ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 10-11
ሙሴን ኣሮንን ዓብዪ ትብዓት ኣርእዮም
ሙሴን ኣሮንን፡ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ዓለም ሓያል ገዛኢ ዝነበረ ፈርኦን ኬዘራርብዎ ኸለዉ ዓብዪ ትብዓት ኣርእዮም እዮም። ከምኡ ኺገብሩ ዘኽኣሎም እንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሙሴ፡ “ነቲ ዘይርአስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ስለ ዝጸንዐ፡ ንቝጥዓ እቲ ንጉስ ከይፈርሀ፡ ብእምነት ንግብጺ ሓዲግዋ እዩ” ይብል። (እብ 11:27) ሙሴን ኣሮንን ኣብ የሆዋ ድልድልቲ እምነት ስለ ዝነበረቶም፡ ኣብኡ ተወኪሎም እዮም።
ንሓደ ብዓል ስልጣን ብዛዕባ እምነትካ ኽትገልጸሉ ትብዓት ዜድልየካ፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዩ፧