ዛንታ 36
ብወርቂ እተሰርሐ ምራኽ
እዋይ: እዋይ! እዞም ህዝቢ እንታይ ኢዮም ዝገብሩ ዘለዉ፧ ናብ ምራኽ ይጽልዩ ኣለዉ! ከምኡ ዝገብሩ ዘለዉ ስለምንታይ ኢዮም፧
ሙሴ ንነዊሕ ግዜ ኣብቲ ከረን ምስ ጸንሐ: እቶም ህዝቢ ‘ሙሴ እንታይ ከም ዘጋጠሞ ኣይንፈልጥን ኢና። ስለዚ ካብዚ ምድሪ እዚ ዝመርሓና ኣምላኽ ንግበር’ በሉ።
ኣሮን ሓዊ ሙሴ ኸኣ: ‘ሕራይ። ናይ እዝኒ ኣዋርቕኩም ኣምጽኡለይ’ በሎም። እቶም ህዝቢ ምስ ኣምጽኡሉ ኸኣ: ኣሮን ኣምኪኹ ብወርቂ እተሰርሐ ምራኽ ገበረሎም። እቶም ህዝቢ ኸኣ ‘ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ኣምላኽና እዚ ኢዩ!’ በሉ። ብድሕርዚ እስራኤላውያን ዓቢ በዓል ገበሩ: ነቲ ምራኽ ከኣ ኣምለኹ።
የሆዋ እዚ ምስ ረኣየ ኣዝዩ ተቘጥዐ። ስለዚ ንሙሴ ከምዚ በሎ:- ‘ቀልጥፍ: ኪድ ውረድ። እቶም ህዝቢ በዲሎም። ሕግታተይ ረሲዖም ብወርቂ ንእተሰርሐ ምራኽ ይሰግዱ ኣለዉ።’
ሙሴ ብቕልጡፍ ካብቲ ከረን ወረደ። ምስ ቀረበ ኸኣ ነዚ ኢዩ ዝረኣየ። እቶም ህዝቢ ኣብ ዙርያ እቲ ምራኽ ይደርፉን: ይስዕስዑን ኣለዉ! ሙሴ ኣዝዩ ስለ እተቘጥዐ ነቲ ሕጊ ዝሓዘ ክልተ ጽላት እምኒ ደርበዮ እሞ ሕምሽሽ ኢሉ ተሰባበረ። ነቲ ብወርቂ እተሰርሐ ምራኽ ወሲዱ ኸኣ ኣምከኾ። ብድሕርዚ ጥሒኑ ኣድከሞ።
እቶም ህዝቢ ኣዝዩ እኩይ ነገር ኢዮም ገይሮም። ስለዚ ሙሴ ንገለ ካብቶም ህዝቢ ኣስያፎም ከልዕሉ ነገሮም። ‘እቶም ነቲ ብወርቂ እተሰርሐ ምራኽ ዘምለኹ እኩያት ሰባት ክሞቱ ኣለዎም’ ከኣ በለ። ስለዚ ኸኣ እቶም ሰብኡት 3,000 ሰባት ቀተሉ! እዝስ ንየሆዋ እምበር ንኻልእ ናይ ሓሶት ኣምላኽ ከነምልኽ ከም ዘይብልና ዘርኢዶ ኣይኰነን፧