ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 43
  • እያሱ መራሒ ይኸውን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እያሱ መራሒ ይኸውን
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ንእያሱ መረጾ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • እያሱ ዘይረስዖ ነገራት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ሙሴ ነቲ ከውሒ ይወቕዖ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • እቶም 12 ሰለይቲ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 43

ዛንታ 43

እያሱ መራሒ ይኸውን

ሙሴ ምስ እስራኤላ​ውያን ከነኣን ክኣቱ ደለየ። ስለዚ ኸኣ ‘ነዛ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዘላ ጽብቕቲ ምድሪ ክርኢ ኣሕልፈኒ’ ብምባል ለመነ። የሆዋ ግን ‘ይኣኽለካ! በዚ ነገር እዚ መሊስካ ኣይትዛረበኒ’ ኢሉ መለሰሉ። የሆዋ ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝበ​ለስ ትፈልጥዶ፧

ሙሴ ነቲ ከውሒ ክወቕዖ ከሎ ብእተፈጸመ ነገር ኢዩ። ንሱን ኣሮንን ንየሆዋ ከም ዘየኽበርዎ ትዝክሮ ኢኻ። ነቶም ህዝቢ ካብቲ ከውሒ ማይ ዘውጽአ የሆዋ ምዃኑ ኣይነገርዎምን። በዚ ምኽንያት እዚ የሆዋ ናብ ከነኣን ከም ዘይኣትዉ ነገሮም።

ስለዚ ሒደት ኣዋርሕ ኣሮን ድሕሪ ሙማቱ የሆዋ ንሙሴ ከምዚ ኢሉ ነገሮ:⁠- ‘ንእያሱ ውሰዶ: ኣብ ቅድሚ ካህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝብን ከኣ ደው ኣብሎ። ኣብ ቅድሚኦም ድማ እያሱ ሓድሽ መራሒ ምዃኑ ንገር።’ ኣብዚ ስእሊ ከም እትርእዮ: ሙሴ ልክዕ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ገበረ።

ድሕርዚ የሆዋ ንእያሱ ‘ጽናዕ: ትባዕ። ንደቂ እስራኤል ናብታ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ከነኣን እተእትዎም ንስኻ ኢኻ: ኣነውን ምሳኻ ክኸውን ኢየ’ በሎ።

ድሕርዚ የሆዋ ንሙሴ ናብቲ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ዝርከብ ከረን ኔቦ ክድይብ ነገሮ። ካብኡ ሙሴ ነታ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዘላ ጽብቕቲ ምድሪ ከነኣን ኣማዕድዩ ረኣያ። የሆዋ ኸኣ ‘እታ ንዘርኢ ኣብርሃም: ይስሃቅ: ከምኡውን ያእቆብ ክህቦም እተመባጻዕኩሎም ምድሪ እዚኣ ኢያ። ብዓይንኻ ክትርእያ ኢኻ: ናብኣ ግና ኣይትኣቱን ኢኻ’ በሎ።

ኣብኡ ኣብ ርእሲ ከረን ኔቦ ሙሴ ሞተ። ወዲ 120 ዓመት ኢዩ ነይሩ። ገና ሓያል ነበረ ኣዒንቱ እውን ኣይሓመቓን። እቶም ህዝቢ ሙሴ ስለ ዝሞተ ኣዝዮም ጐሃዩ በኸዩ ድማ። እንተዀነ ግን: ንእያሱ ሓድሽ መራሒ ብምርካቦም ሕጕሳት ኢዮም።

ዘሁልቍ 27:⁠12⁠-​23፣ ዘዳግም 3:​23⁠-⁠29፣ 31:⁠1⁠-​8, 14⁠-​23፣ 32:⁠45⁠-​52፣ 34:⁠1⁠-​12

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ