ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 49
  • ጸሓይ ደው በለት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጸሓይ ደው በለት
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እያሱን ጊብዖናውያንን
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • እያሱ ዘይረስዖ ነገራት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ኣሳልጦ ኽንረክብ ይደልየና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ካብ መጽሓፍ እያሱ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 49

ዛንታ 49

ጸሓይ ደው በለት

ንእያሱ እሞ ርኣዮ። ‘ጸሓይ ደው በሊ!’ ኢዩ ዝብል ዘሎ። ጸሓይ ድማ ደው በለት። ምሉእ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ማእከል ሰማይ ደው በለት። እዚ ከም ዝኸውን ዝገበረ የሆዋ ኢዩ! እያሱ ጸሓይ ደው ክትብል ዝደለየ ስለምንታይ ምዃኑ እስከ ንርአ።

እቶም ኣብ ምድሪ ከነኣን ዝነበሩ ሓሙሽተ እኩያት ነገስታት ኣንጻር ጊብዖናውያን ክዋግኡ ምስ ጀመሩ: ጊብዖናውያን እያሱ ንኽሕግዞም ክሓትዎ ሓደ ሰብኣይ ለኣኽሉ። ንሱ ኸኣ ከምዚ በለ:⁠- ‘ኵሎም ነገስታት እታ ሃገር ኣንጻር ባሮትካ ክዋግኡ ደይ​ቦም ኣለዉ። በጃኻ ቀልጢ​ፍካ ናባና ምጻእ! ኣድሕነና!’

እያሱን ኵሎም ተዋጋእቲ ሰቡን ብኡብኡ ከዱ። ምሉእ ለይቲ ክይድ ሓደሩ። ኣብ ጊብዖን ምስ በጽሑ ኸኣ ወተሃደራት ናይቶም ሓሙሽተ ነገስታት ፈርሑ እሞ ክሃድሙ ጀመሩ። ብድሕርዚ የሆዋ ዓቢ ኣእማን በረድ ካብ ሰማይ ኣዝነበ: ካብቶም ናይ እያሱ ተዋጋእቲ ሰባት ዝቐተልዎም: እቶም በቲ ኣእማን በረድ ተወቒዖም ዝሞቱ በዝሑ።

እያሱ ድሕሪ ቑሩብ ጸሓይ ከም እትዓርብ ረኣየ። ክጽልምት ኢዩ ብዙሓት ካብቶም ወተሃደራት ናይቶም ሓሙሽተ እኩያት ነገስታት ከኣ ክሃድሙ ኢዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኢዩ እምበኣር እያሱ ናብ የሆዋ ዝጸለየ: እሞ ብድሕሪኡ ኸኣ ‘ጸሓይ ደው በሊ!’ ዝበለ። ጸሓይ ምብርሃ ምስ ቀጸለት ከኣ እስራኤላውያን ምሉእ ብምሉእ ሰዓሩ።

ኣብ ከነኣን ንህዝቢ ኣምላኽ ዝጸልኡ ብዙሓት እኩያት ነገስታት ነበሩ። ንእያሱን ነቶም ሰራዊቱን ነቶም ኣብታ ምድሪ ዝነበሩ 31 ነገስታት ንኸጥፍእዎም ሽዱሽተ ዓመት ወሰደሎም። ከምኡ ምስ ገበሩ: እያሱ ምድሪ ከነኣን ነቶም ገና ቦታ ዘይተዋህቦም ነገዳት መቐሎም።

ብዙሕ ዓመታት ሓለፈ: ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ እያሱ ወዲ 110 ዓመት ምስ ኰነ ሞተ። ንሱን ኣዕሩኹን ብህይወት ክሳዕ ዝነበሩሉ ግዜ: እቶም ህዝቢ ንየሆዋ ተኣዘዝዎ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ምስ ሞቱ ግን: እቲ ህዝቢ እኩይ ነገራት ምግባር ጀመረ ኣብ ሽግር ድማ ወደቐ። ናይ ሓቂ ሓገዝ ኣምላኽ ዘድልዮም ዝነበረ ኸኣ ኣብቲ እዋን እቲ ኢዩ።

እያሱ 10:⁠6⁠-​15፣ 12:⁠7⁠-​24፣ 14:⁠1⁠-​5፣ መሳፍንቲ 2:⁠8⁠-​13

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ