ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 30 ገጽ 76
  • ረሃብ ነቶም ሰለይቲ ሓብኣቶም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ረሃብ ነቶም ሰለይቲ ሓብኣቶም
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ረሃብ ብየሆዋ ኣመነት
    ንደቅኻ ምሃሮም
  • ረሃብ ብዛዕባ እስራኤላውያን ሰምዐት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ረሃብ ነቶም ሰለይቲ ትሓብኦም
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ረሃብ ‘ብግብሪ ጸደቐት’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 30 ገጽ 76
ረሃብ ነቶም ተዋጋእቲ ብኻልእ ኣንፈት ብምልኣኽ፡ ነቶም ሰለይቲ ተዕቍቦም

ትምህርቲ 30

ረሃብ ነቶም ሰለይቲ ሓብኣቶም

እስራኤላውያን ሰለይቲ ናብ ከተማ ያሪኮ ምስ ከዱ፡ ኣብ ቤት ሓንቲ ረሃብ እትብሃል ሰበይቲ ኣተዉ። ንጉስ ያሪኮ ኸኣ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ንተዋጋእቱ ናብ ቤት ረሃብ ለኣኾም። ንሳ ድማ ነቶም ክልተ ሰለይቲ ኣብ ናሕሲ ቤታ ሓብኣቶም እሞ፡ ነቶም ተዋጋእቲ ብኻልእ ኣንፈት ለኣኸቶም። ነቶም ሰለይቲ ኸኣ፡ ‘የሆዋ ምሳኻትኩም ምዃኑን ነዛ ምድሪ ኸም ዚህበኩምን ስለ ዝፈለጥኩ፡ ክሕግዘኩም እየ። ንስድራ ቤተይ ከም እተድሕንዎም በጃኹም ቃል እተዉለይ’ በለቶም።

እቶም ሰለይቲ ድማ ንረሃብ፡ ‘ኣብ ውሽጢ ቤትኪ ንዚጸንሕ ዝዀነ ሰብ ከም ዘይንጐድኦ ቓል ንኣትወልኪ’ በልዋ። ብተወሳኺ እውን፡ ‘ቀይሕ ገመድ ኣብ መስኰትኪ እሰሪ፣ ስድራ ቤትኪ እውን ኪድሕኑ እዮም’ በልዋ።

መካበብያ ያሪኮ እናፈረሰ፡ ካብ እንዳ ረሃብ ቀይሕ ገመድ ብመስኰት ተንጠልጢሉ ይርአ

ረሃብ ከኣ ነቶም ሰለይቲ ብመስኰት ኣቢላ ብገመድ ኣውረደቶም። ንሳቶም ከኣ ናብ ኣኽራን ከይዶም ሰለስተ መዓልቲ ተሓብኡ እሞ ናብ እያሱ ተመልሱ። ድሕሪኡ፡ እስራኤላውያን ነታ ምድሪ ንምውሳድ ተዳልዮም ፈለግ ዮርዳኖስ ተሳገሩ። እታ ቐዳመይቲ ዚስዕርዋ ከተማ ኸኣ፡ ያሪኮ እያ ነይራ። የሆዋ ድማ ነታ ኸተማ ንሽዱሽተ መዓልቲ ሓሓደ ሳዕ ኪዞርዋ ነገሮም። ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ነታ ኸተማ ሸውዓተ ሳዕ ዞርዋ። ሽዑ፡ እቶም ካህናት መለኸቶም ነፍሑ፡ እቶም ተዋጋእቲ ኸኣ ዓው ኢሎም ጨደሩ። መካበብያ እታ ኸተማ ድማ ፈረሰ! ኣብቲ መካበብያ ዝነበረት ቤት ረሃብ ግና ኣይፈረሰትን። ረሃብ ብየሆዋ ስለ እተኣመነት ከኣ፡ ንሳን ስድራ ቤታን ደሓኑ።

“ከምኡ ኸኣ ረሃብ . . . ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶምን ብኻልእ መገዲ ምስ ሰደደቶምን፡ ብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧”—ያእቆብ 2:25

ሕቶታት፦ ስለምንታይ እያ ረሃብ ነቶም ሰለይቲ ሓጊዛቶም፧ እስራኤላውያን ንያሪኮ ብኸመይ እዮም ኣጥቂዖምዋ፧ ረሃብን ስድራ ቤታን እንታይ ኰይኖም፧

እያሱ 2:1-24፣ 6:1-27፣ እብራውያን 11:30, 31፣ ያእቆብ 2:24-26

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ