ዛንታ 49
ጸሓይ ደው በለት
ንእያሱ እሞ ርኣዮ። ‘ጸሓይ ደው በሊ!’ ኢዩ ዝብል ዘሎ። ጸሓይ ድማ ደው በለት። ምሉእ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ማእከል ሰማይ ደው በለት። እዚ ከም ዝኸውን ዝገበረ የሆዋ ኢዩ! እያሱ ጸሓይ ደው ክትብል ዝደለየ ስለምንታይ ምዃኑ እስከ ንርአ።
እቶም ኣብ ምድሪ ከነኣን ዝነበሩ ሓሙሽተ እኩያት ነገስታት ኣንጻር ጊብዖናውያን ክዋግኡ ምስ ጀመሩ: ጊብዖናውያን እያሱ ንኽሕግዞም ክሓትዎ ሓደ ሰብኣይ ለኣኽሉ። ንሱ ኸኣ ከምዚ በለ:- ‘ኵሎም ነገስታት እታ ሃገር ኣንጻር ባሮትካ ክዋግኡ ደይቦም ኣለዉ። በጃኻ ቀልጢፍካ ናባና ምጻእ! ኣድሕነና!’
እያሱን ኵሎም ተዋጋእቲ ሰቡን ብኡብኡ ከዱ። ምሉእ ለይቲ ክይድ ሓደሩ። ኣብ ጊብዖን ምስ በጽሑ ኸኣ ወተሃደራት ናይቶም ሓሙሽተ ነገስታት ፈርሑ እሞ ክሃድሙ ጀመሩ። ብድሕርዚ የሆዋ ዓቢ ኣእማን በረድ ካብ ሰማይ ኣዝነበ: ካብቶም ናይ እያሱ ተዋጋእቲ ሰባት ዝቐተልዎም: እቶም በቲ ኣእማን በረድ ተወቒዖም ዝሞቱ በዝሑ።
እያሱ ድሕሪ ቑሩብ ጸሓይ ከም እትዓርብ ረኣየ። ክጽልምት ኢዩ ብዙሓት ካብቶም ወተሃደራት ናይቶም ሓሙሽተ እኩያት ነገስታት ከኣ ክሃድሙ ኢዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኢዩ እምበኣር እያሱ ናብ የሆዋ ዝጸለየ: እሞ ብድሕሪኡ ኸኣ ‘ጸሓይ ደው በሊ!’ ዝበለ። ጸሓይ ምብርሃ ምስ ቀጸለት ከኣ እስራኤላውያን ምሉእ ብምሉእ ሰዓሩ።
ኣብ ከነኣን ንህዝቢ ኣምላኽ ዝጸልኡ ብዙሓት እኩያት ነገስታት ነበሩ። ንእያሱን ነቶም ሰራዊቱን ነቶም ኣብታ ምድሪ ዝነበሩ 31 ነገስታት ንኸጥፍእዎም ሽዱሽተ ዓመት ወሰደሎም። ከምኡ ምስ ገበሩ: እያሱ ምድሪ ከነኣን ነቶም ገና ቦታ ዘይተዋህቦም ነገዳት መቐሎም።
ብዙሕ ዓመታት ሓለፈ: ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ እያሱ ወዲ 110 ዓመት ምስ ኰነ ሞተ። ንሱን ኣዕሩኹን ብህይወት ክሳዕ ዝነበሩሉ ግዜ: እቶም ህዝቢ ንየሆዋ ተኣዘዝዎ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ምስ ሞቱ ግን: እቲ ህዝቢ እኩይ ነገራት ምግባር ጀመረ ኣብ ሽግር ድማ ወደቐ። ናይ ሓቂ ሓገዝ ኣምላኽ ዘድልዮም ዝነበረ ኸኣ ኣብቲ እዋን እቲ ኢዩ።