዳ. 9:19, 20) ጸሎት እቲ ጻድቕ ዝነበረ ሙሴ ንኣሮን ‘ብዙሕ ኣስሊጣትሉ’ ድያ፧ (ያእ. 5:16) እወ። የሆዋ ብምኽንያት እዚ ዝቐረበሉ ልመናን እንተ ወሓደ ብኽልተ ኻልእ ምኽንያታትን፡ ንጸሎት ሙሴ ምላሽ ዝሃበሉ እዩ ዚመስል፣ ንኣሮን ከኣ ኣይቀጽዖን።

እቲ ሓደ ምኽንያት፡ ምስቲ ኣሮን ዝነበሮ ተኣማንነት እተተሓሓዘ እዩ ዚመስል። ሙሴ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ኪቐርብን ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኼውጽኦምን ምስ ተመዘዘ፡ የሆዋ ንኣሮን፡ ንሙሴ ኼሰንዮን ኣፈኛኡ ኪኸውንን ሸሞ። (ዘጸ. 4:10-16) ፈርኦን ተሪር ዝልቡ ሰብ እኳ እንተ ነበረ፡ ሙሴን ኣሮንን ብተኣዛዝነት ኣብ ቅድሚኡ ብተደጋጋሚ ቐረቡ። ስለዚ፡ ኣሮን ኣብ ግብጺ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንየሆዋ ብተኣማንነትን ብጽንዓትን ዜገልግል ዝነበረ ሰብ እዩ ነይሩ።—ዘጸ. 4:21።

ኣሮን ነቲ ምራኽ ወርቂ ኺሰርሕ ዝደረኾ ዅነታት እውን ኣብ ግምት ነእቱ። ሙሴ ን40 መዓልቲ ናብ ከረን ሲና ደዪቡ ነበረ። ‘እቶም ህዝቢ ኸኣ ሙሴ ኻብ ከረን ከይወረደ ኸም ዝደንጐየ ምስ ረኣዩ፡’ ናብ ኣሮን ቀሪቦም፡ ጣኦት ኪሰርሓሎም ኣእመንዎ። ኣሮን ምሳታቶም ተሓባቢሩ፡ ምራኽ ወርቂ ሰርሐ። (ዘጸ. 32:1-6) እቲ ኣሮን ብድሕሪኡ ዝገበሮ ተግባራት ግን፡ ካብ ልቡ ነቲ ኣምልኾ ጣኦት ይድግፎ ኸም ዘይነበረ ይሕብር። ጸቕጢ ምስ በዝሖ እዩ፡ ተምበርኪኹ ኪኸውን ዘለዎ። ንኣብነት፡ ሙሴ ነቲ ንኣምልኾ ጣኦት ዚምልከት ጕዳይ መዕለቢ ኺገብረሉ ምስ ወሰነ፡ ኵሎም ደቂ ሌዊ፡ እንተላይ ኣሮን፡ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ቘሙ። በቲ ኣምልኾ ጣኦት ኣውራ ተሓተትቲ ዝነበሩ ሰለስተ ሽሕ መምለኽቲ ጣኦት ተቐትሉ።—ዘጸ. 32:25-29።

ድሕሪኡ፡ ሙሴ ነቶም ህዝቢ፡ “ንስኻትኩም ዓብዪ ሓጢኣት ገበርኩም” በሎም። (ዘጸ. 32:30) ስለዚ፡ በቲ እተገብረ ኣበሳ ብእተወሰነ ደረጃ ተሓታቲ ዝነበረ፡ ኣሮን ጥራይ ኣይኰነን። ንሱን እቲ ህዝብን ካብቲ ዓብዪ ምሕረት የሆዋ ተጠቒሞም እዮም።

እዚ ዅሉ ድሕሪ ምዃኑ፡ ኣሮን ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ኪሽየም፡ የሆዋ ትእዛዝ ሃበ። ንሙሴ፡ “ንኣሮን እቲ ቅዱስ ኣልባስ ከዲንካ ድማ ካህነይ ኪኸውን፡ ቅብኣዮን ቀድሶን” በሎ። (ዘጸ. 40:12, 13) የሆዋ ነቲ ኣሮን ብሰንኪ ድኽመቱ ዝፈጸሞ ኣበሳ፡ ይቕረ ኢሉሉ ኪኸውን ኣለዎ። ኣሮን ብልቡ እሙን ደጋፊ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ደኣ ኣምበር፡ ዓለወኛ መምለኺ ጣኦት ኣይነበረን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ