ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 29 ገጽ 74-ገጽ 75 ሕ.ጽ. 2
  • የሆዋ ንእያሱ መረጾ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ንእያሱ መረጾ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እያሱ መራሒ ይኸውን
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • እያሱ ዘይረስዖ ነገራት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ካብ መጽሓፍ እያሱ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ርባ ዮርዳኖስ ምስጋር
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 29 ገጽ 74-ገጽ 75 ሕ.ጽ. 2
ካህናት ነቲ ታቦት ኪዳን ጾይሮም ፈለግ ዮርዳኖስ ይሳገሩ

ትምህርቲ 29

የሆዋ ንእያሱ መረጾ

እያሱ ነቲ ሕጊ የንብቦ

ሙሴ ንህዝቢ እስራኤል ንብዙሕ ዓመታት ድሕሪ ምምራሑ፡ ዚሞተሉ ግዜ ቐረበ። የሆዋ ድማ፡ ‘ንእስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ እተእትዎም ንስኻ ኣይኰንካን። ነታ ምድሪ ግና ከርእየካ እየ’ በሎ። ሽዑ፡ ሙሴ ንየሆዋ፡ ነቶም ህዝቢ ዝኣልዮም ሓድሽ መራሒ ኺመርጽ ሓተቶ። የሆዋ ኸኣ፡ ‘ናብ እያሱ ኺድ እሞ፡ ንሱ ኸም ዚመርሖም ንገሮ’ በሎ።

ሙሴ ድማ ነቶም ህዝቢ፡ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኸም ዚመውት፡ የሆዋ ኸኣ ንእያሱ ናብ ምድሪ ተስፋ ኼእትዎም ከም ዝመረጾ ነገሮም። ሽዑ፡ ሙሴ ንእያሱ፡ ‘ኣይትፍራህ። የሆዋ ኺሕግዘካ እዩ’ በሎ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሙሴ ናብ ጫፍ ከረን ኔቦ ደየበ፣ ኣብኡ ኸኣ የሆዋ ነታ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዘተስፈዎም ምድሪ ኣርኣዮ። ሙሴ ኺመውት ከሎ፡ 120 ዓመት ገይሩ ነበረ።

ሙሴ ንእያሱ ኣብ ቅድሚ ኻህንን ካልኦት ሰባትን ይምዝዞ

የሆዋ ንእያሱ፡ ‘ፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊርካ ናብ ከነኣን እቶ። ከምቲ ንሙሴ ዝሓገዝክዎ፡ ንዓኻ እውን ክሕግዘካ እየ። ሕገይ መዓልቲ መዓልቲ ኣንብብ። ኣይትፍራህ። ትባዕ። ኬድካ ዝኣዘዝኩኻ ዅሉ ግበር’ በሎ።

እያሱ ኸኣ ናብ ከተማ ያሪኮ ኽልተ ሰለይቲ ሰደደ። ኣብ እትቕጽል ዛንታ፡ ብዛዕባኦም ኽንምሃር ኢና። ንሳቶም ድማ ምስ ተመልሱ፡ ናብ ከነኣን ንምእታው ጽቡቕ ግዜ ምዃኑ ሓበሩ። ንጽብሒቱ፡ እያሱ ነቶም ህዝቢ ኻብቲ ዝሰፈሩሉ ኺነቕሉ ነገሮም። ሽዑ፡ ነቶም ታቦት ኪዳን እተሰከሙ ካህናት፡ ቀቅድሚኦም ናብ ፈለግ ዮርዳኖስ ኪኸዱ ሰደዶም። እቲ ፈለግ ድማ ይውሕዝ ነበረ። ኣእጋር እቶም ካህናት ነቲ ማይ ምስ ተንከዮ ግና፡ እቲ ፈለግ ዋሕዙ ደው ኣበለ፡ እቲ ማይ እውን ነጸፈ! እቶም ካህናት ከኣ ናብ ማእከል ባይታ እቲ ፈለግ ከይዶም፡ ብዘሎ ህዝቢ እስራኤል ክሳዕ ዚሳገር ኣብኡ ደው በሉ። እዚ ተኣምር እዝስ ነቶም ህዝቢ፡ ነቲ የሆዋ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝገበሮ ነገር ዘዘኻኸሮምዶ ይመስለካ፧

ኣብ መወዳእታ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት፡ እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ኣተዉ። ድሕርዚ፡ ኣባይትን ከተማታትን ኪሃንጹ ኸኣሉ። ግራውትን ኣታኽልቲ ወይንን ኣእዋም ፍረታትን እውን ኪህልዎም ከኣለ። እታ ምድሪ፡ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ነበረት።

“የሆዋ ወትሩ ኺመርሓካ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ኬጽግበካ እዩ።”—ኢሳይያስ 58:11

ሕቶታት፦ ሙሴ ምስ ሞተ፡ ንእስራኤላውያን መን እዩ መሪሕዎም፧ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ምስ በጽሑ፡ እቲ ፈለግ እንታይ እዩ ዀይኑ፧

ዘሁልቍ 27:12-23፣ ዘዳግም 31:1-8፣ 34:1-12፣ እያሱ 1:1–3:17

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ