ዛንታ 77
ኣይሰገዱን
ብዛዕባ እዞም ሰለስተ መንእሰያት እዚኣቶም ዝሰማዕካዮ ትዝክሮዶ፧ እወ: ኣዕሩኽ ናይቲ ንዕኦም ጽቡቕ ዘይኰነ ነገር ምብላዕ ዝኣበየ ዳንኤል ኢዮም። ባቢሎናውያን ሲድራቅ: ሚሳቅ: ዓብድ-ኔጎ ኢሎም ኢዮም ዝጽውዕዎም ነይሮም። ሕጂ ግን ርኣዮም እሞ። ንሳቶም እውን ከምቶም ካልኦት ነዚ ዓቢ ምስሊ ዘይሰግዱ ዘለዉ ስለምንታይ ኢዮም፧ እስከ ንርአ።
ነቲ የሆዋ ባዕሉ ዝጸሓፎ ዓሰርተ ትእዛዛት ዝበሃል ሕጊ ትዝክሮዶ፧ ካብዚ እታ ቐዳመይቲ ‘ብዘይካይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ’ ኢያ እትብል። እዞም ኣብዚ ዘለዉ መንእሰያት ኣይንሰግድን ኢና ክብሉ ቀሊል እኳ እንተዘይኰነ ነዚ ሕጊ እዚ ኢዮም ዝእዘዙ ዘለዉ።
ነቡካድነጻር: ንጉስ ባቢሎን: ብዙሓት ምርኡያት ዝዀኑ ሰባት ነዚ ዝገበሮ ምስሊ ንኸምልኹ ጸውዖም። ንዅሎም ሰባት ከኣ ‘ድሃይ እምብልታን በገናን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ምስ ሰማዕኩም ነዚ ብወርቂ እተሰርሐ ምስሊ ፍግም ኢልኩም ስገድሉ። ፍግም ኢሉ ነዚ ምስሊ ዘይሰገደ ኸኣ ኣብ ግሁር እቶን ሓዊ ክድርበ ኢዩ’ በሎም።
ብዓል ሲድራቅ: ሚሳቅ: ዓብድ-ኔጎ ከም ዘይሰገዱ ምስ ሰምዐ ነቡካድነጻር ኣዝዩ ተቘጥዐ። ናብኡ ከም ዘምጽእዎም ገበረ። ንኽሰግዱ ኸኣ እንደገና ኣጋጣሚ ሃቦም። እቶም መንእሰያት ግን ኣብ የሆዋ ተወከሉ። ንነቡካድነጻር ከኣ ‘እቲ እንኣምኖ ኣምላኽና ከድሕነና ኢዩ። እንተ ዘየድሓነና እውን: ነዚ ብወርቂ ዝሰራሕካዮ ምስሊ ኣይንሰግድን ኢና’ በልዎ።
ነቡካድነጻር እዚ ምስ ሰምዐ ኣጸቢቑ ተቘጥዐ። ኣብቲ ከባቢ ዓቢ እቶን ነበረ እሞ: ‘ነቲ እቶን ካብቲ ዝነበሮ ሸውዓተ ዕጽፊ ኣንድድዎ!’ ኢሉ ኣዘዘ። ድሕርዚ ካብ ሰራዊቱ እቶም ዝሓየሉ ሰባት ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ኣሲሮም ኣብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ንኽድርብይዎም ኣዘዘ። እቲ ሓዊ ኣዝዩ ስለ ዝበርትዐ እቲ ሃልሃልታ ነቶም ሓያላት ሰባት ቀተሎም። እቶም ዝደርበይዎም ሰለስተ መንእሰያትከ እንታይ ኰኑ፧
እቲ ንጉስ ኣብቲ እቶን ጠመተ እሞ ኣዝዩ ፈርሀ። ‘ኣሲርና ናብቲ እቶን ሓዊ ዝደርበናዮምሲ ሰለስተ ሰባትዶ ኣይኰኑን፧’ ብምባል ከኣ ሓተተ።
እቶም ግዙኣቱ ኸኣ ‘እወ’ ኢሎም መለስሉ።
ንሱ ኸኣ ‘ኣነ ግን ኣብቲ ሓዊ ኣርባዕተ ሰባት ክመላለሱ እርኢ ኣለኹ። እተፈትሑ ኢዮም: እቲ ሓዊ ኸኣ ገለ እኳ ኣይገበሮምን። እቲ ራብዓይ ከኣ ወዲ ኣምላኽ ኢዩ ዝመስል’ በሎም። እቲ ንጉስ ከኣ ናብ ማዕጾ ናይቲ እቶን ቀሪቡ: ‘ሲድራቅ! ሚሳቅ! ዓብድ-ኔጎ! ኣቱም ኣገልገልቲ ልዑል ኣምላኽ ንዑ ውጹ!’ በሎም።
ምስ ወጹ ኸኣ ከም ዘይተጐድኡ ኵሉ ሰብ ረኣየ። ድሕርዚ እቲ ንጉስ ‘ኣምላኽ ሲድራቅ: ሚሳቅ: ዓብድ-ኔጎ ይባረኽ! ብጀካ ንኣምላኾም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ከየምልኹ ስለ ዝኣበዩ መልኣኹ ልኢኹ ኣድሓኖም’ በለ።
እዝስ ንሕና ክንስዕቦ ዝግብኣና ጽቡቕ ኣብነት ናይ ተኣማንነት ንየሆዋዶ ኣይኰነን፧