ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 38
  • እቶም 12 ሰለይቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቶም 12 ሰለይቲ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቶም ዓሰርተው ክልተ ሰለይቲ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • እያሱ መራሒ ይኸውን
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ሙሴ ነቲ ከውሒ ይወቕዖ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ረሃብ ነቶም ሰለይቲ ትሓብኦም
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 38

ዛንታ 38

እቶም 12 ሰለይቲ

እዞም ሰባት ተሰኪሞሞ ዘለዉ ፍረ ርኣዮ። እቲ ዘለላ ወይኒ ክሳዕ ክንደይ ዓቢ ምዃኑ እሞ ኣስተብህለሉ። ብመጾሪ ዘንጊ ገይሮም ክልተ ሰብኡት ኢዮም ክስከምዎ ዝኽእሉ። ነቲ በለስን ሮማንን ከኣ እሞ ርኣዮ። እዚ ጽቡቕ ፍረታት እዚ ካበይ ዝመጸ ኢዩ፧ ካብ ምድሪ ከነኣን ዝመጸ ኢዩ። ከነኣን ሓደ ግዜ ኣብርሃም: ይስሃቅ: ከምኡውን ያእቆብ ዝነብርዋ ዝነበሩ ቦታ ምዃና ዘክር። እንተዀነ ግን: ብምኽንያት እቲ ኣብኡ ዝወረደ ጥሜት: ያእቆብ ምስ ስድራቤቱ ናብ ግብጺ ከደ። ሕጂ ዳርጋ ድሕሪ 216 ዓመታት: ሙሴ ንእስራኤላውያን ናብ ከነኣን ክምለሱ ይመርሖም ኣሎ። ኣብቲ በረኻ ኣብ ቃዴስ እተባህለ ቦታ በጽሑ።

ኣብ ምድሪ ከነኣን ግን እኩያት ሰባት ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። ስለዚ ሙሴ 12 ሰለይቲ ሰደደ: ከምዚ ኢሉ ኸኣ ነገሮም:⁠- ‘ኣብኡ ክንደይ ሰባት ከም ዝነብሩን ክሳዕ ክንደይ ሓያላት ምዃኖምን ሰልዩ። እታ ምድሪ ጽቡቕ ፍርያት ዘለዋ እንተ ዀይና ርኣዩ። ገለ ካብቲ ፍረ ሒዝኩም ከኣ ምጹ።’

እቶም ሰለይቲ ናብ ቃዴስ ምስ ተመልሱ: ንሙሴ ከምዚ በልዎ:⁠- ‘እታ ሃገር ጽብቕቲ ኢያ።’ ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ ንሙሴ ገለ ካብቲ ፍረታት ናይታ ሃገር የርእይዎ። እንተዀነ ግን 10 ካብቶም ሰለይቲ ‘እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ሰባት ነዋሕትን ሓያላትን ኢዮም። ነታ ሃገር ክንሕዛ እንተድኣ ፈቲንና ክንመውት ኢና’ በሉ።

እዚ ምስ ሰምዑ እስራኤላውያን ፈርሑ። ‘ኣብ ግብጺ ወይ ከኣ ኣብዚ በረኻ ሞይትና እንተ ንኸ​ውን ምሓሸና። ኣብቲ ውግእ ክንቅተል ኢና: ኣንስትናን ደቅናን ከኣ ክማረኹ ኢዮም። ኣብ ክንዲ ሙሴ ሓድሽ መራሒ ንሽም እሞ ናብ ግብጺ ንመለስ’ በሉ።

ክልተ ካብቶም ሰለይቲ ግን ኣብ የሆዋ ተወከሉ: ነቲ ህዝቢ ድማ ከህድእዎ ፈተኑ። ስሞም ከኣ እያሱን ካሌብን ኢዩ ዝበሃል። ንሳቶም ከኣ ‘ኣይትፍርሑ። የሆዋ ምሳና ኢዩ። ነታ ሃገር ምሓዛ ቀሊል ኢዩ’ በልዎም። እቶም ህዝቢ ግን ኣይሰምዕዎምን። ንእያሱን ካሌብን ከኣ ክቐትልዎም ደለዩ።

እዚ ንየሆዋ ኣዝዩ ኣቘጥዖ: ንሙሴ ኸኣ ከምዚ በሎ:⁠- ‘ካብቲ ህዝቢ ልዕሊ 20 ዓመት ዝዀነ ናብ ከነኣን ዝኣቱ ዋላ ሓደ የለን። ነቲ ኣብ ግብጽን ኣብቲ በረኻን ዝገበርክዎ ተኣምራት ርእዮም ክነሶም: ገና ኣባይ ኣይተወከሉን። ስለዚ ኵሎም እቶም ሰባት ክሳዕ ዝሞቱ ን40 ዓመት ኣብ በረኻ ኰለል ክብሉ ኢዮም። እያሱን ካሌብን ጥራይ ኢዮም ኣብ ምድሪ ከነኣን ዝኣትዉ።’

ዘሁልቍ 13:⁠1⁠-​33፣ 14:⁠1⁠-​38

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ