ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 51
  • ሩትን ናእምን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሩትን ናእምን
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሩትን ናእሚን
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • “ናብ እትኸድዮ እኸይድ”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • “ናብ እትኸድዮ እኸይድ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ካብ መጽሓፍ ሩት ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 51

ዛንታ 51

ሩትን ናእምን

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሩት እትብሃል መጽሓፍ ኣላ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ዛንታ ናይ ሓንቲ ኣብ እስራኤል መሳፍንቲ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ እትነብር ዝነበረት ስድራቤት ዝሓዘት ኢያ። ሩት ሓንቲ ሞኣባዊት መንእሰይ ሰበይቲ ኢያ: ካብቶም ህዝቢ ኣምላኽ ዝዀኑ እስራኤላውያን ኣይነበረትን። ሩት ብዛዕባ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ የሆዋ ምስ ተማህረት ግን ኣዝያ ኣፍቀረቶ። ናእሚ ኸኣ ሩት ብዛዕባ የሆዋ ንኽትምሃር ዝሓገዘታ ብዕድመ ዓባይ ሰበይቲ ኢያ።

ናእሚ እስራኤላዊት ሰበይቲ ኢያ። ኣብቲ ኣብ እስራኤል ጥሜት ዝነበረሉ ግዜ ንሳን ሰብኣያን ክልተ ደቃን ናብ ሞኣብ ገዓዙ። ሽዑ ሓደ መዓልቲ ሰብኣይ ናእሚ ሞተ። ጸኒሖም ከኣ እቶም ክልተ ደቂ ናእሚ ሩትን ዖርጳን እተባህላ ክልተ ሞኣባውያን ኣዋልድ ተመርዓዉ። ዳርጋ ድሕሪ 10 ዓመት ግን: ክልቲኦም ደቂ ናእሚ ሞቱ። ናእምን እተን ክልተ ኣዋልድን ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢየን ሓዚነን ዝዀና! ሕጂ ናእሚ እንታይ ኢያ እትገብሮ፧

ሓደ መዓልቲ ናእሚ ናብ ህዝባ ንኽትከይድ እቲ ነዊሕ ጕዕዞ ክትጅምሮ ወሰነት። ሩትን ዖርጳን ምስኣ ክነብራ ደለያ ስለዚ ንሳተን እውን ጕዕዞ ጀመራ። ቁሩብ መገዲ ምስ ከዳ ግን: ናእሚ ደው በለት እሞ ነተን ኣዋልድ ‘ኪዳ ናብ ቤት ኣዴታትክን ተመለሳ’ በለተን።

ናእሚ ነተን ኣዋልድ ደሓን ኵና ኢላ ሰዓመተን። ከምኡ ምስ በለተን ንናእሚ ኣዝየን ስለ ዘፍቅርኣ በኸያ። ‘ኣይፋልናን! ናብ ህዝብኺ ምሳኺ ደኣ ንምለስ’ በልኣ። ናእሚ ግን ‘ደቀየ ተመለሳ ደኣ። ኣብ ቤትክን ይሕሸክን’ በለተን። ስለዚ ዖርጳ ናብ ገዝኣ ንኽትምለስ ከደት። ሩት ግን ኣይከደትን።

ናእሚ ኸኣ ንሩት ‘ዖርጳ እንሃ ተመሊሳ። ንስኺ እውን ምስኣ ተመለሲ’ በለታ። ሩት ግን ‘ሓዲገኪ ክኸይድ ግዲ ኣይትበልኒ! ምሳኺ ክኸይድ ሕደግኒ። ናብ እትኸድዮ እኸይድ ኣብ እትነብርዮ ኸኣ እነብር። ህዝብኺ ህዝበይ: ኣምላኽኪ ኸኣ ኣምላኽይ ኢዩ። ኣብታ እትሞትላ እመውት: ኣብታ እትቕበርላ ኸኣ እቕበር’ በለታ። ሩት ከምኡ ድሕሪ ምባላ: ናእሚ ናብ ቤታ ክትከይድ ክትግድዳ ኣይፈተነትን።

ኣብ መወዳእትኡ እተን ክልተ ኣንስቲ ኣብ እስራኤል በጽሓ። ኣብኡ ኸኣ ተቐመጣ። ሩት ብኡብኡ ኣብ ግራት ክትዓዪ ጀመረት: ምኽንያቱ ስገም ዝኣትወሉ ግዜ ቀውዒ ኢዩ ነይሩ። ሓደ ቦኣዝ እተባህለ ሰብኣይ ኣብ ግራቱ ስገም ክትቀርም ኣፍቀደላ። ኣደ ቦኣዝ መን ምንባራ ትፈልጥዶ፧ እታ ኣብ ከተማ ያሪኮ ዝነበረት ረሃብ ኢያ።

ሓደ መዓልቲ ቦኣዝ ንሩት ከምዚ ኢሉ ነገራ:⁠- ‘እቲ ንናእሚ ዝገበርክዮ ሕያውነት ሰሚዐ ኣለኹ። ኣቦኽን ኣዴኽን ዓድኽን ሓዲግኪ ናብ ዘይትፈልጥዮ ህዝቢ ከም ዝመጻእኪ ፈሊጠ ኣለኹ። የሆዋ ሰናይ ይግበረልኪ!’

ሩት ከኣ ‘ጐይታየ: በቲ ጽቡቕ ዘረባኻ ኣጸናኒዕካ ባህ ከም ዝብለኒ ገይርካኒ ኢኻ’ በለቶ። ቦኣዝ ንሩት ኣዝዩ ፈተዋ: ብዙሕ ከይጸንሑ ኸኣ ተመርዓዉ። እዝስ ንናእሚ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ኣሐጒስዋ! ቦኣዝን ሩትን ንእዮቤድ እቲ ናይ መጀመርታ ወዶም ምስ ወለዱ ግን ናእሚ ዝበለጸ ተሓጐሰት። ድሓር እዮቤድ ኣቦሓጎ ዳዊት ኰነ: ጸኒሕና ብዛዕባ ዳዊት ብዙሕ ክንማሃር ኢና።

መጽሓፍ ሩት

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ