ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 45
  • ርባ ዮርዳኖስ ምስጋር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ርባ ዮርዳኖስ ምስጋር
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ንእያሱ መረጾ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ታቦት ኪዳን እንታይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ካብ መጽሓፍ እያሱ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ማይ ኣይሂ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 45

ዛንታ 45

ርባ ዮርዳኖስ ምስጋር

ተመልከት እሞ! እስራኤላውያን ንርባ ዮርዳኖስ ይሰግርዎ ኣለዉ! እቲ ማይ ግን ኣበይ ከይዱ፧ ኣብቲ ኣዋርሕ እቲ ብዙሕ ዝናብ ስለ ዝዘንብ: እቲ ርባ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ምሉእ ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ኵሉ እቲ ማይ የለን! እቶም እስራኤላውያን ከኣ ከምቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝገበርዎ በቲ ንቝጽ ምድሪ ኢዮም ዝሓልፉ ዘለዉ! ኵሉ እቲ ማይ ናበይ ኢዩ ኸይዱ፧ እስከ ንርአ።

እስራኤላውያን ንርባ ዮርዳኖስ ዝሳገሩሉ ግዜ ምስ ኣኸለ: የሆዋ ንእያሱ ነቶም ህዝቢ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም በሎ:⁠- ‘እቶም ካህናት ታቦት ኪዳን ሒዞም ቀቅድሜና ይኸዱ። እግሮም ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ምስ ተንከፋ: እቲ ማይ ምውሓዝ የቋርጽ።’

ስለዚ እቶም ካህናት ታቦት ኪዳን ኣልዒሎም ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ከዱ። ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ምስ በጽሑ እቶም ካህናት ኣብቲ ማይ ረገጹ። ብርቱዕ ውሒዝን ዓሚቝን ኢዩ ነይሩ። ኣእጋሮም ነቲ ማይ ምስ ተንከፎ ግን: እቲ ማይ ካብ ምውሓዝ ኣቋረጸ! ተኣምራት ኢዩ! ከይውሕዝ የሆዋ ነቲ ማይ ዓገቶ። ስለዚ ቍሩብ ጸኒሑ ኣብቲ ርባ ማይ ኣይነበረን!

እቶም ነቲ ታቦት ኪዳን ተሰ⁠ኪ​ሞም ዝነበሩ ካህናት ብማእከል እቲ ዝነቐጸ ርባ ኸዱ። ኣብዚ ስእሊ ትርእዮምዶ ኣሎኻ፧ ኣብኡ ደው ኢሎም ከለዉ ኸኣ ኵሎም እስራኤላውያን ብንቑጽ ምድሪ ንርባ ዮርዳኖስ ተሳገርዎ!

ኵሉ ምስ ሰገረ ኸኣ: እያሱ ን12 ሓያላት ሰብኡት ‘ካብታ ካህ​ናት ደው ዝበሉላ ቦታ ኬድኩም 12 እምኒ ኣልዕሉ። ኣብቲ እትሓድሩሉ ቦታ ኸኣ ኣንብርዎ። ንዝመጽእ ግዜ ደቅኹም እዚ ኣእማን እዚ እንታይ ኢዩ ኢሎም እንተ ሓተቱኹም: ታቦት ኪዳን የሆዋ ንዮርዳኖስ ምስ ተሳገሮ እቲ ማይ ምውሓዝ ኣቋረጸ ኢልኩም ትነግርዎም። እዚ ኣእማን ነዚ ተኣምራት እዚ ከዘኻኽር ኢዩ’ ኢሉ ክነግሮም የሆዋ ኣዘዞ። እያሱ ኣብቲ እቶም ካህናት ደው ዝበልሉ ቦታ እውን 12 ኣእማን ተኸለ።

ኣብ መወዳእትኡ እያሱ ነቶም ታቦት ተሰኪሞም ዝነበሩ ካህናት ‘ካብ ርባ ዮርዳኖስ ውጹ’ በሎም። ካብኡ ውጽእ ምስ በሉ ኸኣ እቲ ርባ ከም ቀደሙ ወሓዘ።

እያሱ 3:⁠1⁠-​17፣ 4:⁠1⁠-​18

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ