ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 31 ገጽ 78
  • እያሱን ጊብዖናውያንን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እያሱን ጊብዖናውያንን
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቶም ጥበበኛታት ጊብዖናውያን
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ጸሓይ ደው በለት
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • እያሱ ዘይረስዖ ነገራት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ካብ መጽሓፍ እያሱ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 31 ገጽ 78
ጊብዖናውያን ዝኣረገ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ናብ እያሱን ሰራዊቱን ይቐርቡ

ትምህርቲ 31

እያሱን ጊብዖናውያንን

እቲ ኣብ ያሪኮ ዝዀነ ነገር፡ ኣብ ከነኣን ኣብ ዚርከቡ ኻልኦት ኣህዛብ ተወርየ። ነገስታቶም ከኣ ብሓባር ኰይኖም ምስ እስራኤላውያን ኪዋግኡ ወሰኑ። ጊብዖናውያን ግና ካልእ ሓሳብ ሓሰቡ። ዝኣረገ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ናብ እያሱ ኸዱ እሞ፡ ‘ካብ ርሑቕ ሃገር ኢና መጺእና። ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ኣብ ግብጽን ኣብ ሞኣብን ዝገበሮ ዅሉ ድማ ሰሚዕና ኢና። ከይተጥቅዑና ቓል እተዉልና፣ ንሕና እውን ኣገልገልትኹም ክንከውን ኢና’ በልዎ።

እያሱ ስለ ዝኣመኖም፡ ከየጥቅዖም ቃል ኣተወሎም። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ግና፡ ካብ ርሑቕ ሃገር ዘይምዃኖም ፈለጠ። ካብ ምድሪ ከነኣን እዮም ነይሮም። እያሱ ድማ ንጊብዖናውያን፡ ‘ስለምንታይ ኢኹም ሓሲኹም፧’ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ‘ስለ ዝፈራህና ኢና። የሆዋ ኣምላኽኩም ይዋግኣልኩም ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና። በጃኹም ኣይትቕተሉና’ ኢሎም መለሱ። እያሱ ኸኣ ቃሉ ሓለወ፡ ብህይወት ኪነብሩ እውን ሓደጎም።

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓሙሽተ ነገስታት ከነኣንን ሰራዊቶምን ንጊብዖናውያን ኪዋግእዎም መጹ። እያሱን ሰራዊቱን ከኣ ኬድሕንዎም ኢሎም ምሉእ ለይቲ ተጓዕዙ። ንጽብሒቱ ንግሆ እቲ ውግእ ጀመረ። ከነኣናውያን ድማ ፋሕ ኢሎም ኪሃድሙ ጀመሩ። ብዝኸድዎ ዘበለ ግና የሆዋ ዓበይቲ ኣእማን በረድ ኣውደቐሎም። ሽዑ፡ እያሱ ንየሆዋ፡ ንጸሓይ ደው ኬብላ ለመኖ። ጸሓይ ደው ኢላ ዘይትፈልጥ ክነሳ፡ ስለምንታይ እዩ ንየሆዋ ኸምኡ ኺገብር ዝለመኖ፧ ምኽንያቱ፡ እያሱ ብየሆዋ ይእመን ነበረ። እስራኤላውያን ንነገስታት ከነኣንን ንሰራዊቶምን ክሳዕ ዚስዕርዎም፡ ምሉእ መዓልቲ ጸሓይ ኣይዓረበትን።

እያሱ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ንየሆዋ፡ ንጸሓይ ደው ኬብላ ይልምኖ

“‘እወ’ ዝበልኩምዎ፡ እወ፡ ‘ኣይፋል’ ዝበልኩምዎ ድማ፡ ኣይፋል ይኹን። ካብዚ ዝሓለፈ፡ ካብቲ እኩይ እዩ።”—ማቴዎስ 5:37

ሕቶታት፦ ጊብዖናውያን ካብ ጥፍኣት ንምድሓን እንታይ እዮም ገይሮም፧ የሆዋ ንእስራኤላውያን ብኸመይ እዩ ሓጊዝዎም፧

እያሱ 9:1–10:15

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ