ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 48
  • እቶም ጥበበኛታት ጊብዖናውያን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቶም ጥበበኛታት ጊብዖናውያን
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እያሱን ጊብዖናውያንን
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ካብ ታሪኽ ጊብዖናውያን እንረኽቦ ትምህርቲ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ጸሓይ ደው በለት
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 48

ዛንታ 48

እቶም ጥበበኛታት ጊብዖናውያን

ብዙሓት ካብተን ኣብ ከነኣን ዝነበራ ከተማታት ምስ እስራኤል ንምውጋእ ተቐረባ። ክስዕራ ዝኽእላ ኰይኑ ይስምዐን ነበረ። እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ህዝቢ ጊብዖን ግን ከምኡ ኣይተሰምዖምን። ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ይሕግዞም ከም ዘሎ ኣመኑ: እሞ ኣንጻር ኣምላኽ ክዋግኡ ኣይደለዩን። ስለዚ እቶም ጊብዖናውያን እንታይ ከም ዝገበሩ ትፈልጥዶ፧

ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታ ከም ዝነብሩ ከምስሉ ወሰኑ። ስለዚ ገለ ካብቶም ሰባት እተለጋገበ ክዳንን ዝኣረገ ሳእንን ገበሩ። ኣእዱጎም ከኣ ዝኣረገ ከረጺታት ጸዓንወን: ዝነቐጸ እንጌራ ኸኣ ተማልኡ። ድሕርዚ ናብ እያሱ መጺኦም ‘ብዛዕባ የሆዋ እቲ ልዑል ኣምላኽካ ሰሚዕና ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመጻእና ኢና። እቲ ኣብ ግብጺ ዝገበረልኩም ኵሉ ነገር ሰሚዕና። ስለዚ እቶም መራሕትና ስንቂ ንመገዲ ከነዳሉ እሞ ናባኻትኩም መጺእና ኸኣ: “ንሕና ገላዉኹም ኢና። ሕጂ ኸኣ ምሳና ከም ዘይትዋግኡ ኪዳን እተዉልና” ክንብለኩም ነገሩና። ክዳውንትና ካብ ምንዋሕ መገዲ ከም ዝበለየ: እንጌራና ኸኣ ከም ዝነቐጸን ከም እተረፍረፈን ርኣዩ’ በልዎም።

እያሱን እቶም ካልኦት መራሕትን ንጊብዖናውያን ኣመንዎም። ስለዚ ከይዋግእዎም ኪዳን ኣተዉሎም። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ግን ጊብዖናውያን ኣብቲ ከባቢኦም ከም ዝነብሩ ፈለጡ።

እያሱ ኸኣ ‘ኣብ ማእከልና ከለኹምሲ ካብ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታ ዝመጻእና ኢና ኢልኩም ስለምንታይ ጠበርኩምና፧’ ብምባል ሓተቶም።

እቶም ጊብዖናውያን ከኣ ‘ከምኡ ዝገበርና የሆዋ ኣምላኽኩም ብዘላ ምድሪ ከነኣን ክህበኩም ከም እተማባጽዓልኩም ስለ እተነገርና ኢዩ። ስለዚ ከይትቐትሉና ፈራህና።’ እስራኤላውያን ግን መብጽዕኦም ሓለዉ: ንጊብዖናውያን ከኣ ኣይቀተልዎምን። ኣብ ክንድኡ ኣገልገልቶም ገበርዎም።

ጊብዖናውያን ምስ እስራኤል ኪዳን ብምግባሮም ንጉስ የሩሳሌም ተቘጥዐ። ስለዚ ንኣርባዕተ ካልኦት ነገስታት ልኢኹ ‘ንጊብዖን ክንዋግኣስ ሓግዙኒ’ በሎም። እዞም ሓሙሽተ ነገስታት እዚኣቶም ከምቲ ዝሓሰብዎ ገበሩ። ጊብዖናውያን እቶም ካልኦት ነገስታት ኣንጻሮም ንኽዋግኡ ከም ዝለዓዓሉ ዝገበሮም ምስ እስራኤል ሰላም ምግባሮምሲ ጥበበኛታት ድዮም፧ ክንርእዮ ኢና።

እያሱ 9:⁠1⁠-​27፣ 10:⁠1⁠-​5

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ