ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 61 ገጽ 146-ገጽ 147 ሕ.ጽ. 3
  • ኣይሰገዱን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣይሰገዱን
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣይሰገዱን
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • እምነቶም ከቢድ ፈተና ኣሕሊፋ
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • ኣምላኽካ መን እዩ፧
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ‘እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ኬናግፈና ይኽእል እዩ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 61 ገጽ 146-ገጽ 147 ሕ.ጽ. 3
ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ነቲ ምስሊ ወርቂ ምስጋድ ይኣብዩ

ትምህርቲ 61

ኣይሰገዱን

ካብቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ብዛዕባ እቲ ምስሊ ዝሓለመሉ እዋን እተወሰነ ግዜ ምስ ሓለፈ፡ ካብ ወርቂ እተሰርሐ ምስሊ ገበረ። ነቲ ምስሊ ድማ ኣብ ጐልጐል ዱራ ኣቘሞ። ነቶም ኣብታ ሃገር ዚርከቡ ሰበ ስልጣን፡ እንተላይ ንሲድራቅን ንሚሳቅን ንዓብድ-ኔጎን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ምስሊ ኺእከቡ ጸውዖም። ንጉስ ድማ፡ ‘ደሃይ መለኸትን ክራርን ሻምብቆን ምስ ሰማዕኩም፡ ነቲ ምስሊ ስገዱሉ! ዘይሰገደ ኸኣ፡ ኣብ ጕሁር እቶን ሓዊ ኺድርበ እዩ’ ኢሉ ኣዘዞም። እሞኸ እቶም ሰለስተ እብራውያን ነቲ ምስሊ ሰጊዶምሉዶ ወይስ ንየሆዋ ጥራይ እዮም ኣምሊኾም፧

ሽዑ፡ ንጉስ ነቶም ሙዚቀኛታት፡ ሙዚቃ ኺጻወቱ ኣዘዘ። ብዘይካ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ከኣ፡ ኵሎም ፍግም ኢሎም ነቲ ምስሊ ሰገዱሉ። ገሊኦም ሰባት ድማ ነዚ ኣስተብሂሎም ንንጉስ፡ ‘እዞም ሰለስተ እብራውያን ንምስልኻ ምስጋድ ኣብዮም’ ኢሎም ነገርዎ። ነቡካድነጻር ከኣ ልኢኹ ኣምጽኦም እሞ፡ ‘ነቲ ምስሊ ኽትሰግዱሉ ኻልኣይ ዕድል ክህበኩም እየ። እንተ ዘይሰጊድኩም፡ ናብ እቶን ክድርብየኩም እየ። ካብ ኢደይ ኬድሕነኩም ዚኽእል ኣምላኽ የልቦን’ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ‘ካልኣይ ዕድል ኣየድልየናን እዩ። ኣምላኽና ኼድሕነና ይኽእል እዩ። ኦ ንጉስ፡ ዋላ እኳ ኸምኡ እንተ ዘይገይሩ ግና፡ ነቲ ምስሊ ኣይንሰግደሉን ኢና’ በልዎ።

ነቡካድነጻር ብዙሕ ተቘጥዐ። ነቶም ሰቡ ኸኣ፡ ‘ነቲ እቶን ሓዊ ሸውዓተ ዕጽፊ ኣጕህርዎ!’ በሎም። ነቶም ተዋጋእቱ ድማ፡ ‘ነዞም ሰባት ኣሲርኩም ናብኡ ደርብይዎም!’ ኢሉ ኣዘዞም። እቲ እቶን ኣዝዩ ረሲኑ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ተዋጋእቲ ናብ ጥቓኡ ምስ ቀረቡ፡ ብኡብኡ ሞቱ። እቶም ሰለስተ እብራውያን ከኣ ኣብቲ ሓዊ ወደቑ። ነቡካድነጻር ናብኡ ምስ ጠመተ ግና፡ ኣብቲ እቶን ናብዝን ናብቲ ዚመላለሱ ሰለስተ ዘይኰነስ፡ ኣርባዕተ ሰባት ረኣየ። በዚ ብዙሕ ፈርሀ፡ ንሰበ ስልጣኑ ድማ፡ ‘ናብቲ ሓዊ ዝደርበናዮምሲ ሰለስተ ሰባት ደይነበሩን፧ ኣነ ግና ኣርባዕተ እርኢ ኣለኹ፣ እቲ ሓደ ኸኣ መልኣኽ እዩ ዚመስል’ በሎም።

ነቡካድነጻር ድማ ናብቲ እቶን ቀሪቡ፡ ‘ኣቱም ገላዉ እቲ ልዑል ኣምላኽ፡ ውጹ!’ በሎም። ኵሎም እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኸኣ፡ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ካብቲ ሓዊ ኸይተጐድኡ ምውጻኦም ምስ ረኣዩ ገረሞም። ቈርበቶምን ጸጕሮምን ክዳውንቶምን ኣይነደደን፣ ጨና ሓዊ እውን ኣይነበሮምን።

ነቡካድነጻር ድማ፡ ‘ኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ዓብዪ እዩ። መልኣኹ ልኢኹ ኣድሒንዎም እዩ። ከምኡ ዝኣመሰለ ኻልእ ኣምላኽ የልቦን’ በለ።

ንስኻኸ ዝመጸ እኳ እንተ መጸ፡ ከምቶም ሰለስተ እብራውያን ንየሆዋ እሙን ክትከውን ቈሪጽካ ዲኻ፧

ንጉስ ነቡካድነጻር ንሲድራቅን ንሚሳቅን ንዓብድ-ኔጎን ካብ ሓዊ ኸይተጐድኡ ኺወጹ ኸለዉ ርእዩ ይስምብድ

“ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣምልኮ፡ ንዕኡ ንበይኑ ድማ ኣገልግሎ።”—ማቴዎስ 4:10

ሕቶታት፦ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን እንታይ ምግባር እዮም ኣብዮም፧ የሆዋ ብኸመይ እዩ ኣድሒንዎም፧

ዳንኤል 3:1-30

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ