ዛንታ 48
እቶም ጥበበኛታት ጊብዖናውያን
ብዙሓት ካብተን ኣብ ከነኣን ዝነበራ ከተማታት ምስ እስራኤል ንምውጋእ ተቐረባ። ክስዕራ ዝኽእላ ኰይኑ ይስምዐን ነበረ። እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ህዝቢ ጊብዖን ግን ከምኡ ኣይተሰምዖምን። ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ይሕግዞም ከም ዘሎ ኣመኑ: እሞ ኣንጻር ኣምላኽ ክዋግኡ ኣይደለዩን። ስለዚ እቶም ጊብዖናውያን እንታይ ከም ዝገበሩ ትፈልጥዶ፧
ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታ ከም ዝነብሩ ከምስሉ ወሰኑ። ስለዚ ገለ ካብቶም ሰባት እተለጋገበ ክዳንን ዝኣረገ ሳእንን ገበሩ። ኣእዱጎም ከኣ ዝኣረገ ከረጺታት ጸዓንወን: ዝነቐጸ እንጌራ ኸኣ ተማልኡ። ድሕርዚ ናብ እያሱ መጺኦም ‘ብዛዕባ የሆዋ እቲ ልዑል ኣምላኽካ ሰሚዕና ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመጻእና ኢና። እቲ ኣብ ግብጺ ዝገበረልኩም ኵሉ ነገር ሰሚዕና። ስለዚ እቶም መራሕትና ስንቂ ንመገዲ ከነዳሉ እሞ ናባኻትኩም መጺእና ኸኣ: “ንሕና ገላዉኹም ኢና። ሕጂ ኸኣ ምሳና ከም ዘይትዋግኡ ኪዳን እተዉልና” ክንብለኩም ነገሩና። ክዳውንትና ካብ ምንዋሕ መገዲ ከም ዝበለየ: እንጌራና ኸኣ ከም ዝነቐጸን ከም እተረፍረፈን ርኣዩ’ በልዎም።
እያሱን እቶም ካልኦት መራሕትን ንጊብዖናውያን ኣመንዎም። ስለዚ ከይዋግእዎም ኪዳን ኣተዉሎም። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ግን ጊብዖናውያን ኣብቲ ከባቢኦም ከም ዝነብሩ ፈለጡ።
እያሱ ኸኣ ‘ኣብ ማእከልና ከለኹምሲ ካብ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታ ዝመጻእና ኢና ኢልኩም ስለምንታይ ጠበርኩምና፧’ ብምባል ሓተቶም።
እቶም ጊብዖናውያን ከኣ ‘ከምኡ ዝገበርና የሆዋ ኣምላኽኩም ብዘላ ምድሪ ከነኣን ክህበኩም ከም እተማባጽዓልኩም ስለ እተነገርና ኢዩ። ስለዚ ከይትቐትሉና ፈራህና።’ እስራኤላውያን ግን መብጽዕኦም ሓለዉ: ንጊብዖናውያን ከኣ ኣይቀተልዎምን። ኣብ ክንድኡ ኣገልገልቶም ገበርዎም።
ጊብዖናውያን ምስ እስራኤል ኪዳን ብምግባሮም ንጉስ የሩሳሌም ተቘጥዐ። ስለዚ ንኣርባዕተ ካልኦት ነገስታት ልኢኹ ‘ንጊብዖን ክንዋግኣስ ሓግዙኒ’ በሎም። እዞም ሓሙሽተ ነገስታት እዚኣቶም ከምቲ ዝሓሰብዎ ገበሩ። ጊብዖናውያን እቶም ካልኦት ነገስታት ኣንጻሮም ንኽዋግኡ ከም ዝለዓዓሉ ዝገበሮም ምስ እስራኤል ሰላም ምግባሮምሲ ጥበበኛታት ድዮም፧ ክንርእዮ ኢና።