ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 33 ገጽ 82-ገጽ 83 ሕ.ጽ. 2
  • ሩትን ናእሚን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሩትን ናእሚን
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሩትን ናእምን
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • “ናብ እትኸድዮ እኸይድ”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ካብ መጽሓፍ ሩት ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • “ናብ እትኸድዮ እኸይድ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 33 ገጽ 82-ገጽ 83 ሕ.ጽ. 2
ናእሚ ንሩት፡ ናብ ዓዳ ኽትምለስ ትዛረባ

ትምህርቲ 33

ሩትን ናእሚን

ኣብ እስራኤል ጥሜት ምስ ኰነ፡ ናእሚ ዝስማ እስራኤላዊት ምስ ሰብኣያን ምስ ክልተ ደቃን ናብ ምድሪ ሞኣብ ገዓዘት። ጸኒሑ፡ ሰብኣይ ናእሚ ሞተ። ደቃ ኸኣ፡ ሩትን ዖርጳን ንዚብሃላ ሞኣባውያን ተመርዓዉ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ደቂ ናእሚ እውን ሞቱ።

ድሕሪኡ፡ ናእሚ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ጥሜት ከም ዘብቅዐ ምስ ሰምዐት፡ ናብ ዓዳ ኽትምለስ ወሰነት። ሩትን ዖርጳን ከኣ ምስኣ ነቐላ፣ ኣብ መገዲ ኸለዋ ግና፡ ናእሚ፡ ‘ንደቀይ ንፉዓት ኣንስቲ ኢኽን ኴንክናኦም ኔርክን፡ ንዓይ እውን ጽቡቕ ጌርክናለይ ኢኽን። ክትምርዓዋ እደልየክን እየ። ናብ ሞኣብ ተመለሳ’ በለተን። ንሳተን ድማ፡ ‘ንፈትወኪ ኢና። ክንሓድገኪ ኣይንደልን ኢና’ በላኣ። ናእሚ ኸኣ ምእንቲ ኺምለሳ ደጋጊማ ተዛረበተን። ሽዑ፡ ዖርጳ ተመልሰት፡ ሩት ግና ኣበየት። ናእሚ ድማ ንሩት፡ ‘ዖርጳ ናብ ህዝባን ናብ ኣማልኽታን ትምለስ ኣላ። ምስኣ ኺዲ’ በለታ። ሩት ግና፡ ‘ሓዲገኪ ኣይከይድን እየ። ህዝብኺ ህዝበይ፡ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ’ ኢላ መለሰትላ። ሩት ከምኡ ኽትብል ከላስ ንናእሚ እንታይ እተሰምዓ ይመስለካ፧

ሩትን ናእሚን ድማ ብመጀመርታ ዓጺድ ስገም ናብ እስራኤል በጽሓ። ሓደ መዓልቲ፡ ሩት ኻብ ዓጺድ ዝተረፈ ኽትኣሪ ናብ ግራት ሓደ ቦኣዝ ዚብሃል ሰብኣይ ከደት። ቦኣዝ ወዲ ረሃብ እዩ ነይሩ። ንሱ ኸኣ፡ ሩት ብተኣማንነት ካብ ናእሚ ዘይተፈልየት ሞኣባዊት ምዃና ሰሚዑ ነበረ። ንሰራሕተኛታቱ ድማ ኣብቲ ግራት ተወሳኺ እተዓጽደ እኽሊ ኺሓድጉላ ነገሮም።

ሩት ኣብ ግራት ቦኣዝ ትቕርም

በታ ምሸት እቲኣ፡ ናእሚ ንሩት፡ ‘ሎሚ ኣብ ናይ መን ግራት ኣሪኺ፧’ ኢላ ሓተተታ። ሩት ከኣ፡ ‘ኣብ ግራት ቦኣዝ ዚብሃል ሰብኣይ’ ኢላ መለሰትላ። ናእሚ ድማ፡ ‘ቦኣዝ ሓደ ኻብ ኣዝማድ ሰብኣየይ እዩ። ምስተን ኣግራዱ ኣብ ግራቱ እረዪ። ኣይክትሽገርን እውን ኢኺ’ በለታ።

ናእሚ ምስ ቦኣዝን ሩትን ዖቤድን

ሩት ከኣ፡ ዓጺድ ክሳዕ ዚውዳእ ኣብ ግራት ቦኣዝ ኣረየት። ቦኣዝ ድማ፡ ሩት ትግህትን ብልጽትን ሰበይቲ ምዃና ኣስተብሃለ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሰብኣይ ውሉድ ከይወለደ እንተ ሞይቱ፡ ዘመዱ ነታ ሰበይቲ ይምርዓዋ ነበረ። ስለዚ፡ ቦኣዝ ንሩት ተመርዓዋ። ንሳቶም ድማ ዖቤድ ዝስሙ ወዲ ወለዱ፣ ንሱ ኸኣ ንንጉስ ዳዊት ኣቦሓጎኡ ዀነ። ሩት ምስ ወለደት፡ መሓዙት ናእሚ ብዙሕ ተሓጐሳ። ‘ኣብ መጀመርታ፡ የሆዋ ነታ ብዙሕ ጽቡቕ እትገብረልኪ ሩት ሂቡኪ፡ ሕጂ ድማ ወዲ ወዲ ሂቡኪ። የሆዋ ይወደስ’ እውን በላኣ።

“ካብ ሓው ኣብሊጹ ዚለግብ ፈታዊ ኣሎ።”—ምሳሌ 18:24

ሕቶታት፦ ከመይ ገይራ እያ ሩት ንናእሚ ፍቕራ ዘርኣየታ፧ የሆዋ ንሩትን ንናእሚን ብኸመይ ተኸናኺንወን፧

ሩት 1:1–4:22፣ ማቴዎስ 1:5

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ