ዛንታ 58
ዳዊትን ጐልያድን
ፍልስጥኤማውያን እንደገና ኣንጻር እስራኤል ንኽዋግኡ መጹ። እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ኣሕዋት ዳዊት ሕጂ ኣብ ናይ ሳኦል ሰራዊት ኢዮም ዘለዉ። ስለዚ ሓደ መዓልቲ እሴይ ንዳዊት ‘ቘሎን እንጌራን ሒዝካ ናብ ኣሕዋትካ ኪድ። ከመይ ከም ዘለዉ ፈሊጥካ ምጻእ’ በሎ።
ዳዊት ኣብ ሰፈር ናይቲ ሰራዊት ምስ በጽሐ: ነሕዋቱ ንምርካብ ናብቲ ሰልፊ ጐየየ። እቲ ፍልስጥኤማዊ ንጉዕ ከኣ ንእስራኤላውያን ከላግጸሎም ወጸ። ነፍሲ ወከፍ ንግሆን ምሸትን ን40 መዓልቲ ከምኡ ይገብር ነበረ። ጐልያድ ‘ሓደ ሰብኣይ ሕረዩ እሞ ምሳይ ይዋጋእ። ንሱ ምሳይ ተዋጊኡ ስዒሩ እንተ ቐተለኒ ንሕና ባሮትኩም ንኸውን። ኣነ ስዒረ እንተ ቐተልክዎ ግን ንስኻትኩም ባሮትና ትዀኑ። አባጭወልኩም ኣለኹ እሞ ሓደ ሰብኣይ ሕረዩ’ ይብሎም ነበረ።
ዳዊት ከኣ ንገለ ካብቶም ወተሃደራት ‘ነቲ ነዚ ፍልስጥኤማዊ ቀቲሉ ካብ እስራኤል ውርደት ዘርሕቕ ሰብኣይ እንታይ ክገብረሉ ኢዩ፧’ ኢሉ ሓተቶም።
ሓደ ወተሃደር ከኣ ‘ንጉስ ብዙሕ ሃብቲ ክህቦ ኢዩ። ጓሉ እውን ሰበይቱ ክትከውን ክህቦ ኢዩ’ በሎ።
ኵሎም እስራኤላውያን ግን ጐልያድ ገዚፍ ነዊሕ ስለ ዝነበረ ፈሪሖም ኢዮም ነይሮም። ካብ 9 ጫማ (ዳርጋ 3 ሜትሮ) ዝነውሕ ኢዩ: ዋልትኡ ኸኣ ካልእ ወተሃደር ይጾረሉ ነበረ።
ገለ ወተሃደራት ናብ ሳኦል ከይዶም ዳዊት ምስ ጐልያድ ክዋጋእ ደልዩ ኣሎ ኢሎም ነገርዎ። ሳኦል ግን ንዳዊት ‘ምስ እዚ ፍልስጥኤማዊ ክትዋጋእ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንስኻ ቘልዓ: ንሱ ግን ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ወተሃደር ኢዩ ነይሩ’ በሎ። ዳዊት ከኣ ‘ናይ ኣቦይ ኣባጊዕ ተሰኪሞም ንዝኸዱ ድብን ኣንበሳን ቀቲለ ኢየ። እዚ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ከም ሓደ ካብኣቶም ክኸውን ኢዩ። የሆዋ ክሕግዘኒ ኢዩ’ በለ። ሳኦል ድማ ‘ኪድ የሆዋ ኸኣ ምሳኻ ይኹን’ በሎ።
ዳዊት ናብ ሓደ ርባ ከይዱ ሓሙሽተ ልሙጻት ኣእማን ኣረየ: ኣብቲ ቝርባበሽኡ ኸኣ ኣንበሮ። ብድሕርዚ ወንጭፉ ሒዙ ነቲ ገዚፍ ፍልስጥኤማዊ ክጋጠሞ ከደ። ጐልያድ ምስ ረኣዮ ክኣምን ኣይከኣለን። ስለዚ ንዳዊት ምቕታል ቀሊል ኢዩ ኢሉ ሓሰበ።
ጐልያድ ንዳዊት ‘ንዓ ናባይ: ስጋኻ ኣዕዋፍን ኣራዊትን ክበልዕዎ ክህቦም እየ’ በሎ። ዳዊት ግን ‘ንስኻ ብሴፍን ኵናትን መዝረቕን ትመጸኒ ኣለኻ: ኣነ ግን ብስም የሆዋ እመጸካ ኣለኹ። የሆዋ ሎሚ መዓልቲ ንኣኻ ኣሕሊፉ ኣብ ኢደይ ክህበኒ ኢዩ: ኣነ ኸኣ ክቐትለካ ኢየ’ በሎ።
ከምዚ ምስ በለ ዳዊት ናብ ጐልያድ ገጹ ጐየየ። ካብ ቝርባበሽኡ እምኒ ወሲዱ ኸኣ ኣብ ወንጭፉ ገበራ እሞ ብምሉእ ሓይሉ ወንጨፎ። እታ እምኒ ኸኣ ትኽ ኢላ ኣብ ርእሲ ጐልያድ ተሸኽተት: ወደቐ ሞተ ኸኣ! ፍልስጥኤማውያን እቲ ጅግንኦም ከም ዝወደቐ ምስ ረኣዩ ንድሕሪት ተመሊሶም ሃደሙ። እስራኤላውያን ከኣ ደድሕሪኦም ጐዮም ሰዓርዎም።