ዛንታ 38
እቶም 12 ሰለይቲ
እዞም ሰባት ተሰኪሞሞ ዘለዉ ፍረ ርኣዮ። እቲ ዘለላ ወይኒ ክሳዕ ክንደይ ዓቢ ምዃኑ እሞ ኣስተብህለሉ። ብመጾሪ ዘንጊ ገይሮም ክልተ ሰብኡት ኢዮም ክስከምዎ ዝኽእሉ። ነቲ በለስን ሮማንን ከኣ እሞ ርኣዮ። እዚ ጽቡቕ ፍረታት እዚ ካበይ ዝመጸ ኢዩ፧ ካብ ምድሪ ከነኣን ዝመጸ ኢዩ። ከነኣን ሓደ ግዜ ኣብርሃም: ይስሃቅ: ከምኡውን ያእቆብ ዝነብርዋ ዝነበሩ ቦታ ምዃና ዘክር። እንተዀነ ግን: ብምኽንያት እቲ ኣብኡ ዝወረደ ጥሜት: ያእቆብ ምስ ስድራቤቱ ናብ ግብጺ ከደ። ሕጂ ዳርጋ ድሕሪ 216 ዓመታት: ሙሴ ንእስራኤላውያን ናብ ከነኣን ክምለሱ ይመርሖም ኣሎ። ኣብቲ በረኻ ኣብ ቃዴስ እተባህለ ቦታ በጽሑ።
ኣብ ምድሪ ከነኣን ግን እኩያት ሰባት ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። ስለዚ ሙሴ 12 ሰለይቲ ሰደደ: ከምዚ ኢሉ ኸኣ ነገሮም:- ‘ኣብኡ ክንደይ ሰባት ከም ዝነብሩን ክሳዕ ክንደይ ሓያላት ምዃኖምን ሰልዩ። እታ ምድሪ ጽቡቕ ፍርያት ዘለዋ እንተ ዀይና ርኣዩ። ገለ ካብቲ ፍረ ሒዝኩም ከኣ ምጹ።’
እቶም ሰለይቲ ናብ ቃዴስ ምስ ተመልሱ: ንሙሴ ከምዚ በልዎ:- ‘እታ ሃገር ጽብቕቲ ኢያ።’ ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ ንሙሴ ገለ ካብቲ ፍረታት ናይታ ሃገር የርእይዎ። እንተዀነ ግን 10 ካብቶም ሰለይቲ ‘እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ሰባት ነዋሕትን ሓያላትን ኢዮም። ነታ ሃገር ክንሕዛ እንተድኣ ፈቲንና ክንመውት ኢና’ በሉ።
እዚ ምስ ሰምዑ እስራኤላውያን ፈርሑ። ‘ኣብ ግብጺ ወይ ከኣ ኣብዚ በረኻ ሞይትና እንተ ንኸውን ምሓሸና። ኣብቲ ውግእ ክንቅተል ኢና: ኣንስትናን ደቅናን ከኣ ክማረኹ ኢዮም። ኣብ ክንዲ ሙሴ ሓድሽ መራሒ ንሽም እሞ ናብ ግብጺ ንመለስ’ በሉ።
ክልተ ካብቶም ሰለይቲ ግን ኣብ የሆዋ ተወከሉ: ነቲ ህዝቢ ድማ ከህድእዎ ፈተኑ። ስሞም ከኣ እያሱን ካሌብን ኢዩ ዝበሃል። ንሳቶም ከኣ ‘ኣይትፍርሑ። የሆዋ ምሳና ኢዩ። ነታ ሃገር ምሓዛ ቀሊል ኢዩ’ በልዎም። እቶም ህዝቢ ግን ኣይሰምዕዎምን። ንእያሱን ካሌብን ከኣ ክቐትልዎም ደለዩ።
እዚ ንየሆዋ ኣዝዩ ኣቘጥዖ: ንሙሴ ኸኣ ከምዚ በሎ:- ‘ካብቲ ህዝቢ ልዕሊ 20 ዓመት ዝዀነ ናብ ከነኣን ዝኣቱ ዋላ ሓደ የለን። ነቲ ኣብ ግብጽን ኣብቲ በረኻን ዝገበርክዎ ተኣምራት ርእዮም ክነሶም: ገና ኣባይ ኣይተወከሉን። ስለዚ ኵሎም እቶም ሰባት ክሳዕ ዝሞቱ ን40 ዓመት ኣብ በረኻ ኰለል ክብሉ ኢዮም። እያሱን ካሌብን ጥራይ ኢዮም ኣብ ምድሪ ከነኣን ዝኣትዉ።’