“ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ”
“እቲ ውግእ ናይ የሆዋ እዩ”
ክልተ መጻርድቲ ሰራዊት: ብየማነ ጸጋም ሓደ ለሰ ዀይኖም ተሰለፉ። እስራኤላውያን ሰብኡት ን40 መዓልቲ ብፍርሂ ረዓዱ: እቲ ጎልያድ ዚበሃል ጐብለል ፍልስጥኤማዊ ድማ እዚ ዘይበሃል ጸርፊ ኣውረደሎም።—1 ሳሙኤል 17:1-4, 16
ጎልያድ ንእስራኤላውያን ከምዚ ብምባል ዓው ኢሉ ብድሆ ኣቕረበሎም:- “ካባኻትኩም ሓደ ሰብኣይ ሕረዩ እሞ: ናባይ ይውረድ። ንሱ ምሳይ ተዋጊኡ ኪቐትለኒ እንተ ኸአለ: ንሕና ባሮትኩም ክንከውን: ኣነ ኣሰኒፈ እንተ ቐተልክዎ ግና: ንስኻትኩም ባሮትና ዄንኩም ክትግዝኡና። . . . ኣነ ሎሚ መዓልቲ ነቶም ስሉፋት እስራኤል ኣባጭየዮም አሎኹ እሞ: ንሓድሕድና ኽንዋጋእሲ: ሓደ ሰብኣይ ሀቡኒ።”—1 ሳሙኤል 17:8-10
ብግዜ ጥንቲ: ነቶም ሰራዊት ዚውክሉ ኽልተ ጐብለል ኪጋጠሙ እተለምደ እዩ ነይሩ። እቶም ብወገን እቲ ዝሰዓረ ዘለዉ ድማ ይዕወቱ ነበሩ። እዚ ንእስራኤላውያን ብድሆ ዜቕርበሎም ዘሎ ሰብ ግን ተራ ወተሃደር ኣይኰነን። ክንዲ እምባ ዚኸውን ዓርሞሸሽ ከምኡውን ጨካንን ዜፍርህን ጸላኢ እዩ። ይኹን እምበር: ጎልያድ ንሰራዊት ህዝቢ የሆዋ ስለ ዘላገጸሎም: ናብ ጥፍኣቱ እዩ ዜምርሕ ነይሩ።
እዚ ግጥም እዚ ወተሃደራዊ ጥራይ ኣይኰነን ነይሩ። ኣብ መንጎ የሆዋን ኣማልኽቲ ፍልስጥኤምን እተገብረ ቓልሲ እዩ ነይሩ። ሳኦል ንጉስ እስራኤል ግን ኣብ ክንዲ ንሰራዊቱ ብትብዓት ኣንጻር ጸላእቲ ኣምላኽ ዚመርሖም: ብፍርሂ ለሚሱ ነበረ።—1 ሳሙኤል 17:11
ሓደ መንእሰይ ኣብ የሆዋ ተወከለ
ዜቕርብዎ ስኢኖም ደው ኢሎም ከለዉ: ሓደ ኣቐዲሙ ንጉስ እስራኤል ኪኸውን እተቐብአ መንእሰይ: ነቶም ምስ ሰራዊት ሳኦል ዝነበሩ ኣሕዋቱ ኺበጽሖም ከደ። ስሙ ዳዊት ይበሃል። ነቲ ጎልያድ ዚብሎ ዝነበረ ምስ ሰምዐ: “እዚ ንሰራዊት ህያው ኣምላኽ ዜባጩ ዘሎ ዘይግዙር ፍልስጥኤማዊ እዚ መን ኰን እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። (1 ሳሙኤል 17:26) በረኣእያ ዳዊት: ጎልያድ ንፍልስጥኤማውያንን ኣማልኽቶምን እዩ ዚውክል። በዚ ስለ እተቘጥዐ ድማ: ንየሆዋን ንእስራኤልን ወኪሉ ምስዚ ኣረማዊ ዓርሞሸሽ ኪዋጋእ ደለየ። ንጉስ ሳኦል ግን “ንስኻ ቘልዓ ኢኻ . . . ምስ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኽትዋጋእ ክትከይድ ኣይትኽእልን ኢኻ” በሎ።—1 ሳሙኤል 17:33
ኣረኣእያ ሳኦልን ዳዊትን ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዚፈላለ ነይሩ! ሳኦል ምስ ሓደ ጨካን ዓርሞሸሽ ኪገጥም ዝደለየ ጓሳ እዩ ዚርኢ ነይሩ። ዳዊት ግን ነቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ዚቓወም ዘሎ ሰብኣይ እዩ ዚርኢ ነይሩ። ትብዓት ዳዊት: ኣምላኽ ንስሙን ንህዝቡን ንዜቃልሉ ኸይቀጽዖም ኣይሓልፍን እዩ ኣብ ዚብል እምነት እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። ዋላኳ ጎልያድ ብሓይሉ እንተ ተጃሃረ: ዳዊት ግን ነቲ ዅነታት ብኣረኣእያ ኣምላኽ ብምግምጋም እምንቶኡ ኣብ የሆዋ ገበረ።
‘ኣነ ብስም የሆዋ እመጸካ ኣሎኹ’
እምነት ዳዊት ድልዱል መሰረት እዩ ነይርዋ። ኣምላኽ ንሓንቲ በጊዕ ካብ ድብን ካብ ኣንበሳን ንምድሓን ከም ዝሓገዞ ዘከረ። እዚ መንእሰይ ጓሳ እዚ: ነቲ ዘይድፈር ፍልስጥኤማዊ ጸላኢ ኺገጥመሉ ኸሎ እውን: የሆዋ ኸም ዚሕግዞ ርግጸኛ ነበረ። (1 ሳሙኤል 17:34-37) ዳዊት ወንጭፍን ሓሙሽተ ልሙጻት ኣእማንን ተዓጢቑ: ንጎልያድ ኪገጥመሉ ኸደ።
እቲ ገና መንእሰይ ዝነበረ ዳዊት: ነዚ ዘይከኣል ዚመስል ብድሆ ኣብቲ የሆዋ ዚህቦ ብርታዐ ተወኪሉ ኺጋጠሞ ወሰነ። ነቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ብትብዓት ከምዚ በሎ:- “ንስኻ ብሴፍን ብዂናትን ብመዝረቕን ትመጸኒ አሎኻ: ኣነ ግና ብስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW] ጐይታ ሰራዊት: እቲ ንስኻ እተባጭዎ ዘሎኻ ኣምላኽ ጭፍራ እስራኤል እመጸካ አሎኹ። ሎሚ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣሕሊፉ ኣብ ኢደይ ኪህበኒ እዩ: . . . ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዘሎ: ኵላ ምድሪ ኽትፈልጥ እያ። እቲ ውግእሲ ናይ እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW] እዩ እሞ: እግዚኣብሄር ብሴፍን ብዅናትን ከም ዘይኰነ ዜድሕን: ብዘላ እዛ ማሕበር እዚኣ ምእንቲ ኽትፈልጥ [እዩ]።”—1 ሳሙኤል 17:45-47
እቲ ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጸብጻብ: “ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ብወንጭፍን ብእምንን ኣሰኒፉ: ነቲ ፍልስጥኤማዊ ወቒዑ ቐተሎ። ኣብ ኢድ ዳዊት ግና ሴፍ ኣይነበረን” ይብል። (1 ሳሙኤል 17:50) ኣብ ኢድ ዳዊት ሴፍ ኣይነበረን: እቲ ሓያል ደገፍ የሆዋ ኣምላኽ ግን ምስኡ ነበረ።a
ኣብቲ ግጥም: እታ ዳዊት ኣብ የሆዋ ዝነበረቶ እምነት ተራእየት። ካብ ንሰብ ምፍራህን ካብቲ ኣብ ናይ ምድሓን ሓይሊ የሆዋ ምውካልን ሓዲኡ ንኽንመርጽ ኣብ እንግደደሉ እዋን: ምርጫና “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ዚብል ከም ዚኸውን ፍሉጥ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ንኣጸጋሚ ዅነታት ብኣረኣእያ የሆዋ ኣምላኽ ንርእዮ እንተ ዄንና: ነቲ ተስፋ ዜቝርጽ ጸገም እውን እንተዀነ ግቡእ ኣረኣእያ ኺህልወና እዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ 2006 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ግንቦት/ሰነ ርአ።
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ጎልያድ ክሳዕ ክንደይ እዩ ገዚፍ ነይሩ፧
እቲ ኣብ 1 ሳሙኤል 17:4-7 ዚርከብ ጸብጻብ: ቍመት ጎልያድ ልዕሊ ሽዱሽተ እመት: ማለት ልዕሊ 3 ሜተር ከም ዝነበረ እዩ ዚነግረና። ናይቲ ፍልስጥኤማዊ ግዝፍን ሓይልን ዚሕብረና ድማ እቲ ኻብ ኣስራዚ እተሰርሐ ድርዑ እዩ። ክብደት እዚ ድርዒ እዚ 57 ኪሎ ግራም እዩ ነይሩ። ዛብያ እቲ ሕላሱ (ዂናቱ) ኽንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ነበረ: ብልሑ ድማ 7 ኪሎ ግራም ይምዘን ነበረ። አረ ኽብደት ዳዊትሲ ኻብቲ ኣጽዋር ጐልያድ ዝፈኵስ እዩ ነይሩ ዚኸውን!