ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 44
  • ረሃብ ነቶም ሰለይቲ ትሓብኦም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ረሃብ ነቶም ሰለይቲ ትሓብኦም
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ረሃብ ብየሆዋ ኣመነት
    ንደቅኻ ምሃሮም
  • ረሃብ ብዛዕባ እስራኤላውያን ሰምዐት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ረሃብ ነቶም ሰለይቲ ሓብኣቶም
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ረሃብ ‘ብግብሪ ጸደቐት’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 44

ዛንታ 44

ረሃብ ነቶም ሰለይቲ ትሓብኦም

እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ሽግር ኢዮም ዘለዉ። ክሃድሙ ኣለዎም እንተ ዘይኰነ ክቕተሉ ኢዮም። እስራኤላውያን ሰለይቲ ኢዮም: እታ እትሕግዞም ዘላ ሰበይቲ ኸኣ ረሃብ ትበሃል። ረሃብ ኣብ ልዕሊ መንደቕ ናይ ከተማ ያሪኮ ዝርከብ ገዛ ኢያ እትነብር። እዞም ሰባት እዚኣቶም ስለምንታይ ኣብ ሽግር ከም ዝኣተዉ እስከ ንርአ።

እስራኤላውያን ንሩባ ዮርዳኖስ ሰጊሮም ምድሪ ከነኣን ክኣትዉ ቅሩባት ኢዮም ዘለዉ። ቅድሚ ምእታዎም ግን እያሱ ክልተ ሰለይቲ ሰደደ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ነገሮም:⁠- ‘ኬድኩም ነታ ሃገርን ንኸተማ ያሪኮን ርኣዩ።’

እቶም ሰለይቲ ያሪኮ ምስ ኣተዉ ናብ ቤት ረሃብ ከዱ። ገለ ሰባት ግን ንንጉስ ያሪኮ ‘ክልተ እስራኤላውያን ነዛ ሃገር ክስልዩ ብለይቲ ኣትዮም ኣለዉ’ ኢሎም ነገርዎ። እዚ ምስ ሰምዐ እቲ ንጉስ ‘ነቶም ናብ ቤትኪ ዝኣተዉ ሰባት ኣውጽእዮም’ ብምባል ናብ ረሃብ ለኣኸ። ረሃብ ግን ነቶም ሰለይቲ ኣብ ናሕሲ ሓብኣቶም። ‘ሰባት ናባይ ኣትዮም ነይሮም: ካበይ ምዃኖም ግን ኣይፈለጥኩን። ክጽልምት ከሎ: እቲ ናይ ከተማ ደገ ቀቅድሚ ምዕጻዉ ኸኣ ወጹ። ቀልጢፍኩም እንተ ስዒብኩሞም ክትረኽብዎም ኢኹም’ ኢላ መለሰት። እቶም ሰባት ኸኣ ደድሕሪኦም ሰዓቡ።

ድሕሪ ምኻዶም ረሃብ ናብቲ ናሕሲ ቐልጢፋ ደየበት። ነቶም ሰለይቲ ኸኣ ‘የሆዋ እዛ ሃገር ከም ዝህበኩም እፈልጥ ኢየ። ካብ ግብጺ ክትወጹ ከለኹም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዘንቀጾ: ንነገስታት ሲሆንን ዖግን ከም ዘጥፋእኩምዎም ሰሚዕና ኢና። ኣነ ምሕረት ከም ዝገበርኩልኩም ንስኹም ከኣ ምሕረት ግበሩለይ። ነቦይን ነደይን ነሕዋተይን ንኣሓተይን ኣድሕኑ’ በለቶም።

እቶም ሰለይቲ ከምኡ ከም ዝገብሩ ተመባጽዑላ: ረሃብ ግን ክትገብሮ ዝነበራ ነገር ነይሩ ኢዩ። እቶም ሰለይቲ ኸኣ ‘ነዚ ቀይሕ ገመድ እዚ ኣብ መስኮትኪ እሰርዮ: ንዅሎም ኣዝማድኪ ኸኣ ናብ ቤትኪ ኣክብዮም። ናብ ያሪኮ ክንኣቱ ከሎና ነዚ ገመድ ኣብ መስኮትኪ ክንርኢ ኢና ኣብ ቤትኪ ንዘሎ ኸኣ ኣይንቐትልን’ ብምባል ነገርዋ። እቶም ሰለይቲ ናብ እያሱ ምስ ተመልሱ: እቲ ዘጓነፎም ዘበለ ዅሉ ነገርዎ።

እያሱ 2:⁠1⁠-​24፣ እብራውያን 11:⁠31

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ