ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 26 ገጽ 66-ገጽ 67 ሕ.ጽ. 1
  • እቶም ዓሰርተው ክልተ ሰለይቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቶም ዓሰርተው ክልተ ሰለይቲ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቶም 12 ሰለይቲ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • እያሱ ዘይረስዖ ነገራት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ካብ መጽሓፍ እያሱ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 26 ገጽ 66-ገጽ 67 ሕ.ጽ. 1
እስራኤላውያን ንምድሪ ከነኣን ይስልይዋ

ትምህርቲ 26

እቶም ዓሰርተው ክልተ ሰለይቲ

እስራኤላውያን ካብ ከረን ሲና ነቒሎም ናብ ምድረ በዳ ጳራን፡ ቃዴስ ናብ እትብሃል ቦታ ተጓዕዙ። ኣብኡ ድማ የሆዋ ንሙሴ፡ ‘ከካብ ነገድ ሓደ፡ ብድምር 12 ሰባት ነታ ንእስራኤላውያን ዝህባ ምድሪ ከነኣን ኪስልዩ ልኣኮም’ በሎ። ስለዚ፡ ሙሴ 12 ሰባት መሪጹ፡ ‘ናብ ከነኣን ኪዱ፣ እታ ምድሪ ድማ ኣእካል ንምብቋል እትምሽእ እንተ ዀይና ርኣዩ። እቶም ኣብኣ ዚቕመጡ ህዝቢ ኸኣ፡ ድኹማት ወይ ሓያላት እንተ ዀይኖም ርኣዩ፣ ኣብ ድንኳናት ወይ ኣብ ከተማታት ዚቕመጡ እንተ ዀይኖም እውን ርኣዩ’ በሎም። እያሱን ካሌብን ድማ ካብቶም 12 ሰለይቲ ነበሩ። እቶም 12 ሰለይቲ ኸኣ ናብ ከነኣን ከዱ።

እስራኤላውያን ተዳሂሎም የጕረምርሙ

ድሕሪ 40 መዓልቲ፡ እቶም ሰለይቲ ፍረታት በለስን ሮማንን ወይንን ሒዞም ተመልሱ። ‘እታ ምድሪ ጽብቕቲ እያ፣ እቶም ህዝቢ ግና ሓያላት እዮም፣ ከተማታቶም ከኣ ነዊሕ መካበብያ ኣለወን’ ኢሎም እውን ተዛረቡ። ሽዑ ካሌብ፡ ‘ክንስዕሮም ንኽእል ኢና። ንዑናይ ንኺድ!’ በሎም። ካሌብ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝበለስ ትፈልጥዶ፧ ንሱን እያሱን ብየሆዋ ይእመኑ ነይሮም እዮም። እቶም ዓሰርተ ሰለይቲ ግና፡ ‘ይትረፈና! እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ሰባት ገዘፍቲ እዮም! ኣብ ቅድሚኦም ንሕና ኸም ኣንበጣ ኢና’ በሉ።

ሽዑ፡ እስራኤላውያን ተዳህሉ። ‘ካልእ መራሒ መሪጽና ናብ ግብጺ ንመለስ። ናብዛ ምድሪ ኼድና ስለምንታይ እንቕተል፧’ ኢሎም ኬጕረምርሙ ጀመሩ። እያሱን ካሌብን ከኣ፡ ‘ንየሆዋ ንተኣዘዞ፡ ኣይንፍራህ። የሆዋ እውን ኬዕቍበና እዩ’ በልዎም። እስራኤላውያን ግና ኣይሰምዕዎምን። ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ንእያሱን ንካሌብን ኪቐትልዎም ደለዩ።

እሞኸ የሆዋ እንታይ ገበረ፧ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ ‘ንእስራኤላውያን እዚ ዅሉ ገይረሎምሲ፡ ኣይእዘዙንን እዮም ዘለዉ። ስለዚ፡ ኣብዚ በረኻ 40 ዓመት ኪጸንሑ እዮም፣ ኣብዚ እውን ኪሞቱ እዮም። ደቆምን እያሱን ካሌብን ጥራይ እዮም ናብታ ዘተስፎኽዎም ምድሪ ዚኣትዉ።’

“ኣቱም ጐደሎ ዝእምነቶም፡ ስለምንታይ እትፈርሁ፧”—ማቴዎስ 8:26

ሕቶታት፦ እቶም 12 ሰለይቲ ኻብ ከነኣን ምስ ተመልሱ፡ እንታይ እዩ ዀይኑ፧ እያሱን ካሌብን ብየሆዋ ኸም ዚእመኑ ኸመይ ገይሮም እዮም ኣርእዮም፧

ዘሁልቍ 13:1–14:38፣ ዘዳግም 1:22-33፣ መዝሙር 78:22፣ እብራውያን 3:17-19

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ