ትምህርቲ 24
መብጽዓኦም ኣፍረሱ
የሆዋ ንሙሴ፡ ‘ናባይ ናብዚ ኸረን ደይብ። ሕግታተይ ኣብ ጽላት እምኒ ጽሒፈ ኽህበካ እየ’ በሎ። ሙሴ ኸኣ ናብቲ ኸረን ደየበ፣ ኣብኡ ድማ 40 መዓልትን ለይትን ጸንሐ። ኣብኡ ኸሎ ኸኣ፡ የሆዋ ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት ኣብ ክልተ ጽላት እምኒ ጽሒፉ ንሙሴ ሃቦ።
ድሕሪ እተወሰነ ግዜ፡ እስራኤላውያን፡ ሙሴ ሓዲግዎም ዝኸደ መሰሎም። ንኣሮን ከኣ፡ ‘ዚመርሓና ንደሊ ኢና። ኣምላኽ ግበረልና!’ በልዎ። ኣሮን ድማ፡ ‘ኣዋርቕኩም ሃቡኒ’ በሎም። ነቲ ወርቂ ኣምኪኹ ኸኣ፡ ምስሊ ምራኽ ገበሮ። እቶም ህዝቢ ድማ፡ ‘እዚ ምራኽ እዚ፡ ካብ ግብጺ ዘውጽኣና ኣምላኽና እዩ’ በሉ። ነቲ ምራኽ ወርቂ ኼምልኽዎ ጀመሩ፣ በዓል እውን ገበሩ። እዝስ ጌጋ ድዩ ነይሩ፧ እወ፡ ምኽንያቱ እቶም ህዝቢ ንየሆዋ ጥራይ ከም ዜምልኹ ተመባጺዖም ነይሮም እዮም። ምስሊ ኼምልኹ ኸለዉ ግና፡ መብጽዓኦም እዮም ዜፍርሱ ነይሮም።
የሆዋ ኸኣ እንታይ ይኸውን ከም ዝነበረ ረኣየ እሞ ንሙሴ፡ ‘ናብቲ ህዝቢ ውረድ። ትእዛዘይ ኣፍሪሶም ናይ ሓሶት ኣምላኽ የምልኹ ኣለዉ’ በሎ። ሙሴ ድማ ነተን ክልተ ጽላት እምኒ ሒዙ ኻብቲ ኸረን ወረደ።
ሙሴ ናብቲ ሰፈር ምስ ቀረበ፡ እቶም ህዝቢ ኺደርፉ ሰምዐ። ድሕሪኡ፡ ኪስዕስዑን ነቲ ምራኽ ኪሰግዱሉን ረኣየ። ሙሴ በዚ ኣዝዩ ተቘጥዐ። ነተን ክልተ ጽላት እምኒ ኸኣ ናብ ምድሪ ደርበየን እሞ ተሰብራ። ብኡብኡ ድማ ነቲ ምስሊ ሰባበሮ። ድሕሪኡ ንኣሮን፡ ‘ከምዚ ዝበለ ሕማቕ ነገር ክትገብርሲ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ኸመይ ገይሩ እዩ ኣእሚኑካ፧’ በሎ። ኣሮን ከኣ፡ ‘ኣይትቈጣዕ። ነዚ ህዝቢ እዚ ትፈልጦ ኢኻ። ንሳቶም ኣምላኽ ክገብረሎም ደልዮም፣ ኣነ ድማ ንኣዋርቖም ናብ ሓዊ ምስ ደርበኽዎ፡ እዚ ምራኽ እዚ ወጺኡ’ በሎ። ኣሮን ከምኡ ኺገብር ኣይነበሮን። ሙሴ ኸኣ ተመሊሱ ናብቲ ኸረን ደየበ፣ ንየሆዋ እውን ነቲ ህዝቢ ይቕረ ኺብለሉ ለመኖ።
የሆዋ ነቶም ኪእዘዝዎ ፍቓደኛ ዝዀኑ ይቕረ በለሎም። እሞኸ እስራኤላውያን ንመሪሕነት ሙሴ ኺስዕቡ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑስ ኻብዚ ኽትርኢ ትኽእልዶ፧
“ኣምላኽ ብዓያሹ ባህ ኣይብሎን እዩ እሞ፡ ንዕኡ እንተ ተመባጺዕካሉ፡ ንምፍጻሙ ኣይትደንጒ። ነቲ እተመባጻዕካዮ፡ ፈጽሞ።”—መክብብ 5:4